ምኽሪ መጽናዕቲ
ካብ ሕድጋታዊ መወከሲታት ተጠቐም
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ዚርከብ ሕድጋታዊ መወከሲታት ናብቲ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታት ክትረኽበሉ እትኽእል ጥቕስታት ብምሕባር፡ ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ውሽጣዊ ስኒት የርኢ። ሕድጋታዊ መወከሲታት በቲ ንቓላት ስዒቡ ዚርከብ ንኣሽቱ ፊደላት ተሓቢሩ ኣሎ። ኣብቲ ብወረቐት እተሓትመ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናብቲ ኣብ ማእከል ኣብ ዚርከብ ዓምዲ ዘሎ ተመሳሳሊ ፊደል ብምኻድ፡ ነቲ ምስኡ ዚዛመድ ጥቕስታት ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ኣብ jw.org ወይ ኣብ ኣፕሊኬሽን JW Library ኸኣ፡ ነቲ ፊደላት ብምጥዋቕ ናብቲ ኣብቲ መወከሲ ዚርከብ ጥቕስታት ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።
ሕድጋታዊ መወከሲታት ናብዚ ስዒቡ እተገልጸ ሓበሬታን ናብ ካልእ ሓበሬታን ኬመልክተካ ይኽእል፦
ተመሳሳሊ ጸብጻብ፦ እቲ መወከሲ፡ ተመሳሳሊ ዛንታ ናብ እተመዝገበሉ ኻልእ ቦታ ይሕብር። ንኣብነት፡ 2 ሳሙኤል 24:1ን 1 ዜና መዋእል 21:1ን ርአ።
ጥቕሲ፦ እቲ መወከሲ፡ ገሊኡ ሓረግ ወይ ቃላት ካበይ ከም እተጠቕሰ ይሕብር። ንኣብነት፡ ማቴዎስ 4:4ን ዘዳግም 8:3ን ርአ።
እተፈጸመ ትንቢት፦ እቲ መወከሲ፡ ንሓደ ትንቢት ምስ ፍጻመኡ የተኣሳስሮ። ንኣብነት፡ ማቴዎስ 21:5ን ዘካርያስ 9:9ን ርአ።