ኣቱም ኣረጋውያን፡ ንጉባኤ በረኸት ኢኹም
“ናብ ድሕሪት ምልስ ኢለ ኽሓስብ ከለኹ፡ እቲ ኽገብሮ ዝኽእል ዝነበርኩ ነገራት የደንቐኒ እዩ። ሕጂ ግና እርጋን ደሪቱኒ ኣሎ።”—ኮኒ፡ 83 ዓመት ዝዕድሚኣ።
ንስኻ እውን ብሰንኪ እርጋን ዓቕምኻ ተደሪቱ ይኸውን። ንሓያሎ ዓመታት ንየሆዋ ብተኣማንነት ዘገልገልካ እኳ እንተ ዀንካ፡ ሕጂ ዓቕምኻ ድሩት ብምዃኑ ሕማቕ ይስምዓካ ይኸውን። ንኣብነት፡ ነቲ ሕጂ እትገብሮ ዘለኻ ምስቲ ቐደም እትገብሮ ዝነበርካ ተወዳድሮ ትኸውን። እሞ ደኣ ምስ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ንምቅላስ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
የሆዋ ኻባኻ እንታይ እዩ ዚጽበ፧
‘የሆዋ ኻባይ እንታይ እዩ ዚጽበ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ኣብ ዘዳግም 6:5 ዚርከብ ቓላት ኬጸናንዓካ ይኽእል እዩ። እታ ጥቕሲ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ” ትብል።
እዛ ጥቕሲ እዚኣ ንየሆዋ ብዅሉ ልብኻን ነፍስኻን ሓይልኻን ከተገልግሎ ስለ እተተባብዕ፡ የሆዋ ብዓቕምኻ ዚከኣለካ ኽትገብር እዩ ዚጽበየካ። ስለዚ፡ ገዛእ ርእስኻ ምስ ካልኦት ኣይተወዳድር፣ ወይ ከኣ እቲ ሕጂ ኽትገብሮ እትኽእል ነገር ምስቲ ኣብ ሕሉፍ ክትገብሮ እትኽእል ዝነበርካ ነገር ኣይተወዳድር።
ሕስብ እሞ ኣብል፦ ብግዜ ንእስነትካ ንየሆዋ እንታይ ኢኻ እትህቦ ኔርካ፧ መብዛሕትኦም ህዝቢ የሆዋ ንኣምላኾም ዘለዎም ኵሉ ንምሃብ፡ ዚከኣሎም ዘበለ ዅሉ ይገብሩ ኸም ዝነበሩ እዮም ዚገልጹ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ዅነታት እቲ ብሉጽካ ንሱ እዩ ነይሩ። ሕጂኸ ንየሆዋ እንታይ ኢኻ ኽትህቦ እትኽእል፧ ብመሰረት እቲ ሕጂ ዘሎካ ዅነታት፡ ኣብዚ እዋን እዚ ዚከኣለካ ትገብር ትህሉ ትኸውን። ነዚ ነገር እዚ ኻብዚ ኣንፈት እንተ ጠሚትካዮ፡ ንየሆዋ ማዕረ እቲ ቐደም እትገብረሉ ዝነበርካ ትገብር ከም ዘለኻ ኽትግንዘብ ትኽእል ኢኻ። ቀደም ንዕኡ ንምግልጋል ዚከኣለካ ትገብር ኔርካ፣ ሕጂ እውን ዚከኣለካ ትገብር ኣለኻ።
ብግዜ ንእስነትካ ንየሆዋ ንምግልጋል ዚከኣለካ ዘበለ ትገብር ኔርካ፣ ብዕድመ ምስ ደፋእካ እውን ዚከኣለካ ዘበለ ትገብር ኣለኻ
ንኻልኦት ብዙሕ ክትሕግዝ ትኽእል ኢኻ
በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ፡ ምድፋእ ዕድመ ንዓቕምኻ ኸም ዚድርቶ ጌርካ ዘይኰነስ፡ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነ ጌርካ ኽትርእዮ ትኽእል ኢኻ። እወ፡ ብዕድመ ዝደፋእካ ክርስትያን እንተ ዄንካ፡ ብግዜ ንእስነትካ ኽትገብሮ ዘይትኽእል ዝነበርካ ነገር ሕጂ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ከምዚ ዚስዕብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ፦
ተመክሮኻ ንኻልኦት ኣካፍል። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ዚስዕብ ቃላት እሞ ንርአ፦
ንጉስ ዳዊት፦ “ጐበዝ ነይረ፣ ሕጂ ድማ ኣሪገ ኣለኹ፣ ግናኸ፡ ጻድቕ ተሓዲጉ፡ ዘርኡ ኸኣ እንጌራ ኼናድዩ ኣይረኣኹን።”—መዝ. 37:25።
እያሱ፦ “እንሆ ድማ፡ ኣነ ንሞት ቀሪበ ኣለኹ፣ ካብ ኵሉ እቲ የሆዋ ኣምላኽኩም እተዛረበኩም ጽቡቕ ተስፋታት፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኸም ዘይወደቐት፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም። ኵሉ ተፈጺሙልኩም እዩ። ካብኡ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይወደቐትን።”—እያ. 23:14።
ምናልባት ተመሳሳሊ ነገር ተዛሪብካ ትኸውን። ዳዊትን እያሱን ካብ ብሕታዊ ተመክሮኦም እዮም ተዛሪቦም። እዞም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እዚኦም፡ ነቲ ኣብ ሓያሎ ዓመታት ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ይገልጹ ስለ ዝነበሩ ድማ፡ ቃላቶም ዝያዳ ርዝነት ኪህልዎ ኽኢሉ።
ንስኻ እውን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ነዊሕ ዓመታት ዝገበርካ እንተ ዄንካ፡ ካብ ተመክሮኻ ተበጊስካ፡ ንየሆዋ ምግልጋል ብዛዕባ ዜምጽኦ ዓስቢ ኽትዛረብ ትኽእል ኢኻ። የሆዋ ንህዝቡ ዝባረኸሉ ብፍላይ እትዝክሮ እዋንዶ ኣሎ፧ ብዛዕባ እቲ ነገር እቲ፡ ከይተሰከፍካ ንኻልኦት ንገር። ከም እትፈልጦ፡ እዚ ኼተባብዕ ይኽእል እዩ። ካልኦት ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፍካዮ ኺሰምዑ ኸለዉ፡ ምንጪ ምትብባዕ ክትኰኖም ትኽእል ኢኻ።—ሮሜ 1:11, 12።
ንኻልኦት ከተተባብዓሉ እትኽእል ካልእ መገዲ ድማ፡ ብእተኻእለካ መጠን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ብኣካል ብምእካብ እዩ። ኣብኡ ኸኣ ንገዛእ ርእስኻን ንክርስትያናት ብጾትካን ክትጠቅም ትኽእል ኢኻ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኮኒ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ኣኼባታት ምእካብ ተስፋ ኸይቈርጽ ይሕግዘኒ እዩ። ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እዚ ዅሉ ፍቕሪ እናረኸብኩ እሞ፡ ከመይ ኢለ እየ ኽድቈስ፧ ብተወሳኺ፡ ንኻልኦት ንኣሽቱ ህያባት ብምሃብ ሞሳይ ክገልጸሎም እጽዕር እየ። ኣብ ጐድኒ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኰይነ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት እጃመይ ከበርክት እፍትን እየ።”
የሆዋ ንኣገልግሎትካ ኣኽቢሩ ይርእዮ
ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዓቕሞም ድሩት ክነሱ፡ ንየሆዋ ግና ብዛዕባ ዜፍቅርዎ ብዙሓት ሰባት ተገሊጹ ንረክብ ኢና። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ እተወልደሉ እዋን ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ስምኦን ዚብሃል እስራኤላዊ እስከ ንርአ። ስምኦን ናብ ቤተ መቕደስ ኣብ ዚኸደሉ ዝነበረ እዋን፡ ብዕድመ ኻብኡ ዝነኣሱ ሰብኡት ኣገዳሲ ዕዮታት ኪዓይዩ ርእዩ ኪኸውን ኣለዎ። እሞ ደኣ እንታይ ኢሉ ኺሓስብ ምኸኣለ፧ ብኣረኣእያ ሰብ እንተ ዚርኢ ነይሩ፡ ኣብ ግዜ እርጋኑ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ዋጋ ኸም ዘይብሉ ገይሩ ኺሓስብ ምኸኣለ። የሆዋ ግና እተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ። ንስምኦን፡ “ጻድቕን ንኣምላኽ ዚፈርህን” ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ርእይዎ። ነቲ ሕጻን ዝነበረ የሱስ ኪርኢ ኣጋጣሚ ብምኽፋት እውን ባሪኽዎ። (ሉቃ. 2:25-35) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ መጻኢ መሲሕ ከም ዚንበ ገይርዎ። እምበኣር፡ የሆዋ ንስምኦን ኪርእዮ ኸሎ፡ ኣብ እርጋኑ ኣይኰነን ኣተኲሩ፣ የግዳስ፡ ኣብቲ ድልዱል እምነቱ እዩ ኣተኲሩ። “መንፈስ ቅዱስ እውን ኣብ ልዕሊኡ” ኸም ዚወርድ ገይሩ።
የሆዋ ንስምኦን፡ ንየሱስ ብሕጻንነቱ ኺርእዮ፡ ብዛዕባ መሲሕ እውን ኪንበ ኣጋጣሚ ብምሃብ ባረኾ
ንስኻ እውን ዋላ እኳ ዓቕምኻ ድሩት እንተ ዀነ፡ የሆዋ ነቲ ብተኣማንነት እተቕርበሉ ኣገልግሎት ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ፡ ሰብ ዜቕርበሉ መስዋእቲ “በቲ ዘለዎ መጠን ኣዝዩ ቕቡል እዩ እምበር፡ ብዘይብሉ ኣይኰነን።”—2 ቈረ. 8:12።
እምበኣር፡ ኣብቲ ኽትገብሮ እትኽእል ኣተኵር። ንኣብነት፡ ዋላ እኳ ንሓጺር እዋን፡ ኣብ ምንታይ ዓይነት ኣገልግሎት ክትሳተፍ ትኽእል፧ ተሌፎን ብምድዋል ወይ ካርድ ብምጽሓፍ ንኻልኦት ክትሕግዝ ትኽእልዶ፧ ቀሊል መግለጺ ፍቕሪ፡ ምናዳ ኸኣ ካብ ምኩር ኣገልጋሊ የሆዋ ዚውሃብ መግለጺ ፍቕሪ፡ ኣብ ክርስትያናት ብጾት ሓያል ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ።
ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ከም ድላዮም ኪንቀሳቐሱ ኣይክእሉን እዮም። ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ “ህይወታ ኣድሒናትላ” ኣብ ዘርእስታ እትስዕብ ሳጹን ዘሎ፡ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እተረኽበ ተመክሮ ርአ።
እምበኣር፡ እምነትካን ተኣማንነትካን ንኻልኦት ከም ዜተባብዖም ኣይትረስዕ። ህያው ኣብነት ተጻዋርነት ኢኻ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ “ኣምላኽሲ ግብርኹም ኰነ ንስሙ ዘርኣኹምዎ ፍቕሪ፡ ማለት ነቲ ነቶም ቅዱሳት ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘለኹምን ዚርስዕ ዓማጺ ኣይኰነን” ዚብል ቃላት ከም ዚፍጸም እውን ክትተኣማመን ትኽእል ኢኻ።—እብ. 6:10።
ብእተኻእለካ መጠን ወትሩ ንሰብ ሓግዝ
ንሰብ ዚሕግዙ ኣረጋውያን ዝሓሸ ጥዕናን ዝነጸረ ኣእምሮን ዝነውሐ ዕድመን ከም ዘለዎም መጽናዕትታት ይሕብር እዩ።
ልክዕ እዩ፡ ሰናይ ምግባር ጥራይ ካብቲ እርጋን ዜምጽኦ ሳዕቤናት ኣይሰትረካን እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እያ ነቲ ናይ ሓቂ ጠንቂ እርጋንን ሞትን ዝዀነ ሓጢኣት ከተወግዶ እትኽእል።—ሮሜ 5:12።
ኰይኑ ግና፡ እቲ ንየሆዋ እተቕርቦ ኣገልግሎት፡ እንተላይ እቲ ንሰባት እትህቦ ሓገዝ፡ ንተስፋኻ የደልድላ እዩ፡ ንጥዕናኻ እውን ኪጠቕመካ ይኽእል እዩ። እምበኣር ኣቱም ኣረጋውያን፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ኣገልግሎቱ እትገብርዎ ኣበርክቶ ኽብ ኣቢሉ ኸም ዚርእዮ፡ ጉባኤኹም እውን ንእምነትኩም ኣኽቢራ ኸም እትርእዮ ኽትፈልጡ ንፈቱ ኢና።