ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 ሕዳር ገጽ 28-29
  • ‘ንሓድነት መንፈስ ሓልውዎ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ንሓድነት መንፈስ ሓልውዎ’
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓድነት ንምሕላው ‘ንጋደል’
  • “ሓደ የሆዋ” ንስድራ ቤቱ ይእክቦም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ክርስትያናዊ ሓድነት ንኣምላኽ የኽብር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ነቲ ዘሎ ሓድነት ዓቅብዎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ሓድነት ብኸመይ እዩ ዝርከብ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 ሕዳር ገጽ 28-29
ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ እንዳ ሓዲኦም ካብ ዝቐረበ ምግቢ ይበልዑ።

‘ንሓድነት መንፈስ ሓልውዎ’

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ንዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተዓጋገስኩም፡ . . . ንሓድነት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ክትሕልውዎ ተጋደሉ” ኢሉ ተማሕጺንዎም እዩ።—ኤፌ. 4:2, 3።

እቲ ኣባና ዘሎ “ሓድነት፡” “ሓድነት መንፈስ” እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ ፍረ እቲ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ፡ እዚ ሓድነትና እዚ ኺሕሎ ኣለዎ። መን እዩ ነዚ ኺሕልዎ ዚግባእ፧ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ‘ንሓድነት መንፈስ ንምሕላው’ እጃሙ ኼበርክት ኣለዎ።

ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፡ ሓደ ሰብ ሓዳስ ማኪና ሂቡካ ንበል። እሞ ደኣ ነታ ማኪና እቲኣ መን እዩ ኺከናኸና ዘለዎ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ፍሉጥ እዩ። እታ ማኪና ብሰንኪ ጕድለት ክንክን እንተ ተባላሽያ፡ እቲ ወሃቢ ኺውቀስ የብሉን።

ብተመሳሳሊ፡ ክርስትያናዊ ሓድነትና ኻብ ኣምላኽ እተዋህበና ውህበት እኳ እንተ ዀነ፡ ነፍሲ ወከፍና ግና ንዕኡ ንምሕላው ሓላፍነት ኣሎና። ምስ ሓደ ሓው ወይ ምስ ሓንቲ ሓብቲ ሰላማዊ ርክብ ዘይብልና እንተ ዄንና፡ ‘ነቲ ጸገም ብምፍታሕ ሓድነት ሰላም ምእንቲ ኺሕሎ፡ እጃመይ አበርክትዶ ኣለኹ፧’ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ኣሎና።

ሓድነት ንምሕላው ‘ንጋደል’

ከምቲ ጳውሎስ ዝገለጾ፡ ሓድሓደ ግዜ ሓድነት መንፈስ ንምሕላው ክንጽዕር ኣሎና። ምናዳ ብሓውና ወይ ብሓብትና እንተ ጕሂና፡ እዚ ኪኸብደና ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሓድነት ንምሕላው ወትሩ ናብቲ ሰብ ቀሪብና ብዛዕባ እቲ ጸገም ከነዛርቦ ኣሎና ማለት ድዩ፧ ግድን ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ‘ነዚ ፍልልይና እዚ ኸም ሓደ ጕዳይ ገይረ እንተ ሒዘዮ፡ ሓድነት ድዩ ዜስፍን ወይስ ባእሲ እዩ ዜለዓዕል፧’ ኢልና ገዛእ ርእስና ንሕተት። ሓድሓደ ግዜ፡ ነቲ ነገር ዕሽሽ ኢልና ወይ ይቕረ ኢልና ምሕላፉ ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ምሳ. 19:11፣ ማር. 11:25።

ስእልታት፦ ሓደ ሓው ቅሬታኡ ይሓድጎ። 1. ሓደ ሓው ንዕኡ ይቋየቖ። 2. እቲ ሓው ብዛዕባ ዝገበሮ ነገር ይሓስብ። 3. መጽሓፍ ቅዱስ የንብብ፡ ብዛዕባ እቲ ዘንበቦ እውን የስተንትን።

‘ነዚ ፍልልይና እዚ ኸም ሓደ ጕዳይ ገይረ እንተ ሒዘዮ፡ ሓድነት ድዩ ዜስፍን ወይስ ባእሲ እዩ ዜለዓዕል፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት

ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፎ፡ ‘ንሓድሕድና ብፍቕሪ ንተዓጋገስ።’ (ኤፌ. 4:2) እዚ ሓረግ እዚ፡ ‘ከም ዘለውዎ ንቀበሎም’ ብዚብል ቃላት ኪግለጽ ከም ዚከኣል ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ሓቢሩ ኣሎ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ክርስትያናት ብጾትና ልክዕ ከማና ጌጋታት ኪገብሩ ኸም ዚኽእሉ ንቕበሎ ማለት እዩ። ልክዕ እዩ፡ “ሓድሽ ስብእና” ኽንለብስ ንጽዕር ኣለና። (ኤፌ. 4:23, 24) ዋላ ሓዴና ግና ፍጹም ብዝዀነ ደረጃ ነዚ ኺገብሮ ኣይክእልን እዩ። (ሮሜ 3:23) ነዚ ሓቂ እዚ እንተ ተቐቢልናዮ፡ ንሓድሕድና ንምትዕግጋስን ንሓድሕድና ይቕረ ንምብህሃልን ይቐልለና እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ‘ንሓድነት መንፈስ ንሕልዎ።’

ብሕታዊ ቕሬታታትና እንተ ፈቲሕናዮ፡ ዋላ እውን ነዚ ብልብና ጥራይ ንግበሮ፡ “ማእሰር ሰላም” እዩ ዚህልወና። እታ ኣብ ኤፌሶን 4:3 “ማእሰር” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ኣብ ቈሎሴ 2:19 “ጅማት” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። ጅማት ሓደ ዓጽሚ ምስ ካልእ ዓጽሚ ዜተኣሳስር ድልዱል ኣካሊት እዩ። ሰላምን ንኣሕዋትና ዘሎና ፍቕርን እውን፡ ፍልልያትና ብዘየገድስ ምሳታቶም ተቐራሪብና ኽንነብር ይሕግዘና እዩ።

ስለዚ፡ ሓደ ክርስትያን ብጻይካ እንተ ኣጕህዩካ፡ እንተ ኣበሳጭዩካ፡ ወይ ቅጭ እንተ ኣምጺኡልካ፡ ነቲ ሰብ እቲ ብዓይኒ ነቐፌታ ዘይኰነስ፡ ብርሕራሐ ኽትርእዮ ጽዓር። (ቈሎ. 3:12) ኵላትና ሰባት ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ንስኻ እውን ኣብ ሓደ እዋን ንሰብ ኣጕሂኻ ኢኻ። ነዚ እንተ ዘኪርካ፡ ‘ንሓድነት መንፈስ ንምሕላው’ እጃምካ ኽትገብር ኪሕግዘካ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ