ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 110
  • ክጥመቕዶ፧—2ይ ክፋል፦ ንጥምቀት ምድላው

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክጥመቕዶ፧—2ይ ክፋል፦ ንጥምቀት ምድላው
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክንደይ እየ ኽፈልጥ ዘሎኒ፧
  • እንታይ እየ ኽገብር ዘሎኒ፧
  • ኣቱም መንእሰያት፡—ከመይ ጌርኩም ንጥምቀት ክትዳለዉ ትኽእሉ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ክጥመቕዶ፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ክትጥመቕ ተዳሊኻ ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ጥምቀት—ኣገዳሲ ሸቶ!
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 110
ሓንቲ መንእሰይ ብመጽሓፍ ቅዱስን ብመጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ገይራ ብዛዕባ ጥምቀት ምርምር ትገብር።

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ክጥመቕዶ፧—2ይ ክፋል፦ ንጥምቀት ምድላው

ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዕካ ትነብር፡ ምስ ኣምላኽ እውን ዕርክነት ተማዕብል እንተ ኣሊኻ፡ ብዛዕባ ጥምቀት ክትሓስብ ትጅምር ኢኻ። እሞ ደኣ ነዚ ስጕምቲ እዚ ኸም እተዳሎኻ ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧a

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

  • ክንደይ እየ ኽፈልጥ ዘሎኒ፧

  • እንታይ እየ ኽገብር ዘሎኒ፧

  • መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ክንደይ እየ ኽፈልጥ ዘሎኒ፧

ንጥምቀት ክትዳሎ ኸለኻ፡ ከምቲ ገሊኦም ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዚውሃቦም መርመራ ዚገብርዎ ኽትገብር፡ ማለት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቅታት ክትሽምድድ የብልካን። እንተዀነ ግና፡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምዃኑ ምእንቲ ኽትኣምን፡ ‘ንኣእምሮኻ ኽትጥቀመሉ’ ኣሎካ። (ሮሜ 12:1) ንኣብነት፦

  • ኣምላኽ ከም ዘሎን ከተምልኾ ኸም ዚግብኣካን ትኣምን ዲኻ፧

    መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “እቲ ናብ ኣምላኽ ዚቐርብሲ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ኣጸቢቖም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን ኪኣምን ይግብኦ እዩ።”—እብራውያን 11:6።

    ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘ስለምንታይ እየ ብኣምላኽ ዝኣምን፧’ (እብራውያን 3:4) ‘ስለምንታይ እዩ ኣምልኾ ዚግብኦ፧’—ራእይ 4:11።

    ሓገዝዶ ትደሊ፧ “ፍጥረትዶ ወይስ ፍልቀት፧—1ይ ክፋል፦ ስለምንታይ እየ ብኣምላኽ ዝኣምን፧” ርአ።

  • ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መልእኽቲ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝመጸስ ትኣምን ዲኻ፧

    መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡ ንምምሃርን ንምግናሕን ንምቕናዕን ብጽድቂ ንምግሳጽን ከኣ ዚጠቅም እዩ።”—2 ጢሞቴዎስ 3:16።

    ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሰብ ከም ዘይኰነ ዝኣምን ስለምንታይ እየ፧’—ኢሳይያስ 46:10፣ 1 ተሰሎንቄ 2:13።

    ሓገዝዶ ትደሊ፧ “መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዘኒ ይኽእል፧—1ይ ክፋል፦ ንመጽሓፍ ቅዱስካ ፍለጦ” ርአ።

  • የሆዋ ፍቓዱ ንምፍጻም ብክርስትያናዊት ጉባኤ ኸም ዚጥቀምሲ ትኣምን ዲኻ፧

    መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ንዕኡ [ንኣምላኽ] በታ ጉባኤን ብክርስቶስ የሱስን ንዅሉ ውሉድ ወለዶ ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹኖ።”—ኤፌሶን 3:21።

    ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዝምሃሮ ትምህርትታት ካብ ሰብ ከም ዝመጸ ገይረ ድየ ዝርእዮ፡ ወይስ ካብ የሆዋ፧’ (ማቴዎስ 24:45) ‘ወለደይ ኣብ ዘይክእሉሉ ኣጋጣሚታት እኳ፡ ናብ ኣኼባታት እኸይድ ድየ (ማለት ዚፍቀደልካ እንተ ዀይኑ)፧’—እብራውያን 10:24, 25።

    ሓገዝዶ ትደሊ፧ “ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚግበር ኣኼባታት ክትእከብ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧” ርአ።

እንታይ እየ ኽገብር ዘሎኒ፧

ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ፡ ፍጹም ክትከውን ኣየድልየካን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ‘ካብ ክፉእ ንምርሓቕ፡ ሰናይ ድማ ንምግባር’ ብሓቂ ድሌት ኪህልወካ ኣለዎ። (መዝሙር 34:14) ንኣብነት፦

  • ምስ መለክዒታት የሆዋ ተሰማሚዐ ድየ ዝመላለስ፧

    መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ሰናይ ሕልና ይሃሉኹም።”—1 ጴጥሮስ 3:16።

    ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘“ልቦናይ ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ከም ዝሰልጠነ” ብኸመይ ኣርእየ፧’ (እብራውያን 5:14) ‘ካብ መዛኖይ ንዚወርደኒ ኣሉታዊ ጸቕጢ እተጻረርኩሉ ኣጋጣሚታት ኣሎዶ፧ ኣዕሩኸይ ቅኑዕ ኽገብር ድዮም ዜተባብዑኒ፧’—ምሳሌ 13:20።

    ሓገዝዶ ትደሊ፧ “ንሕልናይ ብኸመይ ከሰልጥኖ እኽእል፧” ርአ።

  • ብተግባራትካ ተሓታቲ ምዃንካስ ትቕበሎ ዲኻ፧

    መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ነፍሲ ወከፍና ብዛዕባ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ።”—ሮሜ 14:12።

    ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘ንገዛእ ርእሰይ ኰነ ንኻልኦት ብቕንዕና እግምግም ድየ፧’ (እብራውያን 13:18) ‘ጌጋታተይ እእመን ድየ፡ ወይስ ክሓብኦን ናብ ካልኦት ክልጥፎን እየ ዝጽዕር፧’—ምሳሌ 28:13።

    ሓገዝዶ ትደሊ፧ “ንጌጋታተይ ብኸመይ ክሕዞ እኽእል፧” ርአ።

  • ምስ የሆዋ ዕርክነት ኣሎካዶ፧

    መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ።”—ያእቆብ 4:8።

    ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘በየናይ መገድታት እየ ንየሆዋ ዝቐርቦ ዘለኹ፧’ ንኣብነት፡ ከምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ክሳዕ ክንደይ እየ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብብ፧’ (መዝሙር 1:1, 2) ‘ኣዘውቲረ እጽሊ ድየ፧’ (1 ተሰሎንቄ 5:17) ‘ኣብ ጸሎተይ ንጹር ነጥብታት እጠቅስ ድየ፧ ምስ ፈተውቲ የሆዋ ድየ ዝተዓራረኽ፧’—መዝሙር 15:1, 4።

    ሓገዝዶ ትደሊ፧ “መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዘኒ ይኽእል፧—2ይ ክፋል፦ ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ባህ ዜብል ግበሮ” ኸምኡ ድማ “ስለምንታይ እየ ኽጽሊ ዘሎኒ፧” ርአ።

ምኽሪ፦ ንጥምቀት ንምድላው፡ ኣብታ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ምዕራፍ 37 ኣንብብ። ምናዳ ነቲ ኣብ ገጽ 308ን 309ን ዚርከብ ወረቐት ዕዮ ኣስተብህለሉ።

a ርእስኻ ንኣምላኽ ምውፋይን ምጥማቕን ዘለዎ ትርጉም ንምፍላጥ፡ “ክጥመቕዶ፧—1ይ ክፋል” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ጋብሪኤላ።

“እቲ ኣብታ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታት እትብሃል መጽሓፍ ዘሎ ንጥምቀት ዚምልከት ወረቐት ዕዮ፡ ቅድሚ ምጥማቐይ ከመሓይሾ ዘሎኒ መዳያት ክርኢ ሓጊዙኒ እዩ። ድሕሪ ጥምቀት ክገብሮ ዝደሊ ሸቶታት ከውጽእ እውን ሓጊዙኒ እዩ። ርእስኻ ንየሆዋ ምውፋይ ዓብዪ ሓላፍነት እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሰብ ኪረኽቦ ዚኽእል ካብ ኵሉ ዝዓበየ መሰል እውን እዩ።”—ጋብሪኤላ።

ኬለብ።

“ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንጢሞቴዎስ፡ ‘በቲ እተመሃርካዮን ዝኣመንካሉን ጽናዕ’ ተባሂሉ ተነጊርዎ እዩ።” (2 ጢሞቴዎስ 3:14) “ግዜ ወሲድካ፡ ቃል ኣምላኽ ኣጽንዕ፣ በዚ ኸምዚ፡ ትምህርትታቱ ሓቂ ምዃኑ ኻብ ልብኻ ትኣምነሉ። ርእስኻ ንየሆዋ ደኣ እምበር፡ ንሰባት ኣይኰንካን እትውፊ፣ ስለዚ፡ ብዛዕባ ጥምቀት ክትሓስብ ከለኻ፡ ብቐዳምነት የሆዋ እንታይ ከም ዚስምዖ እዩ ኼተሓሳስበካ ዘለዎ።”—ኬለብ።

ክለሳ፦ ከመይ ገይረ እየ ንጥምቀት ዝዳሎ፧

እምነትካ መርምር። ኣምላኽ ከም ዘሎ፡ ከተምልኾ ኸም ዚግባእ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ ምዃኑ፡ የሆዋ ፍቓዱ ንምፍጻም ውድብ ይጥቀም ከም ዘሎ ትኣምን ዲኻ፧

ኣካይዳኻ መርምር። ብመለክዒታት የሆዋ ዲኻ እትመላለስ ዘለኻ፧ ብተግባራትካ ተሓታቲ ምዃንካስ ትቕበሎ ዲኻ፧ ምስ የሆዋ ዕርክነት ኣሎካዶ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ