ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 ታሕሳስ ገጽ 26-30
  • ኣቱም ኣረጋውያን፡ ንጉባኤ በረኸት ኢኹም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣቱም ኣረጋውያን፡ ንጉባኤ በረኸት ኢኹም
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ኻባኻ እንታይ እዩ ዚጽበ፧
  • ንኻልኦት ብዙሕ ክትሕግዝ ትኽእል ኢኻ
  • የሆዋ ንኣገልግሎትካ ኣኽቢሩ ይርእዮ
  • ብእተኻእለካ መጠን ወትሩ ንሰብ ሓግዝ
  • ነቲ ባህጊ ልቡ ረኸቦ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • የሆዋ ንኣረጋውያን ኣገልገልቱ ይሓልየሎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ንየሆዋ ዓቕምኻ ብምሃብ፡ ተሓጐስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ብዕድመ ንዝደፍኡ እሙናት ነኽብሮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 ታሕሳስ ገጽ 26-30
ስእልታት፦ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣሕዋትን ኣሓትን ተሓጒሶም ንየሆዋ የገልግልዎ። 1. ሓደ ሓው ኣማዕድዩ እናጠመተ ፍሽኽ ይብል። 2. ኣብ ብሽክለታ ስንኩላን እተቐመጠት ሓብቲ ንሓንቲ ኽንክን እትገብረላ ሰራሕተኛ ትራክት ተበርክተላ። 3. ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ኣኼባ ሓሳብ ትህብ። 4. ሓንቲ ሓብትን ሓደ መንእሰይ ሓውን ብሓባር የገልግሉ፣ እታ ሓብቲ ኸኣ ነቲ ሓው ተደጊፋቶ ኣላ። 5. ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሓደ ሓው ምስ ክልተ ቘልዑን ምስ ኣዲኦምን ግዜ የሕልፍ።

ኣቱም ኣረጋውያን፡ ንጉባኤ በረኸት ኢኹም

“ናብ ድሕሪት ምልስ ኢለ ኽሓስብ ከለኹ፡ እቲ ኽገብሮ ዝኽእል ዝነበርኩ ነገራት የደንቐኒ እዩ። ሕጂ ግና እርጋን ደሪቱኒ ኣሎ።”—ኮኒ፡ 83 ዓመት ዝዕድሚኣ።

ንስኻ እውን ብሰንኪ እርጋን ዓቕምኻ ተደሪቱ ይኸውን። ንሓያሎ ዓመታት ንየሆዋ ብተኣማንነት ዘገልገልካ እኳ እንተ ዀንካ፡ ሕጂ ዓቕምኻ ድሩት ብምዃኑ ሕማቕ ይስምዓካ ይኸውን። ንኣብነት፡ ነቲ ሕጂ እትገብሮ ዘለኻ ምስቲ ቐደም እትገብሮ ዝነበርካ ተወዳድሮ ትኸውን። እሞ ደኣ ምስ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ንምቅላስ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

የሆዋ ኻባኻ እንታይ እዩ ዚጽበ፧

‘የሆዋ ኻባይ እንታይ እዩ ዚጽበ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ኣብ ዘዳግም 6:5 ዚርከብ ቓላት ኬጸናንዓካ ይኽእል እዩ። እታ ጥቕሲ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ” ትብል።

እዛ ጥቕሲ እዚኣ ንየሆዋ ብዅሉ ልብኻን ነፍስኻን ሓይልኻን ከተገልግሎ ስለ እተተባብዕ፡ የሆዋ ብዓቕምኻ ዚከኣለካ ኽትገብር እዩ ዚጽበየካ። ስለዚ፡ ገዛእ ርእስኻ ምስ ካልኦት ኣይተወዳድር፣ ወይ ከኣ እቲ ሕጂ ኽትገብሮ እትኽእል ነገር ምስቲ ኣብ ሕሉፍ ክትገብሮ እትኽእል ዝነበርካ ነገር ኣይተወዳድር።

ሕስብ እሞ ኣብል፦ ብግዜ ንእስነትካ ንየሆዋ እንታይ ኢኻ እትህቦ ኔርካ፧ መብዛሕትኦም ህዝቢ የሆዋ ንኣምላኾም ዘለዎም ኵሉ ንምሃብ፡ ዚከኣሎም ዘበለ ዅሉ ይገብሩ ኸም ዝነበሩ እዮም ዚገልጹ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ዅነታት እቲ ብሉጽካ ንሱ እዩ ነይሩ። ሕጂኸ ንየሆዋ እንታይ ኢኻ ኽትህቦ እትኽእል፧ ብመሰረት እቲ ሕጂ ዘሎካ ዅነታት፡ ኣብዚ እዋን እዚ ዚከኣለካ ትገብር ትህሉ ትኸውን። ነዚ ነገር እዚ ኻብዚ ኣንፈት እንተ ጠሚትካዮ፡ ንየሆዋ ማዕረ እቲ ቐደም እትገብረሉ ዝነበርካ ትገብር ከም ዘለኻ ኽትግንዘብ ትኽእል ኢኻ። ቀደም ንዕኡ ንምግልጋል ዚከኣለካ ትገብር ኔርካ፣ ሕጂ እውን ዚከኣለካ ትገብር ኣለኻ።

ስእልታት፦ ሓንቲ ሓብቲ ንሓያሎ ዓመታት ንየሆዋ ብተኣማንነት ተገልግሎ። 1. ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት፡ እታ ሓብቲ ብዕድመ ንእሽቶ ኸላ ኣብ በቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት ንሓንቲ ሰበይቲ ተዛራርባ። 2. ሕጂ እታ ሓብቲ ብዕድመ ምስ ደፍአት፡ ምስ መንእሰይ ሓብቲ ዀይና ብተሌፎን ትምስክር።

ብግዜ ንእስነትካ ንየሆዋ ንምግልጋል ዚከኣለካ ዘበለ ትገብር ኔርካ፣ ብዕድመ ምስ ደፋእካ እውን ዚከኣለካ ዘበለ ትገብር ኣለኻ

ንኻልኦት ብዙሕ ክትሕግዝ ትኽእል ኢኻ

በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ፡ ምድፋእ ዕድመ ንዓቕምኻ ኸም ዚድርቶ ጌርካ ዘይኰነስ፡ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነ ጌርካ ኽትርእዮ ትኽእል ኢኻ። እወ፡ ብዕድመ ዝደፋእካ ክርስትያን እንተ ዄንካ፡ ብግዜ ንእስነትካ ኽትገብሮ ዘይትኽእል ዝነበርካ ነገር ሕጂ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ከምዚ ዚስዕብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ፦

ተመክሮኻ ንኻልኦት ኣካፍል። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ዚስዕብ ቃላት እሞ ንርአ፦

ንጉስ ዳዊት፦ “ጐበዝ ነይረ፣ ሕጂ ድማ ኣሪገ ኣለኹ፣ ግናኸ፡ ጻድቕ ተሓዲጉ፡ ዘርኡ ኸኣ እንጌራ ኼናድዩ ኣይረኣኹን።”—መዝ. 37:25።

እያሱ፦ “እንሆ ድማ፡ ኣነ ንሞት ቀሪበ ኣለኹ፣ ካብ ኵሉ እቲ የሆዋ ኣምላኽኩም እተዛረበኩም ጽቡቕ ተስፋታት፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኸም ዘይወደቐት፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም። ኵሉ ተፈጺሙልኩም እዩ። ካብኡ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይወደቐትን።”—እያ. 23:14።

ምናልባት ተመሳሳሊ ነገር ተዛሪብካ ትኸውን። ዳዊትን እያሱን ካብ ብሕታዊ ተመክሮኦም እዮም ተዛሪቦም። እዞም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እዚኦም፡ ነቲ ኣብ ሓያሎ ዓመታት ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ይገልጹ ስለ ዝነበሩ ድማ፡ ቃላቶም ዝያዳ ርዝነት ኪህልዎ ኽኢሉ።

ንስኻ እውን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ነዊሕ ዓመታት ዝገበርካ እንተ ዄንካ፡ ካብ ተመክሮኻ ተበጊስካ፡ ንየሆዋ ምግልጋል ብዛዕባ ዜምጽኦ ዓስቢ ኽትዛረብ ትኽእል ኢኻ። የሆዋ ንህዝቡ ዝባረኸሉ ብፍላይ እትዝክሮ እዋንዶ ኣሎ፧ ብዛዕባ እቲ ነገር እቲ፡ ከይተሰከፍካ ንኻልኦት ንገር። ከም እትፈልጦ፡ እዚ ኼተባብዕ ይኽእል እዩ። ካልኦት ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፍካዮ ኺሰምዑ ኸለዉ፡ ምንጪ ምትብባዕ ክትኰኖም ትኽእል ኢኻ።—ሮሜ 1:11, 12።

ንኻልኦት ከተተባብዓሉ እትኽእል ካልእ መገዲ ድማ፡ ብእተኻእለካ መጠን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ብኣካል ብምእካብ እዩ። ኣብኡ ኸኣ ንገዛእ ርእስኻን ንክርስትያናት ብጾትካን ክትጠቅም ትኽእል ኢኻ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኮኒ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ኣኼባታት ምእካብ ተስፋ ኸይቈርጽ ይሕግዘኒ እዩ። ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እዚ ዅሉ ፍቕሪ እናረኸብኩ እሞ፡ ከመይ ኢለ እየ ኽድቈስ፧ ብተወሳኺ፡ ንኻልኦት ንኣሽቱ ህያባት ብምሃብ ሞሳይ ክገልጸሎም እጽዕር እየ። ኣብ ጐድኒ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኰይነ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት እጃመይ ከበርክት እፍትን እየ።”

የሆዋ ንኣገልግሎትካ ኣኽቢሩ ይርእዮ

ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዓቕሞም ድሩት ክነሱ፡ ንየሆዋ ግና ብዛዕባ ዜፍቅርዎ ብዙሓት ሰባት ተገሊጹ ንረክብ ኢና። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ እተወልደሉ እዋን ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ስምኦን ዚብሃል እስራኤላዊ እስከ ንርአ። ስምኦን ናብ ቤተ መቕደስ ኣብ ዚኸደሉ ዝነበረ እዋን፡ ብዕድመ ኻብኡ ዝነኣሱ ሰብኡት ኣገዳሲ ዕዮታት ኪዓይዩ ርእዩ ኪኸውን ኣለዎ። እሞ ደኣ እንታይ ኢሉ ኺሓስብ ምኸኣለ፧ ብኣረኣእያ ሰብ እንተ ዚርኢ ነይሩ፡ ኣብ ግዜ እርጋኑ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ዋጋ ኸም ዘይብሉ ገይሩ ኺሓስብ ምኸኣለ። የሆዋ ግና እተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ። ንስምኦን፡ “ጻድቕን ንኣምላኽ ዚፈርህን” ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ርእይዎ። ነቲ ሕጻን ዝነበረ የሱስ ኪርኢ ኣጋጣሚ ብምኽፋት እውን ባሪኽዎ። (ሉቃ. 2:25-35) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ መጻኢ መሲሕ ከም ዚንበ ገይርዎ። እምበኣር፡ የሆዋ ንስምኦን ኪርእዮ ኸሎ፡ ኣብ እርጋኑ ኣይኰነን ኣተኲሩ፣ የግዳስ፡ ኣብቲ ድልዱል እምነቱ እዩ ኣተኲሩ። “መንፈስ ቅዱስ እውን ኣብ ልዕሊኡ” ኸም ዚወርድ ገይሩ።

ዮሴፍን ማርያምን ንስምኦን፡ ነቲ ሕጻን ዝነበረ የሱስ ተሓጒሶም የርእይዎ።

የሆዋ ንስምኦን፡ ንየሱስ ብሕጻንነቱ ኺርእዮ፡ ብዛዕባ መሲሕ እውን ኪንበ ኣጋጣሚ ብምሃብ ባረኾ

ንስኻ እውን ዋላ እኳ ዓቕምኻ ድሩት እንተ ዀነ፡ የሆዋ ነቲ ብተኣማንነት እተቕርበሉ ኣገልግሎት ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ፡ ሰብ ዜቕርበሉ መስዋእቲ “በቲ ዘለዎ መጠን ኣዝዩ ቕቡል እዩ እምበር፡ ብዘይብሉ ኣይኰነን።”—2 ቈረ. 8:12።

እምበኣር፡ ኣብቲ ኽትገብሮ እትኽእል ኣተኵር። ንኣብነት፡ ዋላ እኳ ንሓጺር እዋን፡ ኣብ ምንታይ ዓይነት ኣገልግሎት ክትሳተፍ ትኽእል፧ ተሌፎን ብምድዋል ወይ ካርድ ብምጽሓፍ ንኻልኦት ክትሕግዝ ትኽእልዶ፧ ቀሊል መግለጺ ፍቕሪ፡ ምናዳ ኸኣ ካብ ምኩር ኣገልጋሊ የሆዋ ዚውሃብ መግለጺ ፍቕሪ፡ ኣብ ክርስትያናት ብጾት ሓያል ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ።

ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ከም ድላዮም ኪንቀሳቐሱ ኣይክእሉን እዮም። ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ “ህይወታ ኣድሒናትላ” ኣብ ዘርእስታ እትስዕብ ሳጹን ዘሎ፡ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እተረኽበ ተመክሮ ርአ።

እምበኣር፡ እምነትካን ተኣማንነትካን ንኻልኦት ከም ዜተባብዖም ኣይትረስዕ። ህያው ኣብነት ተጻዋርነት ኢኻ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ “ኣምላኽሲ ግብርኹም ኰነ ንስሙ ዘርኣኹምዎ ፍቕሪ፡ ማለት ነቲ ነቶም ቅዱሳት ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘለኹምን ዚርስዕ ዓማጺ ኣይኰነን” ዚብል ቃላት ከም ዚፍጸም እውን ክትተኣማመን ትኽእል ኢኻ።—እብ. 6:10።

ብእተኻእለካ መጠን ወትሩ ንሰብ ሓግዝ

ንሰብ ዚሕግዙ ኣረጋውያን ዝሓሸ ጥዕናን ዝነጸረ ኣእምሮን ዝነውሐ ዕድመን ከም ዘለዎም መጽናዕትታት ይሕብር እዩ።

ልክዕ እዩ፡ ሰናይ ምግባር ጥራይ ካብቲ እርጋን ዜምጽኦ ሳዕቤናት ኣይሰትረካን እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እያ ነቲ ናይ ሓቂ ጠንቂ እርጋንን ሞትን ዝዀነ ሓጢኣት ከተወግዶ እትኽእል።—ሮሜ 5:12።

ኰይኑ ግና፡ እቲ ንየሆዋ እተቕርቦ ኣገልግሎት፡ እንተላይ እቲ ንሰባት እትህቦ ሓገዝ፡ ንተስፋኻ የደልድላ እዩ፡ ንጥዕናኻ እውን ኪጠቕመካ ይኽእል እዩ። እምበኣር ኣቱም ኣረጋውያን፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ኣገልግሎቱ እትገብርዎ ኣበርክቶ ኽብ ኣቢሉ ኸም ዚርእዮ፡ ጉባኤኹም እውን ንእምነትኩም ኣኽቢራ ኸም እትርእዮ ኽትፈልጡ ንፈቱ ኢና።

ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ኣብ ምስክርነት ዓረብያ ትሳተፍ። ንሓንቲ ዝነብዐት መንእሰይ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብበላ።

ህይወታ ኣድሒናትላ

ሓንቲ መንእሰይ ብጥቓ ዓረብያ ምስክርነት ትሓልፍ ነበረት። እታ ኣብ ጥቓ እታ ዓረብያ ዝነበረት ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ድማ ነታ መንእሰይ ሰላምታ ድሕሪ ምሃብ፡ ዜተባብዕ ጥቕሲ ኽትነግራ እትኽእል እንተ ዀይና ሓተተታ። ድሕሪኡ፡ ኤርምያስ 29:11 ኣንበበትላ። እታ ጥቕሲ፡ የሆዋ ዚሓስበልና ነገር፡ ሓሳብ ሰላም እምበር፡ ናይ መዓት ከም ዘይኰነ ትሕብር። እታ ሓብቲ ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ኣምላኽ እንታይ ዓይነት መጻኢ ኺህልወኪ ኸም ዚደልስ ኣስተብሂልክሉዶ፧” ኢላ ሓተተታ።

እታ መንእሰይ ልባ ተተንከየ። ኣብ ኣዒንታ ንብዓት ቍጽርጽር እናበላ ድማ ከምዚ ኢላ መለሰት፦ “ንሱ መጻእየይ ናይ ሰላምን ናይ ተስፋን ኪኸውን እዩ ዚደሊ። ነዛ ጥቕሲ ስለ ዘንበብክለይ አመስግነኪ። እዚ መልሲ ጸሎተይ እዩ። ተደራራቢ ጸገማት እዩ ኼጋጥመኒ ቐንዩ፣ ኣመና ስለ ዝሓርበተኒ ድማ ገዛእ ርእሰይ ክቐትል እሓስብ ነይረ። ሎሚ ንግሆ ንኣምላኽ፡ ከም ዚሓልየለይ ምልክት ኬርእየኒ ብጸሎት ለሚነዮ። ድሕሪኡ፡ ዘይትፈልጥኒ ሰብ ክነስኺ ደው ኣቢልኪ፡ ኣምላኽ ብዛዕባይ ዘለዎ ሓሳብ ብልክዕ እትገልጽ ጥቕሲ ኣንቢብክለይ። እዚ ብኣጋጣሚ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።”

እታ ሓብቲ ነታ መንእሰይ፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይራ ምስ ርእሰ ቕትለታዊ ሓሳባት ብኸመይ ክትቃለስ ከም እትኽእል ዚሕብር ኣብ jw.org ዚርከብ ዓንቀጻት ኣርኣየታ። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚግበር ገለጸትላ፡ ናብ ኣኼባታትና እውን ዓደመታ። ኣብታ እትቕጽል ሰሙን፡ እታ መንእሰይ ኣብ ኣኼባ መወዳእታ ሰሙን ተኣከበት። ሕጂ ኸኣ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ብዘርእስታ ብሮሹር ገይራ መጽሓፍ ቅዱስ ተጽንዕ ኣላ።

እሞ ደኣ ብዕድመ ንእሽቶ ኹን ወይ ዓብዪ፡ ኣብ ምስክርነት ዓረብያ ኽትሳተፍ ትኽእልዶ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ