ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 ጥቅምቲ ገጽ 24-29
  • ምእንቲ ኻልኦት ምጽላይ ኣይትረስዕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምእንቲ ኻልኦት ምጽላይ ኣይትረስዕ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምእንቲ ኻልኦት እንጽሊ ስለምንታይ ኢና፧
  • ጸሎትና ይጠቕሞም እዩ
  • ምእንቲ ውልቀ ሰባት እነቕርቦ ጸሎት
  • ብዛዕባ ጸሎትና ኺህልወና ዚግባእ ሚዛናዊ ኣረኣእያ
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ፍሉይ መሰል ጸሎት
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ጸሎትካ ብኸመይ ተመሓይሽ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 ጥቅምቲ ገጽ 24-29

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 43

መዝሙር 41 ጸሎተይ ስማዕ

ምእንቲ ኻልኦት ምጽላይ ኣይትረስዕ

“ምእንቲ ሓድሕድኩም . . . ጸልዩ። ምህለላ ጻድቕ ሓያልን መስለጢትን እያ።”—ያእ. 5:16።

ኣትኵሮ

ምእንቲ ኻልኦት ምጽላይ ስለምንታይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ፡ ከምኡ እውን ብኸመይ ምእንቲ ኻልኦት ክንጽሊ ኸም እንኽእል ዚሕግዝ ነጥብታት።

1. ጸሎትና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ብኸመይ ንፈልጥ፧

ጸሎት ዜደንቕ መሰናድዎ እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ የሆዋ፡ ገሊኡ ዕዮታት ንመላእኽቲ ሂብዎም እዩ። (መዝ. 91:11) ንወዱ እውን ከቢድ ሓላፍነታት ሂብዎ እዩ። (ማቴ. 28:18) ጸሎት ናይ ምስማዕ ሓላፍነትከ ንኻልኦት ሂቡዶ፧ ኣይፋልን፣ ነዚ ሓላፍነት እዚ ንሱ በይኑ ጥራይ እዩ ተሰኪምዎ ዘሎ። የሆዋ “ሰማዕ ጸሎት” ስለ ዝዀነ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍና ጸሎት ባዕሉ እዩ ዚሰምዖ።—መዝ. 65:2።

2. ምእንቲ ኻልኦት ብምጽላይ ዝመጸ ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉ፧

2 ብዛዕባ ዜተሓሳስበና ነገራት ከይተሰከፍና ንየሆዋ ኽንገልጸሉ እንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ምእንቲ ኻልኦት እውን ክንጽሊ ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምኡ እዩ ገይሩ። ንኣብነት፡ ነቶም ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ኣብ ጸሎተይ . . . እጠቕሰኩም እየ” ኢሉ ጽሒፉሎም እዩ። (ኤፌ. 1:16) ብዘይካዚ፡ ምእንቲ ውልቀ ሰባት ይጽሊ ነይሩ እዩ። ንኣብነት ንጢሞቴዎስ፡ “ለይትን መዓልትን ከየቋረጽኩ ኣብ ምህለላይ ንዓኻ ብምዝካረይ . . . [ንኣምላኽ] አመስግኖ ኣለኹ” ኢሉ ጽሒፉሉ እዩ። (2 ጢሞ. 1:3) ጳውሎስ ኣብ ጸሎቱ ኺጠቕሶ ዚግባእ ብዙሕ ዜጨንቕ ነገራት ነይርዎ እዩ። (2 ቈረ. 11:23፣ 12:7, 8) ኰይኑ ግና፡ ግዜ ወሲዱ ምእንቲ ኻልኦት ይጽሊ ነይሩ እዩ።

3. ምእንቲ ኻልኦት ምጽላይ ክንርስዕ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

3 ምእንቲ ኻልኦት ምጽላይ ክንርስዕ ንኽእል ኢና። ስለምንታይ፧ ሳብሪናa ዝስማ ክርስትያን ሓብቲ ሓደ ምኽንያት ጠቒሳ ኣላ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብዚ ስርዓት እዚ፡ ህይወት ሃታሃታ ዝመልኦ እዩ። ኣብ ጸገማትና እምብዛ ኻብ ምትኳርና እተላዕለ፡ ብዛዕባ እቲ ንዓና ዜድልየና ነገራት ጥራይ ክንጽሊ ንኽእል ኢና።” እሞ ደኣ ንስኻ ኸምዚ ዓይነት ዝንባለዶ ኣሎካ፧ እንተ ኣልዩካ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽትሕግዘካ ትኽእል እያ። (1) ምእንቲ ኻልኦት ምጽላይ ስለምንታይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ኽትገልጸልካ እያ። (2) ብኸመይ ከምኡ ክትገብር ከም እትኽእል ሓሳባት ክትህበካ እያ።

ምእንቲ ኻልኦት እንጽሊ ስለምንታይ ኢና፧

4-5. ምእንቲ ኻልኦት እንጽልዮ ጸሎት ‘ሓያልን መስለጥን’ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ያእቆብ 5:16)

4 ምእንቲ ኻልኦት ዚቐርብ ጸሎት ‘ሓያልን መስለጥን’ እዩ። (ያእቆብ 5:16 ኣንብብ።) እሞ ደኣ ኸምዚ ዓይነት ጸሎት፡ ብሓቅዶ ኣብ ሰባት ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ፧ እወ፡ ይኽእል እዩ። የሱስ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ድሕሪ እተወሰነ እዋን ከም ዚኽሕዶ ስለ ዝፈለጠ፡ “እምነትካ ኸይትጠፍእ፡ ምእንታኻ ተማህሊለ” ኢልዎ እዩ። (ሉቃ. 22:32) ጳውሎስ እውን፡ ጸሎት ጽልዋ ኼሕድር ከም ዚኽእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብዘይፍትሓዊ መገዲ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናብ ፊልሞን ኣብ ዝለኣኻ ደብዳበ፡ “ብጸሎትኩም ኣነ ኽውሃበኩም ተስፋ እገብር ኣለኹ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ፊሞ. 22) ከምቲ እተመነዮ ድማ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ኻብ ማእሰርቱ ተፈቲሑስ ስብከቱ ኪቕጽል ከኣለ።

5 ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ብጸሎትና ኣቢልና ንየሆዋ ጸቕጢ ንገብረሉ ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ነቲ ንኣገልገልቱ ዜተሓሳስቦም ነገር የስተብህለሉ፡ ሓድሓደ ግዜ እውን ከምቲ ልማኖኦም ይገብር ማለት እዩ። እዚ ነገር እዚ ምፍላጥና፡ ብዛዕባ ሓደ ዅነታት ብጽኑዕ ናብ የሆዋ ኽንጽሊ፡ ድሕሪኡ ነቲ ነገር እቲ ብምትእምማን ኣብ ኢዱ ኽንሓድጎ ይሕግዘና እዩ።—መዝ. 37:5፣ 2 ቈረ. 1:11።

6. ምእንቲ ኻልኦት እንጽልዮ ጸሎት ኣብቲ ብዛዕባኦም ዘሎና ስምዒት እንታይ ጽልዋ ኣለዎ፧ (1 ጴጥሮስ 3:8)

6 ምእንቲ ኻልኦት እንጽልዮ ጸሎት “ርሕሩሓት” ክንከውን ይሕግዘና። (1 ጴጥሮስ 3:8 ኣንብብ።) ርሕሩሕ ሰብ ናይ ካልእ ስቓይ ይርድኦ ንምሕጋዙ እውን ዚከኣሎ ይገብር እዩ። (ማር. 1:40, 41) ምስዚ ብእተተሓሓዘ፡ ማይክል ዝስሙ ሽማግለ ኸምዚ ይብል፦ “ምእንቲ ኻልኦት ክጽሊ ኸለኹ፡ ንቓልስታቶም ብዝያዳ እርድኣሎም፡ ንዓታቶም ዘሎኒ ፍቕሪ እውን ይዓምቝ። ዋላ እውን ንሳቶም ነዚ እንተ ዘይፈለጥዎ፡ ኣነ ግና ብዝያዳ እቐርቦም።” ሪቻርድ ዝስሙ ሽማግለ እውን ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ካልእ ጥቕሚ ገሊጹ ኣሎ፦ “ምእንቲ ኻልእ ንጽሊ እንተ ዄንና፡ ንምሕጋዙ ገለ ኽንገብር ንለዓዓል ኢና። ነቲ እንጽልየሉ ዘለና ሰብ ግብራዊ ሓገዝ ክንገብረሉ ኸለና ኸኣ፡ ኣብ ምላሽ ጸሎትና ኣበርክቶ ንገብር ኣለና ኺብሃል ይከኣል እዩ።”

7. ምእንቲ ኻልኦት እንጽልዮ ጸሎት ብዛዕባ ጸገማትና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (ፊልጲ 2:3, 4) (ስእልታት እውን ርአ።)

7 ምእንቲ ኻልኦት እንጽልዮ ጸሎት ብዛዕባ ጸገማትና ግቡእ ኣረኣእያ ኽንሕዝ የኽእለና። (ፊልጲ 2:3, 4 ኣንብብ።) ኣብዛ ድያብሎስ ዚቈጻጸራ ዓለም ስለ እንነብር፡ ንነፍሲ ወከፍና ጸገማት የጋጥመና እዩ። (1 ዮሃ. 5:19፣ ራእ. 12:12) ምእንቲ ኻልኦት ናይ ምጽላይ ልማድ እንተ ኣልዩና ግና፡ “እዚ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ዅሎም ኣሕዋት ከም ዚበጽሖም” ንዝክር ኢና። (1 ጴጥ. 5:9) ካተሪን ዝስማ ፈላሚት፡ “ምእንቲ ኻልኦት ምጽላይ፡ ንኻልኦት እውን ጸገማት የጋጥሞም ከም ዘሎ ኽዝክር የኽእለኒ። እዚ ኸኣ ኣብ ጸገማተይ እምብዛ ኸየተኵር ይሕግዘኒ” ትብል።

ስእልታት፦ ነናይ ርእሶም ጸገማት እናሃለዎም ምእንቲ ኻልኦት ዚጽልዩ ኣሕዋትን ኣሓትን። 1. ሓንቲ ጓል ኣብ ዓራታ ኾፍ ኢላ ትጽሊ፣ ኣብታ ላቔባ ዝዀነት ስእሊ፡ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ካብቲ ዘዕለቕለቐ መንበሪኦም ብጃልባ ይሃድሙ። 2. እቶም ኣብ ዝቐደመት ስእሊ ዘለዉ ስድራ ቤት፡ ብሓባር ይጽልዩ፣ ኣብታ ላቔባ ዝዀነት ስእሊ፡ ሓደ ሓው ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኑ ኣሎ። 3. እቲ ኣብ ዝቐደመት ስእሊ ዚርከብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እተዳጐነ ሓው ኣብ ሸላኡ ዀይኑ ይጽሊ፣ ኣብታ ላቔባ ዝዀነት ስእሊ፡ ኣብ ዓራት ሆስፒታል ዝደቀሰት ኣረጋዊት ሓብቲ ኣላ። 4. እታ ኣብ ዝቐደመት ስእሊ ዘላ ሓብቲ ትጽሊ፣ ኣብታ ላቔባ ዝዀነት ስእሊ፡ እታ ኣብታ ቐዳመይቲ ስእሊ ዘላ ጓል ኣብ ቤት ትምህርታ በይና ኾፍ ኢላ ኣላ፡ መማህርታ ድማ ናይ ሓዲኦም ልደት የብዕሉ ኣለዉ።

ምእንቲ ኻልኦት እንጽልዮ ጸሎት፡ ብዛዕባ ጸገማትና ግቡእ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ይሕግዘና (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)d


ጸሎትና ይጠቕሞም እዩ

8. ብዛዕባ መን ክንጽሊ ኸም እንኽእል ግለጽ።

8 ብዛዕባ መን ኢና ኽንጽሊ እንኽእል፧ ብዛዕባ ጕጅለታት ሰባት ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ምእንቲ እቶም ጸገማት ጥዕና ዘለዎም ሰባት፡ ምእንቲ እቶም ኣደዳ ላግጽን ጸቕጢ መዛኑን ዚዀኑ መንእሰያት፡ ወይ ምእንቲ እቶም ብሳዕቤናት እርጋን ዚሳቐዩ ዘበሉ ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። ብዙሓት ክርስትያናት ብጾትና ድማ ካብ ኣባላት ቤተ ሰቦም ወይ ካብ መንግስቲ ተቓውሞ የጋጥሞም እዩ። (ማቴ. 10:18, 36፣ ግብ. 12:5) ገሊኦም ኣሕዋት ብሰንኪ ፖለቲካዊ ናዕቢ ኻብ መንበሪኦም ኪስደዱ ተገዲዶም እዮም። ገሊኦም ከኣ ግዳያት ባህርያዊ ሓደጋታት ኰይኖም እዮም። ምናልባት ነዞም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣይንፈልጦምን ንኸውን። ምእንታኦም ክንጽሊ ኸለና ግና፡ ነቲ የሱስ “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ” ኢሉ ዝሃበና ትእዛዝ ከም እንስዕብ ኢና እነርኢ።—ዮሃ. 13:34።

9. ምእንቲ እቶም ኣብ ውድብ የሆዋ ዚመርሑን ምእንቲ ኣንስቶምን ክንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

9 ምእንቲ እቶም ኣብ ውድብ የሆዋ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ዘለዎም እውን ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ንኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ንሓገዝቶም፡ ንኣባላት ኮሚተ ጨንፈር፡ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ንዜገልግሉ ሓለውቲ፡ ንሓለውቲ ወረዳ፡ ንሽማግለታት ጉባኤ፡ ንኣገልገልቲ ጉባኤ ኽንጽልየሎም ንኽእል ኢና። መብዛሕትኦም ካብዞም ኣሕዋት እዚኦም፡ ናይ ርእሶም ጭንቀት እናሃለዎም እዮም ብትግሃት ዜገልግሉ። (2 ቈረ. 12:15) ንኣብነት፡ ማርክ ዝስሙ ሓላው ወረዳ ኸምዚ ይብል፦ “ሓደ ኻብቲ ኣመና ዚኸብደኒ ጸገም፡ ካብቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለደይ ርሒቐ ዝነብር ምዃነይ እዩ። ክልቲኦም ጽቡቕ ጥዕና የብሎምን። ሓብተይን ሰብኣያን ይከናኸንዎም እኳ እንተ ኣለዉ፡ ኣነ ባዕለይ ብዙሕ ክገብረሎም ዘይክእል ምዃነይ ግና የሳቕየኒ እዩ።” እቲ እዞም ትጉሃት ኣሕዋትና ዜሕልፍዎ ጭንቀት ንፍለጦ ኣይንፍለጦ ብዘየገድስ፡ ኣብ ጸሎትና ኽንዝክሮም ኣሎና። (1 ተሰ. 5:12, 13) ብዘይካዚ፡ እቲ ኣንስቶም ብተኣማንነት ዚገብራሎም ደገፍ ኣብ ኣገልግሎቶም ኪቕጽሉ ስለ ዜኽእሎም፡ ምእንታአን እውን ክንጽሊ ኣሎና።

10-11. ምእንቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዚቐርብ ሓፈሻዊ ጸሎት ንየሆዋ ባህ የብሎ ድዩ፧ ግለጽ።

10 ከምዚ ኽንርእዮ ዝጸናሕና፡ ምእንቲ ጕጅለታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዙሕ ሳዕ ንጽሊ ኢና። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ሓደ ውልቀ ሰብ ከይሓሰብና ምእንቲ እሱራት ወይ ምእንቲ እቶም ሰቦም ዝሞቶም ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። ዶናልድ ዝስሙ ሽማግለ፡ “ኣዝዮም ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ጸገማት የሕልፉ ብምህላዎም፡ ንዅሎም እቶም መከራ ዜሕልፉ ዘለዉ ኸነጠቓልል ኢልና ሓፈሻዊ ጸሎት ነቕርብ ኢና” ይብል።

11 እሞ ደኣ ኸምዚ ዓይነት ጸሎትሲ ንየሆዋ ባህ የብሎ ድዩ፧ እወ! ከመይሲ፡ ንዅሎም ክርስትያናት ብጾትና ብልክዕ እንታይ ከም ዜድልዮም ኣይንፈልጥን ኢና። ስለዚ፡ ብዛዕባ ጕጅለታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓፈሻዊ ልማኖ ምቕራብ ግቡእ እዩ። (ዮሃ. 17:20፣ ኤፌ. 6:18) እዚ ጸሎት እዚ፡ ‘ንዅሎም ኣሕዋት ከም እነፍቅር’ የርኢ።—1 ጴጥ. 2:17።

ምእንቲ ውልቀ ሰባት እነቕርቦ ጸሎት

12. ኣስተብሃሊ ምዃን ብዛዕባ ውልቀ ሰባት ብንጹር ጠቒስና ኽንጽሊ ዜኽእለና ብኸመይ እዩ፧

12 ኣስተብሃሊ ኹን። ኣብ ርእሲ እቲ ምእንቲ ጕጅለታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን እነቕርቦ ጸሎት፡ ምእንቲ ውልቀ ሰባት እውን ስም ረቚሕና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። ኣብ ጉባኤኹም ምስ ዘይምሕር ሕማም ዚቃለስ ክርስትያንዶ ኣሎ፧ ብሰንኪ እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዜጋጥሞ ጸቕጢ እተደቝሰ መንእሰይዶ ኣሎ፧ በይና ንውሉዳ “ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ” ኸተዕቢ እትቃለስ ኣደዶ ኣላ፧ (ኤፌ. 6:4) ኣስተብሃሊ እንተ ዄንካ፡ ንኻልኦት ብዝያዳ ኽትድንግጸሎም ኢኻ፣ እዚ ኸኣ ምእንታኦም ንምጽላይ ብርቱዕ ድሌት ኬሕድረልካ እዩ።b—ሮሜ 12:15።

13. ምእንቲ እቶም ብውልቂ ዘይንፈልጦም ክርስትያናት ብኸመይ ኢና ኽንጽሊ እንኽእል፧

13 ምእንቲ ኻልኦት፡ ስሞም ጠቒስካ ጸሊ። ዋላ እውን ምእንቲ እቶም ብኣካል ተራኺብና ዘይንፈልጥ ሰባት ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ምእንቲ እቶም ኣብ ሩስያ፡ ሲንጋፖር፡ ኤርትራ፡ ክሪመያ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ስሞም ረቚሕና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። ኣብ jw.org፡ ስማት እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ክርስትያናት ክንረኽቦ ንኽእል ኢና።c ብራያን ዝስሙ ሓላው ወረዳ፡ “ስም እተኣስረ ክርስትያን ብጻይ እንተ ጽሒፈን ዓው ኢለ እንተ ኣድህየዮን፡ ነቲ ሰብ ክዝክሮን ኣብ ብሕታዊ ጸሎተይ ክጠቕሶን ይሕግዘኒ እዩ” ይብል።

14-15. ከመይ ጌርና ኢና ንጹር ልማኖ ኸነቕርብ እንኽእል፧

14 ንጹር ልማኖ ኣቕርብ። ምስዚ ብእተተሓሓዘ፡ እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ማይክል ከምዚ ይብል፦ “ኣብ jw.org ብዛዕባ እተኣስሩ ኣሕዋትና ዚገልጽ ጸብጻብ ከንብብ ከለኹ፡ ኣብ ኵነታቶም እንተ ዝኸውን ከመይ ከም ዚስምዓኒ ብኣእምሮይ ክስእሎ እፍትን እየ። ስለዚ፡ ‘ብዛዕባ ሰበይተይ ምተጨነቕኩ፡ ዚሓልየላ ኸም ዘሎ እውን ክፈልጥ ምደለኹ’ ኢለ ሓሲበ። በዚ ኸምዚ፡ ብዛዕባ እቶም እተኣስሩ ምርዑዋት ኣሕዋት ዝጽልዮ ንጹር ነጥብታት ክረክብ ክኢለ።”—እብ. 13:3፡ እ.ጽ.።

15 ብዛዕባ መዓልታዊ ህይወት እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ኣሕዋትና እንተ ሓሲብና፡ ኣብ ጸሎትና ንጹር ልማኖ ኸነቕርብ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ እቶም ሓለውቲ እሱራት ንኣሕዋትና ምእንቲ ኺልውሁሎም፡ ከምኡ ድማ እቶም ስልጣን ዘለዎም ሰባት ንኣሕዋትና ብናጽነት ኬምልኹ ምእንቲ ኺፈቕዱሎም ክንጽሊ ንኽእል ኢና። (1 ጢሞ. 2:1, 2) ብዘይካዚ፡ ሓደ ሓው ምስ ተኣስረ፡ ጉባኤኡ ብተኣማንነቱ ምእንቲ ኽትተባባዕ፡ ወይ ከኣ ዘይኣመንቲ ሰባት ንሰናይ ኣካይዳኡ ርእዮም ንመልእኽትና ምእንቲ ኺሰምዑ ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። (1 ጴጥ. 2:12) ምእንቲ እቶም ካልእ ፈተናታት ዚጻወሩ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንጽሊ ኸለና እውን፡ ተመሳሳሊ ነገር ክንገብር ንኽእል ኢና። እወ፡ ኣስተብሃልቲ ብምዃንን ስም ጠቒስና ብምጽላይን ንጹር ልማኖ ብምቕራብን፡ ‘ንሓድሕድና ዘላትና ፍቕሪ ኸም ዝበዝሐት’ ከነርኢ ንኽእል ኢና።—1 ተሰ. 3:12።

ብዛዕባ ጸሎትና ኺህልወና ዚግባእ ሚዛናዊ ኣረኣእያ

16. ብዛዕባ ጸሎት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ማቴዎስ 6:8)

16 ክሳዕ ሕጂ ኸም ዝረኣናዮ፡ ጸሎትና ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ኣሎና። ክንጽሊ ኸለና፡ ንየሆዋ፡ ንሱ ብዛዕባ ዘይፈልጦ ነገር ኣይኰንናን እንነግሮ ዘሎና፣ ንሓደ ዅነታት ብኸመይ ኪሕዞ ኸም ዚግባእ ምኽሪ ኽንህቦ እውን ግቡእ ኣይኰነን። የሆዋ ገና ገላዉኡ ኸይፈለጡ፡ ወይ ንሕና ብዛዕባኦም ገና ኸይፈለጥና ኸለና፡ እንታይ ከም ዜድልዮም ይፈልጥ እዩ። (ማቴዎስ 6:8 ኣንብብ።) እሞ ደኣ ስለምንታይ ኢና ምእንቲ ኻልኦት እንጽሊ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተወሰነ ምኽንያታት ተጠቒሱ ኣሎ፣ ብዘይካዚ ኸኣ፡ ሓላዪ ሰብ ከምኡ እዩ ዚገብር። ፍቕሪ እንተ ኣልዩና፡ ምእንቲ ሓድሕድና ንምጽላይ ንድረኽ ኢና። የሆዋ ድማ ፍቕሩ ኣብ ኣገልገልቱ ኺንጸባረቕ ኪርኢ ኸሎ ይሕጐስ እዩ።

17-18. ምእንቲ ክርስትያናት ብጾትና እነቕርቦ ጸሎት ብምንታይ ምሳሌ ኺግለጽ ይከኣል፧

17 ጸሎትና ኣብ ገሊኡ ዅነታት ጽልዋ ዘይብሉ እኳ እንተ መሰለ፡ ነቲ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዘሎና ፍቕሪ ግና የንጸባርቕ እዩ፣ የሆዋ ኸኣ ነዚ የስተብህለሉ እዩ። ነዚ በዚ ዚስዕብ ምሳሌ ኸነብርሆ ንኽእል ኢና፦ ኣብ ሓንቲ ስድራ ቤት ክልተ ቘልዑ ኣለዉ ንበል—ወድን ጓልን። እቲ ወዲ ሓሚሙ ኣሎ። እታ ጓል ከኣ ንኣቦኣ፡ “ባባ፡ በጃኻ ንሓወይ ሓግዞ። ብርቱዕ ሕማም ሓሚሙ ኣሎ!” ትብሎ። እቲ ኣቦ ገና ኸይተሓትተ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ኪንቀሳቐስ ጀሚሩ እዩ፣ ስለምንታይሲ፡ ንወዱ ይፈትዎን ይከናኸኖን እዩ። እንተዀነ ግና፡ ጓሉ ኻብቲ ንሓዋ ዘለዋ ሓልዮት ተላዒላ ንዕኡ ስለ ዝለመነቶ፡ በዚ ኣጸቢቑ ይሕጐስ እዩ።

18 የሆዋ ኸምኡ ኽንገብር እዩ ዜተባብዓና፣ ንሓድሕድና ኽንተሓላለን ምእንቲ ሓድሕድና ኽንጽልን እዩ ዚደልየና። ከምኡ ምስ እንገብር ከኣ፡ ጸሎትና ምእንቲ ኻልኦት ብሓቂ ኸም እንግደስ የርኢ፡ የሆዋ እውን ነዚ የስተብህለሉ እዩ። (2 ተሰ. 1:3፣ እብ. 6:10) ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ጸሎትና ንገሊኡ ዅነታት ከም ዚቕየር ኪገብር ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ ምእንቲ ሓድሕድና ምጽላይ ኣይንረስዕ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ጸሎትና ‘ሓያልን መስለጥን’ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

  • ምእንቲ ጕጅለታት ኣሕዋትን ኣሓትን ክንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  • ነቲ ምእንቲ ውልቀ ሰባት እነቕርቦ ጸሎት ብዝያዳ ንጹር ክንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

መዝሙር 101 ብሓድነት ንዕየ

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

b ኣብ jw.org ታከሺ ሺሚዙ፦ የሆዋ “ሰማዕ ጸሎት” እዩ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

c ስማት እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ክርስትያናት ብጾትና ንምርካብ፡ ኣብ jw.org፡ “Jehovah’s Witnesses Imprisoned for Their Faith—By Location” ኢልካ ድለ።

d መግለጺ ስእሊ፦ ናይ ርእሶም ጸገማት ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ምእንቲ ኻልኦት ይጽልዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ