ታሪኽ ህይወት
የሆዋ ‘ኣብቲ እተተኸልናዮ ኽንዓቢ’ ሓጊዙና
“ኣብቲ እተተኸልካዮ ዕበ” ዚብል ምኽሪ ዜገርም ኪመስል ይኽእል እዩ። ማትስን ኣን-ካትሪንን ዚብሃሉ ሽወደናውያን ሰብኣይን ሰበይትን ግና፡ ብዙሕ ሳዕ “ተተኺሎም” ኪብሃል ይከኣል እዩ። ብኸመይ እዮም “ተተኺሎም፧” እቲ ምኽሪ እቲኸ ብኸመይ ጠቒምዎም፧
ብ1979 እንዳ ካስሆልም ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተማህሩ። ኣብቲ ድሕሪኡ ዘሕለፍዎ ሓያሎ ዓመታት ድማ፡ ኣብ ማውሪሽየስ፡ ምያንማር፡ ታንዛንያ፡ ኡጋንዳ፡ ኢራን፡ ዛየር ንምግልጋል ብዙሕ ሳዕ “ተተኺሎም” ወይ ተመዲቦም እዮም። እቲ ምኽሪ እቲ፡ ኣብ ጊልዓድ ከለዉ፡ ጃክ ሬድፎርድ ዚብሃል መምህር እተዛረቦ እዩ ነይሩ። ኣብ ህይወቶም ብዙሕ ሳዕ ስለ “እተተኽሉን” “እተማሕዉን” መሊስካ ስለ “እተተኽሉን” ድማ፡ እዚ ምኽሪ እዚ ጠቒምዎም እዩ። እምበኣር፡ ተመክሮኦም ኬዘንትዉ ኸለዉ ንከታተሎም።
ማትስ፡ ፈለማ ብኸመይ ሓቂ ኸም ዝረኸብካ ግዳ ንገረና።
ማትስ፦ ኣቦይ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ፖላንድ ይነብር ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ብዙሕ ግብዝና እዩ ርእዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዙሕ ሳዕ፡ “ሓቂ ኽትህሉ ኣለዋ” ይብል ነይሩ እዩ። ድሕሪ ግዜ ኸኣ፡ ንሱ ልክዕ ምንባሩ፡ ከረጋግጽ ክኢለ እየ። ሓደ እዋን፡ ሓያሎ ዘገልገለ መጻሕፍቲ ዓዲገ። ሓንቲ ኻብተን መጻሕፍቲ ድማ፡ ናብ ናይ ዘልአለም ህይወት እትመርሕ ሐቂ ዘርእስታ ሰማያዊት መጽሓፍ እያ ነይራ። እቲ ኣርእስቲ እቲ ንኣቓልቦይ ስሒብዎ። ንብምልእታ እታ መጽሓፍ ድማ፡ ኣብታ ለይቲ እቲኣ ኣንቢበ ወዲአያ። ንጽብሒቱ ኺነግህ ከሎ፡ ሓቂ ኸም ዝረኸብኩ ፈሊጠ ነይረ።
ካብ ሚያዝያ 1972 ንደሓር፡ ሓያሎ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣንቢበ እየ፣ ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕቶታተይ እውን መልሲ ረኺበሉ እየ። ከምቲ ኽብርቲ ሉል ምስ ረኸበ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ዝዓደጋ የሱስ ኣብ ዝመሰሎ ምሳሌ እተጠቕሰ ነጋዳይ ዝዀንኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ነታ ብሓቂ እትምሰል “ሉል” ምእንቲ ኽዕድግ ኢለ ድማ፡ ነቲ ናብ ዩኒቨርሲቲ ንምእታውን ሓኪም ንምዃንን ዝነበረኒ መደባት ‘ሸይጠዮ።’ (ማቴ. 13:45, 46) ብ10 ታሕሳስ 1972 ድማ ተጠሚቐ።
ኣብ ውሽጢ ዓመት፡ ወለደይን ምንኣሰይ ሓወይን ንሓቂ ተቐቢሎም ተጠምቁ። ኣብ ሓምለ 1973 ከኣ፡ ኣነ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀሚረ። ካብቶም ኣብ ጉባኤና ዝነበሩ፡ ብቕንኣት ዜገልግሉ ፈለምቲ ኸኣ፡ ሓንቲ ማራኺትን መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዋን ኣን-ካትሪን እትብሃል ሓብቲ ነይራ። ምስኣ ስለ እተፋቐርና፡ ብ1975 ተመርዒና። እቲ ዚቕጽል ኣርባዕተ ዓመት ድማ፡ ኣብ ሽወደን ኣብ እትርከብ ስትሮምሱንድ እትብሃል ውቅብትን ፍርያምን ክሊ ኣሕሊፍናዮ።
ኣን-ካትሪን፦ ኣቦይ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቱ ኺውድእ ምስ ቀረበ እዩ ሓቂ ፈሊጡ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ጓል ሰለስተ ወርሒ እየ ነይረ፣ ኰይኑ ግና፡ ናብ ኣኼባታትን ናብ ኣገልግሎት ወፍርን ይወስደኒ ነይሩ። ኣደይ ነዚ ስለ ዘይፈተወቶ፡ ኣብ ፈለማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጌጋ ምዃኖም ከተረጋግጽ ፈቲና። መረጋገጺ ምስ ሰኣነት ግና፡ ንሳ እውን ተጠሚቓ። ጓል 13 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣነ እውን ተጠሚቐ። ጓል 16 ዓመት ምስ ኰንኩ ድማ፡ ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ጀሚረ። ኣብታ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልይዋ ኡሜኦ ድሕሪ ምግልጋለይ ከኣ፡ ፍልይቲ ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ጀሚረ።
ኣነን ማትስን ምስ ተመራዓውና፡ ንገሊኦም ሰባት ሓቂ ኺፈልጡ ሓጊዝና ኢና። ሓንቲ ኻባታቶም ማይቮር እትብሃል ጐርዞ እያ ነይራ። ንሳ ንየሆዋ ምእንቲ ኸተገልግል ኢላ ብዙሕ ኣታዊ ኽትረኽበሉ እትኽእል ዝነበረት ስፖርት ሓዲጋቶ፣ ምስ ምንኣሰይ ሓብተይ ሓቢራ ድማ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ነይራ እያ። ብ1984 ክልቲአን ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተማሂረን እየን፣ ሕጂ ድማ ኣብ ኤኳዶር ሚስዮናውያን ኰይነን የገልግላ ኣለዋ።
ኣብቲ ሚስዮናውያን ኴንኩም እተመደብኩምሉ ዓድታት፡ ነቲ “ኣብቲ እተተኸልካዮ ዕበ” ዚብል ምኽሪ ብኸመይ ስዒብኩምዎ፧
ማትስ፦ ኣብ ሓድሽ ምድብ ብተደጋጋሚ “ተተኺልና” ኢና። ንየሱስ ንምምሳል ዚከኣለና ብምጽዓር፡ ምናዳ ኸኣ ኣብነት ትሕትናኡ ብምስዓብ፡ ኣብ የሱስ “ሱር ንምስዳድ” ጽዒርና ኢና። (ቈሎ. 2:6, 7) ንኣብነት፡ ደቂ እቲ ዝኸድናዮ ዓዲ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዓና ኺለምዱና ኣብ ክንዲ እንጽበ፡ ስለምንታይ ተግባሮም በቲ መገዲ እቲ ኸም ዚገብሩ ኽንፈልጥ ጽዒርና ኢና። ኣተሓሳስባኦምን ባህሎምን ክንርዳእ ንደሊ ኢና። ንየሱስ ክንመስሎ ብዝጸዓርና መጠን ድማ፡ ኣብ እተመደብናዮ ዘበለ ምእንቲ ኽንዓቢ፡ ‘ኣብ ጥቓ ወሓይዝ ማይ እተተኸልና’ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑና።—መዝ. 1:2, 3።
ንጉባኤታት ንምብጻሕ እንገብሮ መገሻ ስሩዕ ክፍሊ ህይወትና እዩ ነይሩ
ኣን-ካትሪን፦ ካብ ሓደ ቦታ ተማሕዩ ኣብ ካልእ እተተኽለ ኦም ምእንቲ ኺዓቢ፡ ብርሃን ጸሓይ የድልዮ እዩ። ንዓና ድማ የሆዋ እዩ ወትሩ “ጸሓይ” ዚዀነልና ነይሩ። (መዝ. 84:11) ውዕዉዓትን ፈቃራትን ዝዀኑ መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ሂቡና እዩ። ንኣብነት፡ ኣብታ ኣብ ቴህራን፡ ኢራን እትርከብ ንእሽቶ ጉባኤና፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ዓይነት ኣቀባብላ ኣጋይሽ ኢና ርኢና። ስለዚ፡ ኣብ ኢራን ክንጸንሕ ንደሊ ኔርና ኢና። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ሓምለ 1980፡ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብወግዒ ተኣገዱ፣ ንዓና እውን ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት ክንወጽእ ተነግረና። ድሕሪኡ፡ ናብታ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገረ ዛየር (ሕጂ ኮንጎ እትብሃል) ተመደብና።
ገለ ኻብቲ ብ1982 ኣብ ዛየር ዝነበረና ጽቡቕ ተዘክሮታት
ናብ ኣፍሪቃ ኸም እተመደብና ምስ ፈለጥኩ፡ በኽየ እየ። ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣትማንን ሕማማትን ከም ዘሎ ሰሚዐ ስለ ዝነበርኩ፡ ፈሪሀ እየ ነይረ። ኣብ ኣፍሪቃ ንነዊሕ ግዜ ዘገልገሉ ናይ ቀረባ ፈተውትና ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ግና፡ “ንኣፍሪቃ እኮ ኣይትፈልጥዋን ኢኹም! ዕድል ሃብዋ እሞ፡ ደሓር ክትፈትውዋ ኢኹም” በሉና። ከምቲ ዝበልዎ ድማ እዩ ዀይኑ። ኣብኡ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ፈቃራትን ለውሃትን እዮም። ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ብሰንኪ እገዳ ኻብ ዛየር ኽንወጽእ ምስ ተገደድና፡ ናብ የሆዋ፡ “በጃኻ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኽንጸንሕ ፍቐደልና” ኢለ እጽሊ ስለ ዝነበርኩ፡ በዚ ገሪሙኒ ፍሽኽ እየ ኢለ።
እንታይ ሓጐስ ረኺብኩም፧
ብ1988 ኣብ ታንዛንያ እተገልግለና ዝነበረት “መደቀሲና”
ማትስ፦ ካብ እተፈላለየ ዓዲ ምስ ዝመጹ ሚስዮናውያን ናይ ቀረባ ዕርክነት መስሪትና ኢና። ኣብ ገሊኡ ምድብና ድማ፡ ንብዙሓት ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመርሓሎም ብምንባርና ፍሉይ ሓጐስ ረኺብና ኢና። ሓድሓደ ግዜ፡ ዐዕስራ ዚኣኽሉ መጽናዕቲ እዮም ነይሮምና። ነቲ ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘርኣዩና ፍቕርን ሕያውነትን እውን ኣይርስዖን እየ። ኣብ ታንዛንያ ንዚርከባ ጉባኤታት ኣብ እንበጽሓሉ ዝነበርና እዋን፡ ነታ ኸም “መደቀሲና” ዀይና እተገልግለና ዝነበረት ቮልክስዋገን ኮምቢ ኣብ ጥቓ እንዳ ኣሕዋት ደው ከነብላ ኸለና፡ “ሓለፋ ዓቕሞም” ይልግሱልና ነይሮም እዮም። (2 ቈረ. 8:3) ምናዳ ነቲ ሰዓት ዛንታ ኢልና እንጽውዖ ዝነበርና እዋን ንፈትዎ ኔርና ኢና። መዓልቲ ኽትዓርብ ከላ፡ ኣነን ኣን-ካትሪንን በታ መዓልቲ እቲኣ ብዛዕባ ዘጋጠመና ነገራት ንዛራረብ፡ ንየሆዋ እውን ምሳና ብምዃኑ ነመስግኖ ኔርና ኢና።
ኣን-ካትሪን፦ ኣነ ብወገነይ፡ እቲ ዓለምለኻዊ ሕውነትና ኣዝዩ እዩ ዜሐጕሰኒ። ከም ፋርሲ፡ ፈረንሳይኛ፡ ሉጋንዳ፡ ስዋሂሊ ዝኣመሰለ ሓድሽ ቋንቋታት ተማሂርና፡ ሓድሽ ባህልታት እውን ርኢና ኢና። ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ጌርና፡ ሓደስቲ ፈተውቲ ኣጥሪና፡ ምሳታቶም እውን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ “ብሓድነት” ዓዪና ኢና።—ጸፎ. 3:9።
በብዓይነቱ ጽባቐ ዘለዎ ፍጥረታት የሆዋ እውን ርኢና ኢና። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ናብ ሓድሽ ዓዲ ብእተመደብና መጠን፡ የሆዋ እናመርሐ የዛውረና ኸም ዘሎ ዀይኑ እዩ ዚስምዓና ነይሩ። ባዕልና ኽንረኽቦ ዘይንኽእል ተመክሮ ኢና ረኺብና።
ኣብ በበይኑ ዓይነት ክልታት ታንዛንያ እናሰበኽና
እንታይ ጸገማት ኣጋጢምኩም፧ ነዚኸ ብኸመይ ሰጊርኩምዎ፧
ማትስ፦ ከም ሕማም ዓሶ ዝኣመሰለ ኣብ ዓድታት ትሮፒክ ዚርከብ እተፈላለየ ዓይነት ሕማማት ሓሚምና ንፈልጥ ኢና። ብዘይካዚ፡ ኣን-ካትሪን ብህጹጽ መጥባሕትታት ገይራ እያ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ወለድና ዕድመ ብምድፋኦም ኣጨኒቑና ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ንዓታቶም ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ብቐዳምነት ቤተ ሰብና ስለ እተሰከምዎ፡ ኣዚና ኢና እነመስግን። ነቲ ሓላፍነቶም እቲ፡ ደኺመ ኸይበሉ ብትዕግስትን ብሓጐስን ብፍቕርን እዮም ተሰኪሞምዎ። (1 ጢሞ. 5:4) ኰይኑ ግና፡ ሓድሓደ ግዜ ንወለድና ብማዕዶ ኻብ ምድጋፍ ንላዕሊ ኽንገብር ንምነ ስለ ዝነበርና፡ ምስ ኣሉታዊ ስምዒታት ንቃለስ ኔርና ኢና።
ኣን-ካትሪን፦ ብ1983 ኣብ ዛየር ኣብ እነገልግለሉ ዝነበርና እዋን፡ ብርቱዕ ሕማም ሸሮኽ ሓሚመ ነይረ እየ። ሓኪም ድማ ንማትስ፡ “ሎሚ መዓልቲ ኻብዛ ሃገር ኣውጽኣያ” ኢሉ ተዛሪብዎ። ስለዚ ንጽብሒቱ፡ ብናይ ጽዕነት ነፋሪት ናብ ሽወደን ኬድና። ስለምንታይሲ፡ ካልእ በረራ ኣይነበረን።
ማትስ፦ ድሕሪኡ ሚስዮናውያን ኴንና እነገልግል ስለ ዘይመሰለና፡ ኣምሪርና ኢና በኺና። ኰይኑ ግና፡ ካብ ግምት እቲ ሓኪም ወጻኢ፡ ኣን-ካትሪን ሓውያ። ድሕሪ ዓመት ከኣ ናብ ዛየር ተመሊስና፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ኣብ ሉቡምባሺ ናብ እትርከብ ንእሽቶ ጉባኤ ስዋሂሊ ተመዲብና።
ኣን-ካትሪን፦ ኣብ ሉቡምባሺ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ጥንሲ ኸይዱኒ እዩ። ውሉዳት ክንወልድ ሓሳብ እኳ እንተ ዘይነበረና፡ ሕጻን ስለ ዝሞተና ግና፡ ምጻሩ ኣመና ኸቢዱኒ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ሓዚንና ዝነበርናሉ እዋን ግና፡ ካብ የሆዋ ዘይተጸበናዮ ውህበት ረኺብና ኢና። ካብ ቅድሚኡ ብዝያዳ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከነጀምር ክኢልና ኢና። ኣብ ውሽጢ ዓመት፡ ጉባኤና ዕቤት ብምግባር ካብ 35 ኣስፋሕቲ ናብ 70 በጺሕና፣ ቍጽሪ ተኣከብቲ ድማ ካብ 40 ናብ 220 ዓሪጉ። ኣብ ኣገልግሎት ኣመና ትሑዛት ኢና ኔርና፣ በረኸት የሆዋ ድማ ብዙሕ ኣጸናኒዑኒ እዩ። ይኹን እምበር፡ ክሳዕ ሕጂ ብዛዕባ ሕጻንና ብዙሕ ሳዕ ንሓስብን ንዛራረብን ኢና። የሆዋ ኸመይ ገይሩ ንልብና ምሉእ ብምሉእ ከም ዜሕውዮ ኸኣ ብሕጂ ኽንርኢ ኢና።
ማትስ፦ ሓደ ግዜ፡ ኣን-ካትሪን ኣመና ደኺማትኒ ነይራ። ኣነ ድማ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ዝበጽሐ መንሽሮ ኸም ዘሎኒ፡ ከቢድ መጥባሕቲ እውን ከም ዜድልየኒ ተሓቢሩኒ ነይሩ። ሎሚ ግና ደሓን እየ፣ ኣን-ካትሪን እውን ዚከኣላ ትገብር ኣላ።
ፈተናታት እነሕልፍ ዘለና ንሕና በይንና ዘይምዃንና ኸነስተውዕል ክኢልና ኢና። ድሕሪ እቲ ብ1994 ኣብ ሩዋንዳ ዘጋጠመ ጃምላዊ ቕትለት፡ ኣብ ሰፈር ስደተኛታት ንዚርከቡ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን በጺሕናዮም ኢና። እምነቶምን ተጻዋርነቶምን ወትሩ ኣጋይሽ ንምቕባል ዘለዎም ህንጥዮትን ምስ ረኣና፡ የሆዋ ንህዝቡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ፈተና ኸም ዚድግፎም ተማሂርና ኢና።—መዝ. 55:22።
ኣን-ካትሪን፦ ብ2007 ኣብ ኡጋንዳ ዚርከብ ጨንፈር ኣብ ዚውፈየሉ እዋን ካልእ ጸገም ኣጋጢሙና ነይሩ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ 25 ኣቢልና እንኸውን ሚስዮናውያንን ቤት-ኤላውያንን ናብ ናይሮቢ፡ ኬንያ ነቐልና። ናብ ዶብ ኬንያ ቕድሚ ምብጻሕና ፊት ንፊትና እትመጽእ ዝነበረት ማኪና ጽዕነት ብሃንደበት ካብ መገዳ ስሒታ ወጺኣ ምሳና ተጋጨወት። እቲ ዘዋሪ ማኪናን ሓሙሽተ ኻብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብኡብኡ ሞቱ፣ ሓንቲ ሓብቲ ድማ ጸኒሓ ኣብ ሆስፒታል ሞተት። ነዞም ፈተውትና እዚኦም ብትንሳኤ ኽንረኽቦም ንህንጠ ኢና!—እዮ. 14:13-15።
ውዒለ ሓዲረ ኻብቲ ኣካላዊ መጕዳእተይ እኳ እንተ ሓወኹ፡ ኣነን ማትስን ካልኦት ተጓዓዝትን ግና ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ጭንቀት ኣሕዲርና ኢና። ኣነ ብሰንኪ እቲ ዘሕደርክዎ ጭንቀት፡ ለይቲ እበራበር ነይረ፣ ድኻም ልቢ ዘሎኒ እውን እየ ዝመስል ነይረ። እዚ ኣዝዩ ዜፍርህ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ናብ የሆዋ ብጽኑዕ እነቕርቦ ጸሎትን ገሊኡ እንፈትዎ ጥቕስታትን ሓጊዙና እዩ። ካብ ሰብ ሞያ እውን ሓገዝ ረኺብና ኢና፣ እዚ ኸኣ ጠቒሙና እዩ። ሕጂ ብዙሕ ጭንቀት የብልናን፣ ተመሳሳሊ መከራ ንዘለዎም ሰባት ከነጸናንዕ ምእንቲ ኽንክእል ድማ ንየሆዋ ንልምኖ ኢና።
ኣጸጋሚ ዅነታት ብኸመይ ክትሰግሩ ኸም ዝኸኣልኩም ክትገልጹ ኸለኹም፡ የሆዋ “ኸም እንቋቝሖ” ገይሩ ኸም ዚጥንቀቐልኩም ተዛሪብኩም ኔርኩም፧ እንታይ ማለትኩም ኢኹም፧
ማትስ፦ እዚ ቓላት እዚ ኻብቲ “ቱመበብዋ ካማ ማያይ ማቢቺ፡” ማለት “ከም እንቋቝሖ ኢና ተሓብሒብና” ዚብል ብሂል ስዋሂሊ ዝመጸ እዩ። ከምቲ ሓደ ሰብ ንእንቋቝሖኡ ኸይስበሮ ዚጥንቀቐሉ፡ የሆዋ ኣብ ኵሉ እቲ ምድባትና ብለውሃት ደጊፉና እዩ። ዜድልየና ዘበለ ጐዲሉና ኣይፈልጥን እዩ፣ ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ካብቲ ዜድልየና ንላዕሊ ኢና እንረክብ። ሓደ ኻብቲ ፍቕርን ደገፍን የሆዋ ዝረኣናሉ መገዲ ድማ፡ እቲ ኻብ ኣመሓዳሪ ኣካል እንረኽቦ ድንጋጽ እዩ።
ኣን-ካትሪን፦ ንኣብነት፡ ሓደ ኻብቲ ፍቕራዊ ደገፍ የሆዋ ኽጠቅስ ምደለኹ። ሓደ መዓልቲ ተሌፎን ተደዊሉ ኣብ ሽወደን ዚነብር ኣቦይ ብጽኑዕ ከም ዝሓመመ ተነጊሩኒ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ማትስ ካብ ሕማም ዓሶ እኳ እንተ ሓወየ፡ ገና ኣይደልደለን ነይሩ። ናብ ዓድና ንምምላስ ዜድልየና ቲኬት ንምዕዳግ እውን ገንዘብ ኣይነበረናን። ስለዚ፡ ንማኪናና ኽንሸጣ ውሳነ ጌርና። ድሕርዚ፡ ካብ ክልተ ሰባት ተሌፎን ተደዊሉልና። እታ ሓንቲ፡ ብዛዕባ ዅነታትና ኻብ ዝሰምዑ ሰብ ሓዳር እያ ነይራ፣ ንሳቶም ከኣ ሓንቲ ቲኬት ኪዕድጉልና ደልዮም እዮም ደዊሎምልና። እታ ካልአይቲ ድማ፡ ካብ ሓንቲ “ንዜድልዮ ሰብ” ኣብ ዚብል ሳጹን ገንዘብ ዘዋህለለት ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ እያ ነይራ። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ የሆዋ ረዲኡና።—እብ. 13:6።
ብዛዕባ እቲ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘሕለፍኩምዎ ልዕሊ 50 ዓመት ምልስ ኢልኩም ክትሓስቡ ኸለኹም፡ ካብኡ እንታይ ተማሂርኩም፧
ኣብ ምያንማር፡ ኣብቲ ሓድሽ ምድብና
ኣን-ካትሪን፦ ብርታዐና ‘ኣብ ምህዳእናን ኣብ ምውካልናን’ ምዃኑ እየ ተማሂረ። ኣብ የሆዋ እንተ ተወኪልና፡ እቲ ውግእ ናቱ እዩ ዚኸውን። (ኢሳ. 30:15፣ 2 ዜና 20:15, 17) ኣብ ኵሉ እቲ ምድባትና ንየሆዋ ብእተኻእለና መጠን ስለ ዘገልገልናዮ፡ ብኻልእ መገዲ ኽንረኽቦ ዘይንኽእል በረኸት ኢና ረኺብና።
ማትስ፦ ኣነ እተምሃርክዎ ቐንዲ ትምህርቲ፡ ኣብ ኵሉ ዅነታት ኣብ የሆዋ ኽውከልን ንሱ ምእንታይ እንታይ ከም ዚገብር ክርእን ከም ዘሎኒ እዩ። (መዝ. 37:5) ንሱ ቓሉ ዓጺፉ ኣይፈልጥን እዩ። ኣብዚ ሕጂ እነገልግለሉ ዘለና ምያንማር ዚርከብ ቤት-ኤል እውን ንሓቅነት እዚ ነገር እዚ ንርኢ ኣለና።
ኣገልግሎቶም ኬስፍሑ ዚደልዩ ብዙሓት መንእሰያት፡ ልክዕ ከምቲ ንሕና ኣብ ህይወትና ዝረኣናዮ፡ ንሳቶም እውን ነቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ኺጥዕምዎ እዩ ትምኒትና። ኣብ እተተኽልዎ ዘበለ ንምዕባይ ነቲ የሆዋ ዚህቦም ሓገዝ እንተ ተቐቢሎም፡ ነዚ በረኸት እዚ ኣብ ህይወቶም ከም ዚርእይዎ ንተኣማመን ኢና።