ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 ሕዳር ገጽ 32
  • ‘ንመንፈሳዊ ውህበትካ’ ተጠቐመሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ንመንፈሳዊ ውህበትካ’ ተጠቐመሉ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “መዓልቲ መዓልቲ ንሓድሕድኩም ተተባብዑ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ብሉጽ ውህበት ምንዳይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ—ኣዝዩ ኽቡር ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ቀልቢ ዝሰልብ ተውህቦ ንሰብ ዝውድስዶ ወይስ ንኣምላኽ ዘኽብር፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 ሕዳር ገጽ 32

ሓረግ መጽሓፍ ቅዱስ

‘ንመንፈሳዊ ውህበትካ’ ተጠቐመሉ

ኵላትና ነቲ ምስ ክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንሓድሕድና እንተባብዓሉ ኣጋጣሚታት ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ። እቲ ምትብባዕ እቲ ግና፡ ብሓባር ግዜ ኻብ ምሕላፍ ንላዕሊ እዩ ዜጠቓልል። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ እምነት ሓድሕድና ንምትብባዕ ዘሎና ኽእለት፡ “መንፈሳዊ ውህበት” ኢሉ ይጽውዖ። (ሮሜ 1:11, 12) እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ነዚ ውህበት እዚ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉ እንኽእል፧

እተመርጸ ቓላት ከም ውህበት ጌርካ ሃብ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣኼባታትና ኣብ ገዛእ ርእስና ዘተኰረ ዘይኰነስ፡ ኣብ የሆዋን ኣብ ቃሉን ኣብ ህዝቡን ዘተኰረ ሓሳብ ክንህብ ንኽእል ኢና። ምስ ክርስትያናት ብጾትና ኣብ እንገብሮ ዝርርብ ከኣ፡ ብዛዕባ ሃናጺ ርእሰ ነገራት ክንመያየጥ ንኽእል ኢና።

ብውሳነታትካን ብተግባራትካን ኣቢልካ ኣተባብዕ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ብሕታዊ ጸገማት እናሃለዎም ክነሱ፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪቕጽሉ ወሲኖም እዮም። ገሊኦም ከኣ ኣጸጋሚ ሰዓታት ስራሕ ወይ ከቢድ ጸገማት ጥዕና እናሃለዎም ክነሱ፡ ኣብ ኣኼባ መንጎ ሰሙን ብስሩዕ ይእከቡ እዮም።

እሞ ደኣ መግለጺ እምነትካ ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን የተባብዖምዶ ኣሎ፧ ነቲ ኻባታቶም ዚውሃበካ መንፈሳዊ ውህበትከ ተስተብህለሉዶ ኣለኻ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ