ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 171
  • ድያብሎስ እንታይ ይመስል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ድያብሎስ እንታይ ይመስል፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንድያብሎስ ብኸመይ ይገልጾ፧
  • ንሰይጣን ተጻረሮ እሞ: ንሱ ኺሃድም እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ከምቲ የሱስ እተጻረሮ ‘ንድያብሎስ ተጻረሮ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ጸላኢ ናይ ዘለኣለም ህይወት
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 171

ድያብሎስ እንታይ ይመስል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ድያብሎስ ኪርአ ዘይከኣል መንፈስ እዩ፣ እዚ ማለት ንሕና ኽንርእዮ እንኽእል ኣካላት የብሉን።—ኤፌሶን 6:11, 12።

ድያብሎስ መስአ ሒዙ ኸሎ ዜርኢ መብዛሕትኡ ግዜ ዚዝወትር ስእሊ። ትርኢቱ ድማ ኣቕርንትን ጭራን ዘለዎ ጤል መሰል ፍጡር እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰባት ንድያብሎስ ምስ ጤል ዚመስል ፍጡር የመሳስልዎ እዮም። ኣቕርንቲ ዘለዎ፡ ጭራ ዘለዎ፡ መስአ ዝሓዘ ገይሮም ከኣ ይስእልዎ እዮም። ገሊኦም ሰባት፡ እዚ ስእልታት እዚ በቶም ብጥንታዊ ብሂላትን ጽውጽዋያትን እተጸልዉ ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝነበሩ ስነ ጥበበኛታት ከም እተማህዘ እዮም ዚኣምኑ።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ንድያብሎስ ብኸመይ ይገልጾ፧

  • ብዛዕባ ድያብሎስ ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ ንድያብሎስ ብኸመይ ይገልጾ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ድያብሎስ እተፈላለየ ምሳልያዊ መግለጺታት ይጥቀም እዩ። እዚ ንትርኢቱ ዘይኰነስ፡ ንባህርያቱ ኽንርዳእ ይሕግዘና። ገለ ኻብዚ ምሳልያዊ መግለጺታት እስከ ንርአ፦

  • መልኣኽ ብርሃን። ሰባት ንትምህርትታት ኣምላኽ ሓዲጎም ንትምህርትታቱ ምእንቲ ኺስዕቡ፡ ጽቡቕ ነገራት ከም ዚህቦም የምስል እዩ።—2 ቈረንቶስ 11:14።

  • ዚጓዝም ኣንበሳ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ይፍኑ እዩ።—1 ጴጥሮስ 5:8።

  • ዓብዪ ገበል። ዜፍርህን ሓያልን ኣዕናውን እዩ።—ራእይ 12:9።

ብዛዕባ ድያብሎስ ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

  • 2 ቈረንቶስ 11:14፦ “ሰይጣን እኳ፡ ንርእሱ ኸም መልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ።”

    ትርጉሙ፦ ሰይጣን ንሰባት፡ ትምህርትታት ኣምላኽ ሓዲጎም ትምህርትታቱ ምእንቲ ኺስዕቡ፡ ጥዑይ ከም ዝዀነ ኣምሲሉ የታልሎም እዩ።

  • ኤፌሶን 6:11፦ “ንፍሕሶ ድያብሎስ ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ካብ ኣምላኽ ምሉእ ኣጽዋር ልበሱ።”

    ትርጉሙ፦ ድያብሎስ ሰባት ንኣምላኽ ምእንቲ ኸይእዘዝዎ ውዲት ይኣልም እዩ።

  • ያእቆብ 4:7፦ “ንኣምላኽ ተገዝእዎ፣ ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሃድም እዩ።”

    ትርጉሙ፦ ሰብ ንድያብሎስ ዘይኰነስ ንኣምላኽ ብምእዛዝ፡ ንሰይጣን ኪስዕሮ ይኽእል እዩ።

  • 1 ጴጥሮስ 5:8፦ “ድያብሎስ እቲ መጻርርትኹም ዚውሕጦ ደልዩ፡ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር ኣሎ።”

    ትርጉሙ፦ ድያብሎስ ነቶም ንኣምላኽ ዚእዘዝዎ ይጸልኦም እዩ፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ዕርክነት እውን ኬበላሽዎ ይደሊ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ