መንእሰያት ዚሓትትዎ
ብሓንሳእ ብዙሕ ንጥፈታት ክትዓምም ምፍታንሲ ጽቡቕ ድዩ፧
ብሓንሳእ ብዙሕ ንጥፈታት ክትዓምም ትኽእልዶ፧
ብሓንሳእ ብዙሕ ንጥፈታት ክትዓምም ትኽእልዶ፧ ብዙሓት ሰባት፡ እቶም “ዲጂታዊ ደቀባት” ዚብሃሉ ምስ ተክኖሎጂ ዝዓበዩ ሰባት ካብቶም “ዲጂታዊ ስደተኛታት” ዚብሃሉ ምስ ተክኖሎጂ ደንጕዮም እተላለዩ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ንላዕሊ ብሓንሳእ ብዙሕ ንጥፈታት ኪዓምሙ ኸም ዚኽእሉ ይመስሎም እዩ። እዚ ግና ሓቂ ድዩ፧
ሓቂዶ ሓሶት፧
ብሓንሳእ ብዙሕ ንጥፈታት ምዕማም ግዜ ይቝጥብ እዩ።
ነቲ ብሓንሳእ ብዙሕ ንጥፈታት ናይ ምዕማም ክእለትካ ብልምምድ ከተመሓይሾ ትኽእል ኢኻ።
መንእሰያት፡ ብዕድመ ኻብ ዝደፍኡ ሰባት ንላዕሊ ብሓንሳእ ብዙሕ ንጥፈታት ኪዓምሙ ይኽእሉ እዮም።
ንሓዲኡ ኻብዚ ሓሳባት እዚ “ሓቂ” ኢልካ እንተ መሊስካ፡ በቲ “ብሓንሳእ ብዙሕ ብዛዕባ ምዕማም ዚውረ ጽውጽዋይ” ተዓሺኻ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።
ብሓንሳእ ብዙሕ ብዛዕባ ምዕማም ዚውረ ጽውጽዋይ
ብሓንሳእ ክልተ ነገር ክትዓምም ትኽእልዶ ይመስለካ፧ ልክዕ እዩ፡ ኣትኵሮኻ ኸይተሰርቀ፡ ገሊኡ ንጥፈታት ብሓንሳእ ክትዓምም ትኽእል ትኸውን። ንኣብነት፡ ሙዚቃ እናሰማዕካ ኽፍልኻ እንተ ኣጽሪኻ፡ ንኽፍልኻ ጽቡቕ ከተጽርያ ትኽእል ትኸውን።
ኰይኑ ግና፡ ኣትኵሮ ዜድልዮ ኽልተ ዕዮ ብሓንሳእ ክትዓምም እንተ ፈቲንካ፡ ንኽልቲኡ ኢኻ እተበላሽዎ። ምናልባት እውን በዚ ምኽንያት እዚ እያ እትኸውን ካተሪን እትብሃል መንእሰይ ነቲ ብሓንሳእ ብዙሕ ንምዕማም ዚግበር ጻዕሪ፡ “ብሓንሳእ ዅሉ ናይ ምብልሻው ክእለት” ኢላ ገሊጻቶ ዘላ።
“ምስ ሓደ እናተዛረብኩ ብተክስት ምላሽ ኪህበሉ ዜድሊ መልእኽቲ መጺኡኒ። ክልቲኡ ብሓንሳእ ክገብሮ ፈቲነ። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ንመብዛሕትኡ እቲ ሰብ ዚዛረበኒ ዝነበረ ኣይሰማዕክዎን፣ ኣብቲ ዝልእኮ መልእኽቲ እውን ዳርጋ ኣብ ኵሉ ቓላት ናይ ፊደላት ጌጋ ገይረ።”—ኬለብ።
ሸሪ ተርክል ዝስማ ኽኢላ ተክኖሎጂ ኸምዚ ኢላ ጽሒፋ ኣላ፦ “ብሓንሳእ ብዙሕ ንዓምም ኰይኑ ኣብ ዚስምዓና እዋን፡ . . . ሓድሽ ዕማም ብዝወሰኽና መጠን፡ ነቲ ዕማም ናይ ምዕማም ዓቕምና እናነከየ እዩ ዚኸይድ። ብሓንሳእ ብዙሕ ኽንዓምም ከለና ሓንጐልና ሓይሊ ዝወሰኸ ስለ ዚመስሎ፡ ብዝሓሸ ንዓዪ ዘሎና ይመስለና እዩ፣ ከም ሓቂ ግና እናኣበላሸና ኢና እንኸይድ።”a
“ሓድሓደ ግዜ ንሓደ ሰብ ብተክስት እናመለስኩሉ፡ ንኻልእ ክዛረቦ ኸለኹ ጽቡቕ ዝዓምም ዘለኹ ይመስለኒ እዩ። ከም ሓቂ ግና፡ ነቲ ብተክስት እተጻሕፈለይ ዓው ኢለ መሊሰ፡ ብኣፍ ክምልሶ ዚግባእ እውን ብተክስት መሊሰ እፈልጥ እየ!”—ታማራ።
ብሓንሳእ ብዙሕ ንጥፈታት ኪዓምሙ ዚደልዩ ሰባት፡ ባዕሎም እዮም ናብ ህይወቶም ሽግር ዚዕድሙ። ንኣብነት፡ ዕዮ ገዛ ንምውዳእ ዝነውሐ ግዜ እዩ ዚወስደሎም። ወይ ድማ ከም እተወድአ ገይሮም ዝሓሰብዎ ዕዮ ዳግም ንምዕያይ ተወሳኺ ግዜ የሕልፉ እዮም። እንተ በዚ እንተ በቲ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ብዙሕ ናጻ ግዜ ኣይተርፎምን እዩ!
ስለዚ ድማ፡ ቶማስ ከርስቲን ዚብሃል ክኢላ ሳይኮተራፒን ኣማኻሪ ቤት ትምህርትን ከምዚ ይብል፦ “ንሓንጐልና ኸም ሓደ ዜድሊ ሓበሬታ ብጽፈት ዚቕመጠሉ መቐመጢ ፋይላት ዝዀነ ኸብሒ ጌርና እንተ ርኢናዮ፡ ናይቶም ብሓንሳእ ብዙሕ ኪዓምሙ ዚፍትኑ ሰባት ሓንጐል ሕንፍሽፍሽ ዝበለ እዩ ዚኸውን።”b
“ብሓንሳእ ብዙሕ ኽትዓምም ብዝፈተንካ መጠን፡ ብዙሕ ዝርዝር ነገራት እዩ ኸይተፈጸመ ዚተርፍ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ተወሳኺ ስራሕ ኢኻ እትፈጥር፡ ክትቍጥቦ ዝሓሰብካ ግዜ እውን ኢኻ እተባኽን።”—ተሪሳ።
ብሓንሳእ ብዙሕ ንጥፈታት ክትዓምም ምፍታን፡ ብሓንሳእ ኣብ ክልተ መገዲ ኽትዝውር ከም ምፍታን እዩ
ዝሓሸ ሜላ
ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሓደ ዕማም ንምትኳር ገዛእ ርእስኻ ኣሰልጥን። ብዙሕ ንጥፈታት ብሓንሳእ ናይ ምፍጻም ልማድ እንተ ኣልዩካ፡—ንኣብነት፡ እናኣጽናዕካ ተክስት ምግባር ትፈቱ እንተ ዄንካ፡—ኣብ ሓደ ዕማም ጥራይ ምትኳር የጸግመካ ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ‘እቲ ዚሓይሽ መርምሩ’ ኢሉ ይላበወና እዩ። (ፊልጲ 1:10) ኵሉ ዕማም ማዕረ ኣገዳስነት የብሉን። ስለዚ፡ ኣየናይ ቀዳምነት ኪውሃቦ ኸም ዚግባእ ወስን፣ ድሕሪኡ፡ ንዕኡ ኽሳዕ እትዛዝም ኣብኡ ኣተኵር።
“ኬተኵር ዘይክእል ኣእምሮ ኸም እግሪ ተኽሊ ቘልዓ እዩ፣ ሓድሓደ ግዜ፡ ዝደለዮ ኽትህቦ ዚቐልል እኳ እንተ መሰለ፡ ክትኣብዮ ኣሎካ።”—ማሪያ።
ኣቓልቦ ዜስግል ነገራት ኣወግድ። እናኣጽናዕካ ተሌፎንካ ኽትርኢ ትፍተን ዲኻ፧ ንተሌፎንካ ኣብ ካልእ ክፍሊ ግበራ። ቲቪ ኣጥፍእ፡ ንመራኸቢ ብዙሓን እሞ ኸኣ ጠሪስካ ኣይትሕሰቦ! መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ንግዜኹም ብዝበለጸ ተጠቐሙሉ’ ይብለና እዩ።—ቈሎሴ 4:5።
“ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሓደ ነገር ጥራይ ምትኳር ዝሓሸ ዀይኑ ረኺበዮ እየ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ነቲ ዕማም እቲ ኻብቲ ኽገብሮ ኢለ ዝጸሓፍክዎ ዝርዝር ሰሪዘ ናብቲ ዚቕጽል ክኸይድ ከለኹ፡ ብዝያዳ ሓጐስ ይስምዓኒ እዩ። እዚ ብስራሐይ ዕግበት ከም ዚስምዓኒ ይገብር እዩ።”—ኦንያ።
ሰብ ኪዛረበካ ኸሎ፡ ምሉእ ኣቓልቦኻ ሃቦ። ሰብ እናተዛረበካ ኸሎ ተሌፎንካ ምትዅታዅ፡ ግዜ ዜባኽን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናይ ስድነት ተግባር እውን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከምቲ ሰባት ኪገብሩልና እንደልዮ ኽንገብር ይምዕደና እዩ።—ማቴዎስ 7:12።
“ሓድሓደ ግዜ፡ ንሓብተይ እናተዛረብክዋ፡ ንሰብ ተክስት ትገብር ወይ ኣብ ተሌፎና ኻልእ ነገራት ትገብር እያ። እዚ ኣመና እዩ ዜበሳጭወኒ! ሓቂ ይሓይሽ ግና፡ ሓድሓደ ግዜ ኣነ እውን ከምኡ እገብር እየ!”—ዴቪድ።