‘ንሓድነት መንፈስ ሓልውዎ’
ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ንዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተዓጋገስኩም፡ . . . ንሓድነት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ክትሕልውዎ ተጋደሉ” ኢሉ ተማሕጺንዎም እዩ።—ኤፌ. 4:2, 3።
እቲ ኣባና ዘሎ “ሓድነት፡” “ሓድነት መንፈስ” እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ ፍረ እቲ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ፡ እዚ ሓድነትና እዚ ኺሕሎ ኣለዎ። መን እዩ ነዚ ኺሕልዎ ዚግባእ፧ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ‘ንሓድነት መንፈስ ንምሕላው’ እጃሙ ኼበርክት ኣለዎ።
ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፡ ሓደ ሰብ ሓዳስ ማኪና ሂቡካ ንበል። እሞ ደኣ ነታ ማኪና እቲኣ መን እዩ ኺከናኸና ዘለዎ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ፍሉጥ እዩ። እታ ማኪና ብሰንኪ ጕድለት ክንክን እንተ ተባላሽያ፡ እቲ ወሃቢ ኺውቀስ የብሉን።
ብተመሳሳሊ፡ ክርስትያናዊ ሓድነትና ኻብ ኣምላኽ እተዋህበና ውህበት እኳ እንተ ዀነ፡ ነፍሲ ወከፍና ግና ንዕኡ ንምሕላው ሓላፍነት ኣሎና። ምስ ሓደ ሓው ወይ ምስ ሓንቲ ሓብቲ ሰላማዊ ርክብ ዘይብልና እንተ ዄንና፡ ‘ነቲ ጸገም ብምፍታሕ ሓድነት ሰላም ምእንቲ ኺሕሎ፡ እጃመይ አበርክትዶ ኣለኹ፧’ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ኣሎና።
ሓድነት ንምሕላው ‘ንጋደል’
ከምቲ ጳውሎስ ዝገለጾ፡ ሓድሓደ ግዜ ሓድነት መንፈስ ንምሕላው ክንጽዕር ኣሎና። ምናዳ ብሓውና ወይ ብሓብትና እንተ ጕሂና፡ እዚ ኪኸብደና ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሓድነት ንምሕላው ወትሩ ናብቲ ሰብ ቀሪብና ብዛዕባ እቲ ጸገም ከነዛርቦ ኣሎና ማለት ድዩ፧ ግድን ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ‘ነዚ ፍልልይና እዚ ኸም ሓደ ጕዳይ ገይረ እንተ ሒዘዮ፡ ሓድነት ድዩ ዜስፍን ወይስ ባእሲ እዩ ዜለዓዕል፧’ ኢልና ገዛእ ርእስና ንሕተት። ሓድሓደ ግዜ፡ ነቲ ነገር ዕሽሽ ኢልና ወይ ይቕረ ኢልና ምሕላፉ ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ምሳ. 19:11፣ ማር. 11:25።
‘ነዚ ፍልልይና እዚ ኸም ሓደ ጕዳይ ገይረ እንተ ሒዘዮ፡ ሓድነት ድዩ ዜስፍን ወይስ ባእሲ እዩ ዜለዓዕል፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት
ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፎ፡ ‘ንሓድሕድና ብፍቕሪ ንተዓጋገስ።’ (ኤፌ. 4:2) እዚ ሓረግ እዚ፡ ‘ከም ዘለውዎ ንቀበሎም’ ብዚብል ቃላት ኪግለጽ ከም ዚከኣል ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ሓቢሩ ኣሎ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ክርስትያናት ብጾትና ልክዕ ከማና ጌጋታት ኪገብሩ ኸም ዚኽእሉ ንቕበሎ ማለት እዩ። ልክዕ እዩ፡ “ሓድሽ ስብእና” ኽንለብስ ንጽዕር ኣለና። (ኤፌ. 4:23, 24) ዋላ ሓዴና ግና ፍጹም ብዝዀነ ደረጃ ነዚ ኺገብሮ ኣይክእልን እዩ። (ሮሜ 3:23) ነዚ ሓቂ እዚ እንተ ተቐቢልናዮ፡ ንሓድሕድና ንምትዕግጋስን ንሓድሕድና ይቕረ ንምብህሃልን ይቐልለና እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ‘ንሓድነት መንፈስ ንሕልዎ።’
ብሕታዊ ቕሬታታትና እንተ ፈቲሕናዮ፡ ዋላ እውን ነዚ ብልብና ጥራይ ንግበሮ፡ “ማእሰር ሰላም” እዩ ዚህልወና። እታ ኣብ ኤፌሶን 4:3 “ማእሰር” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ኣብ ቈሎሴ 2:19 “ጅማት” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። ጅማት ሓደ ዓጽሚ ምስ ካልእ ዓጽሚ ዜተኣሳስር ድልዱል ኣካሊት እዩ። ሰላምን ንኣሕዋትና ዘሎና ፍቕርን እውን፡ ፍልልያትና ብዘየገድስ ምሳታቶም ተቐራሪብና ኽንነብር ይሕግዘና እዩ።
ስለዚ፡ ሓደ ክርስትያን ብጻይካ እንተ ኣጕህዩካ፡ እንተ ኣበሳጭዩካ፡ ወይ ቅጭ እንተ ኣምጺኡልካ፡ ነቲ ሰብ እቲ ብዓይኒ ነቐፌታ ዘይኰነስ፡ ብርሕራሐ ኽትርእዮ ጽዓር። (ቈሎ. 3:12) ኵላትና ሰባት ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ንስኻ እውን ኣብ ሓደ እዋን ንሰብ ኣጕሂኻ ኢኻ። ነዚ እንተ ዘኪርካ፡ ‘ንሓድነት መንፈስ ንምሕላው’ እጃምካ ኽትገብር ኪሕግዘካ እዩ።