ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 ነሓሰ ገጽ 14-19
  • ንይቕረታ የሆዋ ተቐበሎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንይቕረታ የሆዋ ተቐበሎ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንይቕረታ የሆዋ ኽንቅበሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
  • ንይቕረታ የሆዋ ምእንቲ ኽንቅበሎ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
  • ነቲ የሆዋ ዚዝክሮ ኣይትረስዓዮ
  • ብቐጻሊ ንልብኻ ኣእምኖ
  • ይቕረታ የሆዋ—ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • የሆዋ: ‘ንይቕረታ ድሉው’ ዝዀነ ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • “ንይቕረታ ድልዊ” ዝዀነ ኣምላኽ
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • የሆዋ—ካብ ኵሉ ዝዓበየ ይቕረ በሃሊ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 ነሓሰ ገጽ 14-19

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 34

መዝሙር 3 ሓይልና፡ ተስፋና፡ እምንቶና

ንይቕረታ የሆዋ ተቐበሎ

“ስሕተት ሓጢኣተይ ሓዲግካለይ።”—መዝ. 32:5።

ኣትኵሮ

ንይቕረታ የሆዋ ስለምንታይ ክንቅበሎ ኸም ዘሎና፡ የሆዋ ንዚንስሑ ሓጥኣን ይቕረ ኸም ዚብለሎም ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዜረጋግጽ።

1-2. ዚንስሑ ሓጥኣን እንታይ እፎይታ እዮም ዚረኽቡ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

ንጉስ ዳዊት ነቲ ሕሉፍ ሓጢኣት ዚፈጥሮ ናይ በደለኛነት ስምዒት ይፈልጦ ነይሩ እዩ። (መዝ. 40:12፣ 51:3፣ ልዕለ ጽሑፍ) ኣብ ህይወቱ ኸቢድ ጌጋታት ገይሩ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ካብ ልቡ ተነሲሑ፡ የሆዋ እውን ይቕረ ኢሉሉ እዩ። (2 ሳሙ. 12:13) በዚ ኸምዚ ድማ፡ ነቲ ኻብ የሆዋ ይቕረታ ምስ ረኸብካ ዚስምዓካ እፎይታ ይፈልጦ እዩ።—መዝ. 32:1።

2 ንሕና እውን ከም ዳዊት፡ ነቲ ምሕረት የሆዋ ዜምጽኦ እፎይታ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ካብ ልቢ እንተ ተነሲሕና፡ ሓጢኣትና እንተ ተናዚዝና፡ ጌጋታትና ንዘይምድጋም እውን ዚከኣለና እንተ ጌርና፡ የሆዋ ነቲ ኸቢድ ሓጢኣትና እኳ ይቕረ ንምባል ፍቓደኛ ኸም ዝዀነ ምፍላጥሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜጸናንዕ! (ምሳ. 28:13፣ ግብ. 26:20፣ 1 ዮሃ. 1:9) ይቕረ ኺብል ከሎ ኸኣ፡ ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ስለ ዚብል፡ ጠሪስና ሓጢኣት ከም ዘይገበርና እዩ ዚቝጸር!—ህዝ. 33:16።

ንጉስ ዳዊት ኣብ ሰገነት ኮፍ ኢሉ መሰንቆ እናወቕዐ ይዝምር።

ንጉስ ዳዊት ብዛዕባ ይቕረታ የሆዋ ዚገልጽ ሓያሎ መዝሙራት ደረሰ (ሕጡብ ጽሑፍ 1-2 ርአ)


3-4. ሓንቲ ሓብቲ ዋላ እውን ድሕሪ ጥምቀታ እንታይ እዩ ተሰሚዕዋ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣኸ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

3 ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ገሊኦም ሰባት፡ የሆዋ ይቕረ ኸም ዝበለሎም ምቕባል ይኸብዶም እዩ። ተመክሮ እታ ኣብ ሓቂ ዝዓበየት ጀኒፈር እስከ ንርአ። ጐርዞ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ብግጉይ ኣካይዳ ትመላለስ ነበረት፡ ክልተ ዓይነት ህይወት እውን ትመርሕ ነበረት። ድሕሪ ዓመታት ግና ናብ የሆዋ ተመልሰት፣ ኣብ መወዳእታኡ ድማ ርእሳ ወፍያ ተጠምቀት። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ሕሉፍ ህይወተይ ብፍቕረ ንዋይን ብምንዝርናን ብምብዛሕ መስተን መጠን ብዝሓለፈ ቝጥዓን ዝመልአ እዩ ነይሩ። ይቕረታ ምስ ለመንኩን ምስ ተነሳሕኩን፡ መስዋእቲ ክርስቶስ ከም ዘንጸሃኒ ኣእምሮይ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ይቕረታ ኸም ዝረኸብኩ ግና፡ ንልበይ ከእምኖ ኣይከኣልኩን።”

4 የሆዋ ንሕሉፍ ጌጋታትካ ይቕረ ኸም ዝበለልካ፡ ሓድሓደ ግዜ ንልብኻ ኸተእምኖ ይኸብደካዶ፧ የሆዋ፡ ከምቲ ዳዊት እተሰምዖ፡ ንሕና እውን ምሕረት ከም ዝረኸብና ተሰሚዑና ኽንቀስን እዩ ዚደልየና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንይቕረታ የሆዋ ስለምንታይ ክንቅበሎ ኸም ዘሎናን ከምኡ ንምግባር እንታይ ከም ዚሕግዘናን ክንመያየጥ ኢና።

ንይቕረታ የሆዋ ኽንቅበሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

5. ሰይጣን እንታይ ክንኣምን እዩ ዚደልየና፧ ኣብነት ሃብ።

5 ንይቕረታ የሆዋ እንተ ተቐቢልናዮ፡ ናብ ሓደ ኻብ መጻወድያታት ሰይጣን ኣይንወድቕን ኢና። ሰይጣን ነቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ንምጕንዳብ ዚከኣሎ ኸም ዚገብር ኣይንረስዕ። ነዚ ሸቶኡ እዚ ንምውቃዕ ድማ፡ ሓጢኣትና ይቕረ ዚብሃሎ ኸም ዘይኰነ ገይሩ ኼእምነና ይጽዕር እዩ። ብዛዕባ እቲ ብምምንዛሩ ኻብ ጉባኤ እተወገደ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረ ሰብ እሞ ንሕሰብ። (1 ቈረ. 5:1, 5, 13) ደሓር ንሱ ምስ ተነስሐ፡ ሰይጣን ነቶም ኣብ ጉባኤ ዝነበሩ ሰባት ይቕረ ኺብሉሉ ኣይደለዮምን። መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ኣመና ኻብ ምጭካኖም እተላዕለ ምቕባል ኪኣብይዎ እዩ ደልይዎም ነይሩ። ጐድኒ ጐድኒ እዚ ድማ፡ ሰይጣን ነቲ እተነስሐ ሰብ፡ ይቕረ ኺብሃለሉ ኸም ዘይግባእ ኰይኑ ኺስምዖ እዩ ዚደሊ ነይሩ። እወ፡ ‘ብብዝሒ ጓሂ ኺወሓጥ’ እሞ፡ ንየሆዋ ምግልጋል ኪሓድጎ እዩ ዚደሊ ነይሩ። ሰይጣን ሸቶኡ ዀነ ስልትታቱ ኣይቀየረን። ይኹን እምበር፡ “ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና።”—2 ቈረ. 2:5-11።

6. ካብቲ ጾር ዝዀነና ናይ በደለኛነት ስምዒት ብኸመይ እፎይታ ኽንረክብ ንኽእል፧

6 ንይቕረታ የሆዋ እንተ ተቐቢልናዮ፡ ካብቲ ጾር ዝዀነና ናይ በደለኛነት ስምዒት እፎይታ ንረክብ ኢና። ክንሓጥእ ከለና፡ ናይ በደለኛነት ስምዒት ይስምዓና እዩ። (መዝ. 51:17) እዚ ጽቡቕ ነገር እዩ። ሕልናና ነቲ ግጉይ መገድና ንምእራም፡ ኣወንታዊ ስጕምትታት ክንወስድ ይድርኸና እዩ። (2 ቈረ. 7:10, 11) እንተዀነ ግና፡ ካብ ሓጢኣትና ድሕሪ ምንሳሕና፡ ነቲ ናይ በደለኛነት ስምዒት ሒዝና እንተ ቐጺልና፡ ክንሕለል ንኽእል ኢና። ንይቕረታ የሆዋ እንተ ተቐቢልናዮ ግና፡ ነቲ ናይ በደለኛነት ስምዒት ናብ ሕሉፍ ኢና እንድርብዮ። ድሕሪኡ፡ ንየሆዋ በቲ ንሱ ዚደልዮ መገዲ፡ ማለት ብንጹህ ሕልናን ብሓጐስን ከነገልግሎ ንኽእል። (ቈሎ. 1:10, 11፣ 2 ጢሞ. 1:3) እሞ ደኣ ንይቕረታ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንቅበል ንልብና ብኸመይ ከነእምኖ ንኽእል፧

ንይቕረታ የሆዋ ምእንቲ ኽንቅበሎ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

7-8. የሆዋ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ንሙሴ እንታይ ኢሉ እዩ ገሊጹሉ፧ እዚኸ እንታይ እምንቶ እዩ ዜሕድረልና፧ (ዘጸኣት 34:6, 7)

7 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንርእሱ ዝገለጸሉ መገዲ ሕሰብ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንሙሴ ኣብ ከረን ሲና እንታይ ከም ዝበሎ ኽንሓስብ ንኽእል ኢና።a (ዘጸኣት 34:6, 7 ኣንብብ።) ካብ ኵሉ እቲ ብዛዕባ ባህርያቱን መገድታቱን ኪጠቕሶ ዚኽእል ዝነበረ ነገራት፡ “መሓርን ርሕሩሕን ኣምላኽ” ዚብል እዩ ሓርዩ። ከምዚ ዝበለ ኣምላኽሲ ብሓቂ ንእተነስሐ ኣምላኺኡ ይቕረታ ምኸልአዶ፧ ኣይፋልን! ከምኡ እንተ ዚገብር፡ ጨካንን ዘየናሕስን ምዀነ። የሆዋ ድማ ከምዚ ዓይነት ባህርያት ፈጺሙ የብሉን።

8 የሆዋ ሓቀኛ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ዘይኰኖ ኸም ዝዀነ መሲሉ ኪቐርብ ኣይክእልን እዩ። (መዝ. 31:5) ስለዚ፡ ነቲ ዚብለና ነገር ክንኣምኖ ንኽእል ኢና። እቲ ሕሉፍ ሓጢኣትካ ዘስዓበልካ ናይ በደለኛነት ስምዒት ገና ጾር ኰይኑካ እንተ ኣልዩ፡ ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘የሆዋ ብሓቂ መሓርን ርሕሩሕን ከም ዝዀነ፡ ንእተነስሐ ዘበለ ሓጥእ ድማ ይቕረታኡ ኸም ዘይከልኦ እኣምን ድየ፧ እሞ ደኣ ንዓይ እውን ይቕረ ኸም ዝበለለይ ክቕበሎዶ ኣይግባእን፧

9. ሓጢኣትና ይሕደገልና ኺብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ (መዝሙር 32:5)

9 ነቲ የሆዋ ብጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ብዛዕባ ይቕረታኡ ዘጽሓፎ ነገር ኣስተንትነሉ። ንኣብነት፡ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ዳዊት ብዛዕባ ይቕረታ የሆዋ እንታይ ከም ዝበለ እስከ ንርአ። (መዝሙር 32:5 ኣንብብ።) ዳዊት፡ “ንስኻ . . . ስሕተት ሓጢኣተይ ሓዲግካለይ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። እታ “ሓዲግካለይ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ኣልዒልካለይ፡” “ወሲድካለይ፡” ወይ “ጾይርካለይ” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። የሆዋ ንዳዊት ይቕረ ኺብለሉ ኸሎ፡ ንሓጢኣቱ ኻብኡ ኣልዒሉ ኸም ዝወሰደሉ ጌርና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። ድሕሪኡ ዳዊት ካብቲ ኸቢድ ጾሩ እፎይታ ረኺቡ። (መዝ. 32:2-4) ንሕና እውን ተመሳሳሊ እፎይታ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ካብ ሓጢኣትና ብሓቂ እንተ ተነሲሕና፡ የሆዋ ንሓጢኣትና ኻባና ስለ ዚወስዶ፡ ድሕሪ ደጊም ናይ በደለኛነት ስምዒት ክንጸውር የብልናን።

10-11. እተን “ንይቕረታ ድልዊ” ዚብላ ቓላት ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይነግራና፧ (መዝሙር 86:5)

10 መዝሙር 86:5 ኣንብብ። ዳዊት ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ ንየሆዋ፡ “ንይቕረታ ድልዊ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። ሓደ መወከሲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዘን ቃላት እዚአን ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ፡ ብዛዕባ የሆዋ፡ “ንሱ ‘ይቕረ በሃሊ’ እዩ፣ ባህርዩ እዩ” ኢሉ ኣሎ። ይቕረ ምባል፡ ባህርይ የሆዋ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ዚቕጽል ክፋል እታ ፍቕዲ፡ “ንዅሎም እቶም ዚጽውዑኻ፡ ኣብዚሕካ ብተኣማንነት ተፍቅሮም ኢኻ” ብምባል ናይዚ ምኽንያት ይገልጸልና። ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ የሆዋ በታ ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሩ ተደሪኹ፡ ምስ እሙናት ኣምለኽቱ ዓሚቝን ነባርን ርክብ ይምስርት እዩ። በታ ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሩ ተደሪኹ ኸኣ፡ ንዚንስሑ ዘበሉ ሓጥኣን “ብናጻ ይቕረ ይብል” እዩ። (ኢሳ. 55:7፡ እ.ጽ.) ንይቕረታ ኣምላኽ ምቕባል እንተ ኸቢዱካ፡ ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘የሆዋ ይቕረ በሃሊ ምዃኑ፡ ማለት ምሕረቱ ደልዮም ንዚንስሑ ዘበሉ ይቕረ ንምባል ድልዊ ምዃኑ እኣምን ድየ፧ እሞ ደኣ ምሕረቱ ምስ ለመንኩ፡ ንዓይ እውን ይቕረ ኸም ዝበለለይ ክቕበሎዶ ኣይግብኣንን፧’

11 የሆዋ ነቲ ሓጢኣት ናይ ምፍጻም ዝንባለና ምሉእ ብምሉእ ከም ዚርድኦ ምፍላጥና የጸናንዓና እዩ። (መዝ. 139:1, 2) እዚ ድማ ዳዊት ኣብ ዝጸሓፋ ኻልእ መዝሙር ብንጹር ጐሊሑ ኣሎ። ንይቕረታ የሆዋ ኽንቅበሎ እውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

ነቲ የሆዋ ዚዝክሮ ኣይትረስዓዮ

12-13. ብመሰረት መዝሙር 103:14፡ የሆዋ ብዛዕባና እንታይ እዩ ዚዝክር፧ እዚኸ እንታይ ኪገብር እዩ ዚድርኾ፧

12 መዝሙር 103:14 ኣንብብ። ዳዊት ብዛዕባ የሆዋ ኺዛረብ ከሎ፡ “ሓመድ ምዃንና . . . ይዝክር” ኢሉ ኣሎ። በዘን ቃላት እዚአን ኣቢሉ ድማ፡ የሆዋ ንዚንስሑ ኣምለኽቱ ይቕረ ንምባል ስለምንታይ ድሉው ከም ዝዀነ ዳዊት ሓቢሩና ኣሎ። እወ፡ ሓጢኣት ናይ ምፍጻም ዝንባለ ኸም ዘሎና፡ የሆዋ ወትሩ ይዝክር እዩ። ነዚ ብዝያዳ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ ንቓላት ዳዊት እስከ ተጠንቂቕና ንመርምሮ።

13 ዳዊት፡ “ከመይ ከም እተገበርናስ [የሆዋ] ኣጸቢቑ ይፈልጥ” ኢሉ ኣሎ። የሆዋ ንኣዳም፡ “ካብ ሓመድ ምድሪ” እዩ ገይርዎ፣ ዋላ እውን ፍጹማት ሰባት ብተፈጥሮ ዓቕሞም ድሩት ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ንኣብነት፡ ብህይወት ንምንባር ኪበልዑን ኪድቅሱን ኬስተንፍሱን ኣለዎም። (ዘፍ. 2:7) ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሓጥኡ ግና፡ እቲ ኻብ ሓመድ ተጌርና ዚብል ኣበሃህላ ተወሳኺ ትርጉም እዩ ሒዙ። ንሕና ዘርኦም ብምዃንና ሓጢኣት ናይ ምግባር ዝንባለ ኻባታቶም ስለ ዝወረስና፡ ጌጋ ምግባር ይቐልለና እዩ። የሆዋ ነቲ ሓጢኣት ናይ ምግባር ዝንባለና፡ ይፈልጦ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ዳዊት ዝበሎ፡ ‘ይዝክሮ’ እውን እዩ። እዛ ኣብዚ ተጠቒሳ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል ኣወንታዊ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ተመልክት እያ። ስለዚ ነቲ ቓላት ዳዊት ሒዝዎ ዘሎ ትርጉም ከምዚ ዚስዕብ ክንብሎ ንኽእል ኢና፦ የሆዋ ሓድሓደ ግዜ ኸም እንጐድል ይርድኦ እዩ፣ ካብ ልብና እንተ ተነሲሕና ግና፡ ኪምሕረናን ይቕረ ኺብለልናን ይድረኽ እዩ።—መዝ. 78:38, 39።

14. (ሀ) ዳዊት፡ ይቕረታ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ምዃኑ እዩ ገሊጹ ዘሎ፧ (መዝሙር 103:12) (ለ) ካብቲ የሆዋ ንዳዊት ዝገበረሉ ነገር ብዛዕባ ይቕረታኡ እንታይ ንምሃር፧ (“የሆዋ ብኸመይ ይቕረ ኸም ዚብልን ከም ዚርስዕን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

14 ይቕረታ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ እዩ፧ (መዝሙር 103:12 ኣንብብ።) የሆዋ ይቕረ ኺብል ከሎ፡ “ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፡” ንሓጢኣትና ኽንድኡ ኸም ዜርሕቖ፡ ዳዊት ገሊጹ ኣሎ። ምብራቕ ካብ ምዕራብ ኣጸቢቑ ይርሕቕ እዩ፣ ክልቲኡ ኸቶ ኣይራኸብን እዩ። እዚ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ይቕረ ዝበሎ ሓጢኣት እንታይ ይነግረና፧ ሓደ መወከሲ ጽሑፍ በዚ ኸምዚ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ሓጢኣት ክሳዕ ክንድዚ እንተ ርሒቑ፡ ሽታኡን ኣሰሩን ትዝታኡን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝጠፍአ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።” ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ሽታ ንትዝታና ኼለዓዕሎ ይኽእል እዩ። የሆዋ ይቕረ ኺብል ከሎ ግና፡ እቲ ንሓጢኣትና ዜዘክር ኣሰር ሽታ እኳ ስለ ዚጠፍእ፡ ብእኡ ተሓተትቲ ኣይገብረናን እዩ።—ህዝ. 18:21, 22፣ ግብ. 3:19።

ስእልታት፦ 1. ንጉስ ዳዊት ኣብ ናሕሲ ዀይኑ ንባትሴባ ኽትሕጸብ ከላ ይጥምታ። 2. ብጽኑዕ ይጽሊ። 3. እናጸሓፈ የስተንትን።

የሆዋ ብኸመይ ይቕረ ኸም ዚብልን ከም ዚርስዕን

የሆዋ ይቕረ ኺብል ከሎ፡ ንሓጢኣትና ኸም ዚርስዖ፡ ማለት በቲ ሓጢኣትና ድሕሪ ደጊም ተሓተትቲ ኸም ዘይገብረና ተገሊጹ ኣሎ። (ኢሳ. 43:25) ንኣብነት፡ ብዛዕባ ንጉስ ዳዊት እስከ ንርአ። ዋላ እውን ከቢድ ሓጢኣት ጌርና ኽነስና፡ ህይወትና ኺዕረ ኸም ዚኽእል ካብ ህይወቱ ኽንምሃር ንኽእል ኢና።

ዳዊት ተደራራቢ ኸቢድ ሓጢኣት ገይሩ እዩ። ገለ ኻብቲ ሓጢኣቱ ኸኣ ዝሙትን ቅትለትን ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ካብ ልቡ ስለ እተነስሐ ግና፡ የሆዋ ይቕረ በለሉ። ዳዊት ድማ ንእተዋህቦ መግናሕቲ ተቐበለ፡ መገዱ ኣረመ፡ ድሕሪኡ እውን ብንጹህ ኣምልኾ ተመላለሰ።—2 ሳሙ. 11:1-27፣ 12:13።

የሆዋ ንሰሎሞን፡ “ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት እተመላለሶ፡ ብንጽህና ልብን ብቕንዕናን ኣብ ቅድመይ እንተ ተመላሊስካ” ኢሉ ተዛሪብዎ እዩ። (1 ነገ. 9:4, 5) ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ የሆዋ ንሓጢኣት ዳዊት ፈጺሙ ኣይጠቐሶን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብንጽህናን ብቕንዕናን ከም እተመላለሰ ገይሩ እዩ ገሊጽዎ። ስለቲ ተኣማንነቱ ድማ፡ ‘ኣብዚሑ ዓስቢ ሃቦ።’—መዝ. 13:6።

ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ የሆዋ ይቕረ ኺብል ከሎ፡ ኣብቲ ዝሓደገልና ሓጢኣት ዘይኰነስ፡ ኣብ ጽቡቕና ብምትኳር ዓስቢ ኺህበና እዩ ዚደሊ። (እብ. 11:6) ስለዚ፡ ነቲ የሆዋ ዀነ ኢሉ ዝረስዖ ሕሉፍ ሓጢኣትና ብቐጻሊ ኽንዝክሮ የብልናን።

15. ብሕሉፍ ሓጢኣትና ብቐጻሊ ናይ በደለኛነት ስምዒት ዚስምዓና እንተ ዀይኑ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

15 ኣብ መዝሙር 103 ዚርከብ ቃላት ዳዊት ንይቕረታ የሆዋ ኽንቅበሎ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ ብሕሉፍ ሓጢኣትና ብቐጻሊ ናይ በደለኛነት ስምዒት ዚስምዓና እንተ ዀይኑ፡ ከምዚ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘የሆዋ ንዚዝክሮ ነገር እርስዕዶ ኣለኹ፧—ማለት ነቲ ናይ ሓጢኣት ዝንባለይ ንሱ ኸም ዚፈልጦን ንኸምዚ ኸማይ ዝበለ ዚንሳሕ ሓጥእ ይቕረ ኸም ዚብለሉን እርስዕዶ ኣለኹ፧ የሆዋ ንዝረስዖ ነገርከ እዝክርዶ ኣለኹ፧—ማለት ንሱ ይቕረ ንዝበለለይን ንዝሰረዘለይን ሓጢኣት እዝክርዶ ኣለኹ፧’ የሆዋ ኣብ ሕሉፍ ሓጢኣትና ኣየተኵርን እዩ። ንሕና እውን ኣብኡ ኸነተኵር የብልናን። (መዝ. 103:3) ንይቕረታ የሆዋ ምስ ተቐበልናዮ፡ ምስ ሕሉፍ ሓጢኣትና ብእተተሓሓዘ ንርእስና ይቕረታ ኽንገብርን ህይወትና ኽንቅጽልን ንኽእል ኢና።

16. ኣብ ሕሉፍ ሓጢኣትና ምትኳር ዘለዎ ሓደጋ ብምሳሌ ኣረድእ። (ስእሊ እውን ርአ።)

16 ነዚ ዚስዕብ ምሳሌ እስከ ንርአ። ኣብ ሕሉፍ ሓጢኣትና እነተኵር እንተ ዄንና፡ ናብ ድሕሪት ኣብ ዜርኢ መስትያት እናጠመትና ማኪና ኽንዝውር ከም ምፍታን ኪቝጸር ይከኣል እዩ። ሓሓሊፍካ ናብቲ መስትያት እቲ ቝሊሕ ምባል ጥቕሚ ኣለዎ። ካብቲ ኻብ ድሕሬኻ ዚመጽእ ሓደጋታት ከተምልጥ ትኽእል ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ ብደሓን ናብ ቅድሚት ምእንቲ ኽትግስግስ፡ ናብቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ መገዲ ኸተተኵር ኣሎካ። ብተመሳሳሊ፡ በብግዜኡ ብዛዕባ ሕሉፍ ጌጋታትና ምሕሳብ ኪጠቕመና ይኽእል እዩ። ካብኡ ኽንምሃር፡ ንዘይምድጋሙ ድማ ቈራጽነትና ኸነደልድል ንኽእል ኢና። ወትሩ ኣብ ሕሉፍ ጌጋታትና እንተ ኣተኲርና ግና፡ እቲ ዚስምዓና ናይ በደለኛነት ስምዒት ነቲ ሕጂ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ እንገብሮ ኣበርክቶ ኺድርቶ ይኽእል እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መገዲ ነተኵር። ሕጂ ኣብታ ኣምላኽ ናብ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም እትመርሕ መገዲ ህይወት ኢና ዘለና። ኣብ ሓዳስ ዓለም ድማ፡ ሕማቕ ተዘክሮታት “ኣይኪዝከርን” እዩ።—ኢሳ. 65:17፣ ምሳ. 4:25።

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ጥውይዋይ መገዲ እናዘወረ ናብ ድሕሪት ናብ ዜርኢ መስትያት ቍሊሕ ይብል።

ከምቲ መራሕ ማኪና ብዝያዳ ኣብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ መገዲ ደኣ እምበር፡ ኣብቲ ናብ ድሕሪት ዜርኢ መስትያት ኬተኵር ዘይብሉ፡ ንሕና እውን ብዝያዳ ኣብ ናይ መጻኢ በረኸት ደኣ እምበር፡ ኣብቲ ሕሉፍ ጌጋታትና ኣይነተኵር (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)


ብቐጻሊ ንልብኻ ኣእምኖ

17. ንልብና ብዛዕባ ፍቕርን ይቕረታን የሆዋ ብቐጻሊ ኸነእምኖ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

17 ንልብና ብዛዕባ ፍቕርን ይቕረታን የሆዋ ብቐጻሊ ኸነእምኖ ኣሎና። (1 ዮሃ. 3:19፡ እ.ጽ.) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሰይጣን፡ ፍቕሪ ወይ ይቕረታ የሆዋ ኸም ዘይግብኣና ገይሩ ኼእምነና ዚገብሮ ጻዕሪ ኣየቋርጽን እዩ። ኣብ ክልቲኡ መዳይ ሓደ ሸቶ እዩ ዘለዎ። ንየሆዋ ምግልጋል ክንሓድጎ እዩ ዚደሊ። ሓጺር እዋን ከም ዘለዎ ስለ ዚፈልጥ ከኣ፡ ጻዕርታቱ ኼሐይል ኢና ትጽቢት እንገብር። (ራእ. 12:12) እምበኣር፡ ኪዕወት ኣይንፍቀደሉ!

18. ንልብኻ ብዛዕባ ፍቕርን ይቕረታን የሆዋ ምእንቲ ኸተእምኖ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧

18 ኣብ ፍቕሪ የሆዋ ዘሎካ እምንቶ ምእንቲ ኸተደልድል፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ዘሎ ሓሳባት ተግብሮ። ንልብኻ ብዛዕባ ይቕረታ የሆዋ ምእንቲ ኸተእምኖ ኸኣ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንርእሱ ዝገለጸሉ መገዲ ሕሰብ። ንጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ይቕረታኡ እንታይ ኢሎም ኪጽሕፉ ኸም ዝደረኾም ኣስተንትን። ነቲ ናይ ሓጢኣት ዝንባለኻ ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጦን ብምሕረት ከም ዚሕዘካን ኣይትረስዕ። ይቕረ ኺብል ከሎ ኸኣ፡ ምሉእ ብምሉእ እዩ ይቕረ ዚብል። ድሕሪኡ፡ ከም ዳዊት ኣብ ምሕረት የሆዋ ምሉእ እምንቶ ስለ እተሕድር፡ “ኦ የሆዋ፡ ‘ስሕተት ሓጢኣተይ’ ስለ ዝሓደግካለይ፡ አመስግነካ!” ክትብል ኢኻ።—መዝ. 32:5።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ንይቕረታ የሆዋ ኽንቅበሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  • ንይቕረታ የሆዋ ምእንቲ ኽንቅበሎ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

  • ንልብና ብዛዕባ ይቕረታ የሆዋ ብቐጻሊ ኸነእምኖ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

መዝሙር 1 ባህርያት የሆዋ

a ኣብ ናይ 1 ግንቦት 2009 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ንኣምላኽ ቅረቦ—የሆዋ ብዛዕባ ርእሱ ኺገልጽ ከሎ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ