ትዝክሮዶ፧
ነቲ ኣብዛ ዓመት ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብጥንቃቐ ኣንቢብካዮዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦
ንየሆዋ ኽብሪ ንምሃብ ዜለዓዕለና እንታይ እዩ፧
ንየሆዋ ልዑል ኣኽብሮት ስለ ዘሎናን ኣጸቢቕና ስለ እነፍቅሮን፡ ክብሪ ንህቦ ኢና። ሰባት ንየሆዋ ኺፈልጥዎ ስለ እንደሊ እውን፡ ክብሪ ንህቦ ኢና።—w25.01፡ ገጽ 3።
ሓደ ሰብ ቅር ምስ ዜብለና፡ ከመይ ጌርና ኢና ይቕረ በሃልቲ ኽንከውን እንኽእል፧
ንስምዒትና ዕሽሽ ኣይንብሎን ኢና፣ ኰይኑ ግና፡ ቍጥዓናን ቅሬታናን ክንሓድግ ከለና፡ ልብና ብምረት ኣይጕዳእን እዩ።—w25.02፡ ገጽ 15-16።
ማርቆስ እቲ ወደ መዝሙር ንመንእሰያት ኣሕዋት ጽቡቕ ኣብነት ዚዀኖም ስለምንታይ እዩ፧
ማርቆስ ንምግልጋል ፍቓደኛ ዀይኑ እዩ። ሓደ እዋን፡ ሕማቕ ተሰሚዕዎን ጕህዩን እኳ እንተ ነበረ፡ እዚ ግና ካብ ምግልጋል ኣይዓገቶን። ምስ ጳውሎስን ምስ ካልኦት ብሱላት ሰባትን ጽቡቕ ርክብ ኣማዕቢሉ እዩ።—w25.04፡ ገጽ 27።
የሱስ ኣብ ጸሎቱ፡ “ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣለኹ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ (ዮሃ. 17:26)
ደቀ መዛሙርቱ ንስም ኣምላኽ ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ የሱስ ነቲ በቲ ስም እቲ ዚጽዋዕ ኣምላኽ፡ እንተላይ ዕላማታቱን ንጥፈታቱን ባህርያቱን ከም ዘፍለጦም እዩ ዚዛረብ ነይሩ።—w25.05፡ ገጽ 20-21።
ትሑታት እንተ ዄንና፡ እንታይ ኢና ኣሚንና እንቕበል፧
ገሊኡ ነገራት ከም ዘይንፈልጥ ኣሚንና ንቕበል ኢና። ንኣብነት፡ መወዳእታ መዓስ ከም ዚመጽእ ወይ ሽዑ የሆዋ እንታይ ከም ዚገብር ኣይንፈልጥን ኢና። ጽባሕ እንታይ ከም ዚኸውን ወይ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚፈልጠና እውን ኣይንፈልጥን ኢና።—w25.06፡ ገጽ 15-18።
ካብ ሓንቲ ዓንቀጽ ወይ ካብ ህዝባዊ መደረ ምእንቲ ኽንጥቀም እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
ከምዚ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘ነቶም ሰማዕቲ ዜእምን እንታይ መርትዖ እዩ ዚቐርብ ዘሎ፧ ንሰብ ክምህር ከለኹ፡ እንታይ ጽቡቕ ምሳሌ ኽጥቀም እኽእል፧ እዚ ርእሰ ነገር እዚ ንመን ኬገድሶ ይኽእል፧’—w25.07፡ ገጽ 19።
ካብቲ ኣምላኽ ንዳዊት ዝሓዘሉ መገዲ ብዛዕባ ይቕረታኡ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧
ዳዊት ከቢድ ሓጢኣት እኳ እንተ ገበረ፡ ካብ ልቡ ስለ እተነስሐ፡ የሆዋ ይቕረ ኢሉሉ እዩ። (1 ነገ. 9:4, 5) የሆዋ ይቕረ ኺብል ከሎ ኸኣ፡ ንሕሉፍ ሓጢኣትና ይርስዖ፡ ማለት በቲ ሓጢኣትና ድሕሪ ደጊም ተሓተትቲ ኣይገብረናን እዩ።—w25.08፡ ገጽ 17።
ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ነጥቢ ኺርድኦ እንተ ዘይክኢሉ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከተረድኦ ጽዒርካ ኽነስኻ እንተ ኸቢድዎ፡ ነቲ ነጥቢ እቲ ሕለፎ፣ ካልእ ግዜ ኽትምለሶ ትኽእል ኢኻ።—w25.09፡ ገጽ 24።
ሰብ ‘ብሓጢኣት ኪታለል’ ከም ዚኽእል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ኣሎ። (እብ. 3:13) ብኸመይ እዩ ኺታለል ዚኽእል፧
ሓጢኣት ግጉይ ተግባር ንምግባር ኪሓብለና ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ ኰነ ብዛዕባ ኻልእ ነገራት ከኣ፡ ጥርጣረ ኸም እነሕድር ኪገብረና ይኽእል እዩ።—w25.10፡ ገጽ 16።
ንጸሎትና ብዝያዳ ትርጉም ከም ዚህልዎ ዚገብር እንታይ ሰለስተ ነገራት ኪጥቀስ ይከኣል፧
(1) ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ኸነስተንትን ንኽእል ኢና። (2) ብዛዕባ እቲ ዜጓንፈና ዘሎ ነገራት፡ ንኣብነት ይቕረ ኽንብለሉ ብዛዕባ ዚግባእ ሰብ ክንሓስብ እሞ ነዚ ኣብ ጸሎትና ኽንጠቕሶ ንኽእል ኢና። (3) ነዊሕ ጸሎት ከነቕርብ ንኽእል ኢና። ኣብ ነዊሕ ጸሎት፡ ውሽጣዊ ሓሳባትና ንምግላጽ ዝያዳ ኣጋጣሚ ንረክብ ኢና።—w25.10፡ ገጽ 19-20።
ብዕድመ ንዝደፍኡ ኣሕዋትን ኣሓትን ከመይ ጌርና ኢና ኽንሕግዞም እንኽእል፧
ብዕድመ ንዝደፍኡ ኣሕዋትን ኣሓትን ክንበጽሖም ወይ ክንድውለሎም ንኽእል ኢና። ናብ ሕክምናዊ ቘጸራታት እውን ከነሰንዮም ንኽእል ኢና። ኣብ በበይኑ ዓይነት ኣገልግሎት ከኣ፡ ምሳታቶም ብሓባር ከነገልግል ንኽእል ኢና።—w25.11፡ ገጽ 6-7።
ሓደ ክርስትያናዊ መርዓ ኽቡር ምእንቲ ኪኸውን ከመይ ኪኸውን ይግባእ፧
ሕጋዊ ብቕዓታት ኣማልእ። ኣብቲ ስነ ስርዓት መርዓ ዀነ ኣብቲ ውራይ መርዓ፡ ፍረ መንፈስ ዚርኣየሉ ሃዋህው ፍጠር። ኣብ ኣከዳድናኻ ትሑት ኩን። ካብ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ልምድታት ርሓቕ። ንመርዓኻ መደብ ክትሕንጽጽ ከለኻ፡ ጽቡቕ ጌርካ ሓሳብካ ግለጽ።—w25.12፡ ገጽ 21-24።