ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 181
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንመጽሓፍ ቅዱስ ዚምልከት ሓቅታት
  • ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧
  • መጽሓፍ ቅዱስ ተቐይሩ ድዩ፧
  • ብዙሕ እተፈላለየ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
  • ሓደ መጽሓፍ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ኪኸውን ዝወሰኖ መን እዩ፧
  • ዝጠፍኡ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዉ ድዮም፧
  • ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚርከብ
  • ዝርዝር መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ካብ ኣምላኽ ድዩ፧
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • እቲ መጽሓፍ ሒዝዎ ዘሎ ነገራት
    ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ
  • እብራይስጥን ግሪኽኛን ክትመሃር የድልየካ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ዝበዝሐ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 181
መጽሓፍ ቅዱስ ብእተፈላለየ ናይ ምርምር መጻሕፍቲ ተኸቢቡ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ ናይ 66 ቅዱሳት መጻሕፍቲ እኩብ እዩ። ተጻሒፉ ኺውዳእ ድማ ኣስታት 1600 ዓመታት ኣቢሉ እዩ ወሲዱ። መጽሓፍ ቅዱስ መለኮታዊ መልእኽቲ፡ ማለት “ቃል ኣምላኽ” ዝሓዘ እዩ።—1 ተሰሎንቄ 2:13።

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

  • ንመጽሓፍ ቅዱስ ዚምልከት ሓቅታት

  • ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

  • መጽሓፍ ቅዱስ ተቐይሩ ድዩ፧

  • ብዙሕ እተፈላለየ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

  • ሓደ መጽሓፍ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ኪኸውን ዝወሰኖ መን እዩ፧

  • ዝጠፍኡ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዉ ድዮም፧

  • ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚርከብ

  • ዝርዝር መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ንመጽሓፍ ቅዱስ ዚምልከት ሓቅታት

  • ንመጽሓፍ ቅዱስ መን እዩ ጽሒፍዎ፧ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣስታት 40 ዝዀኑ ሰባት ተጠቒሙ እዩ ኣጽሒፍዎ። ሙሴ፡ ንጉስ ዳዊት፡ ማርቆስ፡ ማቴዎስ፡ ሉቃስ፡ ከምኡ እውን ዮሃንስa ገለ ኻብቶም ሰባት እዮም ነይሮም። ኣምላኽ ሓሳባቱ ኣብ ኣእምሮ ናይቶም ጸሓፍቲ ብምግባር መልእኽቱ ኸም ዚጽሕፍዎ ገይርዎም።—2 ጢሞቴዎስ 3:16።

    ንኣብነት፦ ሓደ ኣካያዲ ስራሕ፡ ጸሓፊቱ ንዕኡ ወኪላ መልእኽቲ ኽትጽሕፍ ይእዝዛ ንበል። ዋላ እውን ፍረ ነገሩ ጥራይ እንተ ሃባ፡ ደራሲ ናይቲ መልእኽቲ እቲ ኣካያዲ ስራሕ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ኣምላኽ መልእኽቱ ንምጽሓፍ ሰባት እኳ እንተ ተጠቐመ፡ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ እዩ።

  • መጽሓፍ ቅዱስ መዓስ እዩ ተጻሒፉ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብ1513 ቅ.ክ. እዩ ኺጽሓፍ ጀሚሩ። ኣስታት 1600 ዓመታት ጸኒሑ ኣብ ከባቢ 98 ድ.ክ. ከኣ ተዛዚሙ።

  • እቲ በዅሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣበይ ኣሎ፧ እቲ በዅሪ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ሕጂ ኸም ዘሎ ዚገልጽ ሓበሬታ የለን። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ከም ጳጲሮስን ብራናን ዝኣመሰሉ ብቐሊሉ ኺበላሸዉ ዚኽእሉ ናውቲ እዩ ተጻሒፉ። ይኹን እምበር፡ ክኢላታት ቀዳሕቲ ንመጻኢ ወለዶ ንምዕቃብ፡ ንትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቖም ኪቐድሕዎ ጸኒሖም እዮም።

  • “ብሉይ ኪዳን” ከምኡ እውን “ሓድሽ ኪዳን” እንታይ እዩ፧ እቲ ብልምዲ ብሉይ ኪዳን ዚብሃል፡ ነቲ መብዛሕትኡ ብእብራይስጢb እተጻሕፈ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እውን ዚብሃል ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ የመልክት። እቲ ሓድሽ ኪዳን ዚብሃል ድማ፡ ነቲ ብግሪኽኛ እተጻሕፈ፡ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ እውን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ክፍሊ የመልክት። ክልቲኡ ኽፋል ብሓንሳእ፡ ቅዱሳት ጽሑፋትc ተባሂሉ እውን ዚጽዋዕ ሓደ ምሉእ መጽሓፍ የቕውም።

  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ሒዙ ኣሎ፧ እተፈላለየ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ታሪኽን ሕግን ትንቢትን ግጥምን ምስላታትን መዝሙራትን መልእኽትታትን ዝሓዘ እዩ።—“ዝርዝር መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ” ርአ።

ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰማይን ምድርን በቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም እተፈጥረ ዚሕብር ሕጽር ዝበለ መግለጺ እዩ ዚጅምር። ኣምላኽ፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ሰባት ምእንቲ ኺፈልጥዎ በቲ የሆዋ ዚብል ስሙ ይላለዮም።—መዝሙር 83:18።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ስም ኣምላኽ ዝወረደ ጸለመን ኣምላኽ ድማ ንስሙ ኸመይ ገይሩ ልዕል ኬብል ምዃኑን ይገልጽ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንሰባትን ንምድርን ዘለዎ ዕላማ ይገልጽ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ነቲ ጠንቂ መከራ ደቂ ሰብ ኬጥፍኦ ምዃኑ ይሕብር።

መጽሓፍ ቅዱስ ንመዓልታዊ ህይወት ዚኸውን ተግባራዊ ምኽሪ ይህብ። ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት የጠቓልል፦

  • ጽቡቕ ርክብ ንምምዕባል። “ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩሎም።”—ማቴዎስ 7:12።

    ትርጉሙ፦ ንኻልኦት ከም ነፍስና ገይርና ኽንሕዞም ኣለና።

  • ውጥረት ንምስናፍ። “ጽባሕ ናይ ርእሳ ጭንቀት ኣለዋ እሞ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ።”—ማቴዎስ 6:34።

    ትርጉሙ፦ ብዛዕባ መጻኢ ኻብ ልክዕ ንላዕሊ ኻብ ምጭናቕ፡ ብዛዕባ መዓልታዊ ህይወት ምሕሳብ ዝሓሸ እዩ።

  • ሕጉስ ሓዳር ንምምስራት። “ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቱ ኸም ርእሱ ገይሩ የፍቅራ፣ እታ ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ብዙሕ ተኽብሮ።”—ኤፌሶን 5:33።

    ትርጉሙ፦ ፍቕርን ኣኽብሮትን ንዕዉት ሓዳር ቀንዲ ረቛሒ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ተቐይሩ ድዩ፧

ኣይፋልን። ሊቃውንቲ ነቲ ሎሚ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ ናይ ጥንቲ ኢደ ጽሑፋት ድሕሪ ምውድዳሮም፡ ካብቲ ናይ መጀመርታ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልልይ ከም ዘይብሉ ዀይኑ እዮም ረኺቦምዎ። እዚ ኸኣ ርዱእ እዩ። ከመይሲ ኣምላኽ፡ ሰባት ንመልእኽቱ ኼንብብዎን ኪርድእዎን ዚደሊ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ መልእኽቱ ኸይቅየር ኪሕልዎስ ርትዓዊዶ ኣይኰነን፧d—ኢሳይያስ 40:8።

ብዙሕ እተፈላለየ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

መብዛሕትኦም ኣንበብቲ ነቲ ብጥንታዊ ቛንቋ እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድእዎ ኣይክእሉን እዮም። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዅሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን” ዚኸውን “ብስራት” ዝሓዘ እዩ። (ራእይ 14:6) ስለዚ ሰባት፡ መልእኽቲ ኣምላኽ ብግቡእ ምእንቲ ኺርድእዎ፡ መጽሓፍ ቅድስ በቲ ኺርድእዎ ዚኽእሉ ቛንቋ ኪትርጐም ኣድላዪ እዩ።

ሰለስተ ዓይነት ኣገባብ ኣተራጕማ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዘሎ።

  • ቃል ብቓል ዚግበር ትርጉም። እዚ ኣተራጕማ እዚ፡ ብቐጥታ ነቲ ቓል እዩ ዚትርጕም።

  • ሓሳባት ምትርጓም። ነቲ ኣብ በዅሪ ቛንቋ ዘሎ ሓሳብ ኬመሓላልፍ ዚኽእል ቃላት ተጠቒምካ ዚግበር ትርጉም እዩ።

  • ትርጉም ለውጢ ሓረግ። ናይ ቃላት ለውጢ ብምግባር ከተንብቦ ቐሊል ብዝዀነ መገዲ ዚግበር ትርጉም እዩ። ይኹን እምበር፡ ለውጢ ሓረግ ተጠቒምካ ዚግበር ትርጉም ኣብ ገለ እዋን ነቲ መልእኽቲ ኸም ዘይመሓላለፍ ኪገብር ይኽእል እዩ።

ጽቡቕ ኣተራጕማ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ቃል ብቓል ትርጉም ምስ ርዱእ ዝዀነ ዘመናዊ ቓላት ብምውህሃድ መልእኽቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ብንጹር ዜመሓላልፍ እዩ።e

ሓደ መጽሓፍ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ኪኸውን ዝወሰኖ መን እዩ፧

ኣምላኽ ከም ደራሲኡ መጠን ኣብ መጽሓፍ ቅድስ ዘሎ ትሕዝቶ ዝወሰኖ ባዕሉ እዩ። ኣብ መጀመርታ ኣምላኽ ንጥንታውያን ህዝቢ እስራኤል፡ ከም ሓለውቲ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብምምራጽ፡ ‘እቲ ቕዱስ ቃል ኣምላኽ ንዓታቶም ሕድሪ ሂብዎም እዩ።’—ሮሜ 3:2።

ዝጠፍኡ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዉ ድዮም፧

ኣይፋልን። መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ እዩ። “ዝጠፍአ” መጻሕፍቲ የሎን። ገሊኦም ንነዊሕ እዋን ተሓቢኡ ዝነበረ ጥንታዊ መጻሕፍቲ፡ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ኢሎም ይኣምኑ እዮም።f ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓቅነቱ ናይ ገዛእ ርእሱ መለክዒ ኣለዎ። (2 ጢሞቴዎስ 1:13) ብመሰረት እዚ መለክዒ እዚ፡ ብድራኸ መንፈስ ቅዱስ እተጻሕፈ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ንሓድሕዱ ምሉእ ብምሉእ ይሰማማዕ እዩ። ብዛዕባ እቲ ገሊኦም ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ኢሎም ዚሓስብዎ ናይ ጥንቲ ጽሑፋት ግና እዚ ኺብሃል ኣይክኣልን እዩ።g

ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚርከብ

ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እትረኽቦ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ 2 ጢሞቴዎስ 3:16 ከም ኣብነት ንውሰድ። እቲ ስም ንኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር፡ ማለት መጽሓፍ 2 ጢሞቴዎስ (ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ልሙድ መስርዕ መጽሓፍ ቅዱስ ርአ)። ድሕሪ እቲ ስም ዘላ ቐዳመይቲ ቝጽሪ፡ ንምዕራፍ ተመልክት፡ ማለት ምዕራፍ 3። እቲ ስዒቡ ዘሎ ቍጽሪ ወይ ቍጽርታት ንፍቕዲ የመልክት፡ ማለት ፍቕዲ 16።

ዝርዝር መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ (“ብሉይ ኪዳን”)

  • ታሪኽን ሕግን

    • ዘፍጥረት

    • ዘጸኣት

    • ዘሌዋውያን

    • ዘሁልቍ

    • ዘዳግም

  • ታሪኽ ህዝቢ እስራኤል

    • እያሱ

    • መሳፍንቲ

    • ሩት

    • 1ይን 2ይን ሳሙኤል

    • 1ይን 2ይን ነገስት

    • 1ይን 2ይን ዜና መዋእል

    • እዝራ

    • ነህምያ

    • ኣስቴር

  • ግጥሚ

    • እዮብ

    • መዝሙር

    • ምሳሌ

    • መክብብ

    • መሃልየ መሃልይ

  • ትንቢት

    • ኢሳይያስ

    • ኤርምያስ

    • ድጕዓ

    • ህዝቅኤል

    • ዳንኤል

    • ሆሴእ

    • ዮኤል

    • ኣሞጽ

    • ኦብድያ

    • ዮናስ

    • ሚክያስ

    • ናሆም

    • ኣንባቆም

    • ጸፎንያስ

    • ሃጌ

    • ዘካርያስ

    • ሚልክያስ

ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ (“ሓድሽ ኪዳን”)

  • ታሪኽ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ (ወንጌላት)

    • ማቴዎስ

    • ማርቆስ

    • ሉቃስ

    • ዮሃንስ

  • ታሪኽ እታ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ

    • ግብሪ ሃዋርያት

  • ናብ ክርስትያናውያን ጉባኤታት እተላእካ መልእኽትታት

    • ሮሜ

    • 1ይን 2ይን ቈረንቶስ

    • ገላትያ

    • ኤፌሶን

    • ፊልጲ

    • ቈሎሴ

    • 1ይን 2ይን ተሰሎንቄ

  • ናብ ክርስትያን ውልቀ ሰባት እተላእካ መልእኽትታት

    • 1ይን 2ይን ጢሞቴዎስ

    • ቲቶስ

    • ፊልሞን

  • ናብ ክርስትያናት ብሓፈሻ እተላእካ መልእኽትታት

    • እብራውያን

    • ያእቆብ

    • 1ይን 2ይን ጴጥሮስ

    • 1ይን 2ይን 3ይን ዮሃንስ

    • ይሁዳ

  • ትንቢት

    • ራእይ

a ዝርዝር መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስን መን ከም ዝጸሓፎን ኣበይ ከም እተጻሕፈን ንምፍላጥ፡ ኣብ “ሰሌዳ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ” ርአ።

b ገለ ውሑድ ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ምስ ቋንቋ እብራይስጢ ተቐራራቢ ዝዀነ ቛንቋ ኣራማይስጢ እዩ ተጻሒፉ።

c ብዙሓት ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ “ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡” ከምኡ እውን “ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ” ዚብል ኣጸዋውዓ እዮም ዚመርጹ። እዚ ኣጸዋውዓ እዚ፡ ነቲ “ብሉይ ኪዳን” ግዚኡ ዝሓለፎን “ብሓድሽ ኪዳን” ተተኪኡን እዩ ዚብል ስምዒት ከም ዘይህሉ ይገብር።

d “መጽሓፍ ቅዱስ ተቐይሩ ወይ መልእኽቱ ተጠውዩ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

e ብዙሓት ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ልክዕን ንምንባቡ ቐሊልን ስለ ዝዀነ፡ ኬንብብዎ ባህ እዩ ዚብሎም። “ትርጉም ሓዳስ ዓለም ልክዕነቱ ዝሓለወ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

f እዚ ጽሑፋት እዚ፡ ብእኩብ ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብመሰረት ኢንሳይክሎፐድያ ብሪታኒካ ‘ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት፡ እዛ ቓል እዚኣ፡ ነቲ ኻብ ቀኖናዊ ጽሑፋት ወጻኢ ዘሎ መጻሕፍቲ እያ እተመልክት።’ እዚ ማለት ከኣ፡ ካብቲ ኽፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ምዃኑ እተረጋገጸ መጻሕፍቲ ወጻኢ ማለት እዩ።

g ዝያዳ ንምፍላጥ፡ “ኣቡኸሪፋዊ ወንጌላት ብዛዕባ የሱስ ሕቡእ ሓቅታት ይገልጽ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ