ሓረግ መጽሓፍ ቅዱስ
‘ንመንፈሳዊ ውህበትካ’ ተጠቐመሉ
ኵላትና ነቲ ምስ ክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንሓድሕድና እንተባብዓሉ ኣጋጣሚታት ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ። እቲ ምትብባዕ እቲ ግና፡ ብሓባር ግዜ ኻብ ምሕላፍ ንላዕሊ እዩ ዜጠቓልል። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ እምነት ሓድሕድና ንምትብባዕ ዘሎና ኽእለት፡ “መንፈሳዊ ውህበት” ኢሉ ይጽውዖ። (ሮሜ 1:11, 12) እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ነዚ ውህበት እዚ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉ እንኽእል፧
እተመርጸ ቓላት ከም ውህበት ጌርካ ሃብ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣኼባታትና ኣብ ገዛእ ርእስና ዘተኰረ ዘይኰነስ፡ ኣብ የሆዋን ኣብ ቃሉን ኣብ ህዝቡን ዘተኰረ ሓሳብ ክንህብ ንኽእል ኢና። ምስ ክርስትያናት ብጾትና ኣብ እንገብሮ ዝርርብ ከኣ፡ ብዛዕባ ሃናጺ ርእሰ ነገራት ክንመያየጥ ንኽእል ኢና።
ብውሳነታትካን ብተግባራትካን ኣቢልካ ኣተባብዕ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ብሕታዊ ጸገማት እናሃለዎም ክነሱ፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪቕጽሉ ወሲኖም እዮም። ገሊኦም ከኣ ኣጸጋሚ ሰዓታት ስራሕ ወይ ከቢድ ጸገማት ጥዕና እናሃለዎም ክነሱ፡ ኣብ ኣኼባ መንጎ ሰሙን ብስሩዕ ይእከቡ እዮም።
እሞ ደኣ መግለጺ እምነትካ ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን የተባብዖምዶ ኣሎ፧ ነቲ ኻባታቶም ዚውሃበካ መንፈሳዊ ውህበትከ ተስተብህለሉዶ ኣለኻ፧