ንቕሑ!
ክርስትያን ዚብሃል ሰብ ብኸመይ ኪመላለስ ይግባእ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
ሎሚ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ብዙሓት ሰባት ‘ክርስትያናት ኢና’ ይብሉ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ንሰባት ዚጐድእ ነገራት ይገብሩ እዮም። ገሊኦም ፈተውቲ ርእሶም፡ መጠፋፋእቲ፡ ወይ ሕሱማት እዮም። ገሊኦም ከኣ ኣብ ሓዳሮም እሙናት ኣይኰኑን። ብሰንኪ እዚ ኣካይዳኦም ከኣ፡ ገሊኦም ሰባት፡ ‘ክርስትያን ዚብሃል ሰብ ብኸመይ እዩ ኺመላለስ ዚግባእ፧’ ኢሎም ይሓትቱ እዮም።
ክርስትያን ዚብሃል ሰብ ብኸመይ እዩ ኺመላለስ ዚግባእ፧
ሓደ ሰብ ብቐሊሉ ‘ክርስትያን እየ’ ኺብል ይኽእል እዩ። ክርስትያን ምዃን ግና ካብዚ ንላዕሊ እዩ ዜጠቓልል። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ክርስትያን ኪብሃል ከሎ፡ ወደ መዝሙር የሱስ ክርስቶስ ማለት እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 11:26) የሱስ ባዕሉ እኳ፡ “ኣብ ቃለይ እንተ ጸኒዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ዮሃንስ 8:31) ዋላ ሓደ ሰብ ንቓላት የሱስ ምሉእ ብምሉእ ኪሕልዎ ኸም ዘይክእል ዚከሓድ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ሓደ ክርስትያን ንትምህርትታት የሱስ ንምስዓብን ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ብመለክዒታት የሱስ ንምምልላስን ይጽዕር እዩ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።
ክርስትያናት ጥቕሚ ርእሳ ዘይትደሊ ፍቕሪ የርእዩ
የሱስ እንታይ ኢሉ፧ “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ንስኻትኩም እውን ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ። ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣልያትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ።”—ዮሃንስ 13:34, 35።
የሱስ እንታይ ገይሩ፧ የሱስ በቲ ሰባት ዝነበሮም ማሕበራዊ ደረጃ ወይ ድሕረ ባይታ ኸይተጸልወ፡ ንዅሎም ሰባት ጥቕሚ ርእሳ ዘይትደሊ ፍቕሪ ኣርኣየ። ሕሙማት ኣሕወየ፡ ጥሙያት ዓንገለ፡ ህይወቱ እኳ በጃ ኽትከውን ሃበ።—ማቴዎስ 14:14-21፣ 20:28።
ክርስትያናት ብኸመይ ይመላለሱ፧ ክርስትያናት ለጋሳትን ዘይመዳለውትን ይቕረ በሃልትን ብምዃን፡ ጥቕሚ ርእሳ ዘይትደሊ ፍቕሪ የርእዩ እዮም። ንእተሸገሩ ይሕግዙ እዮም፡ ምእንቲ ኻልኦት መስዋእቲ ንምግባር እውን ፍቓደኛታት እዮም።—1 ዮሃንስ 3:16።
ክርስትያናት ብቕንዕና ይመላለሱ
የሱስ እንታይ ኢሉ፧ “ሓቂ . . . ኣነ እየ።”—ዮሃንስ 14:6።
የሱስ እንታይ ገይሩ፧ የሱስ ኣብ ኵሉ እቲ ዚብሎን ዚገብሮን ነገራት ሓቀኛ እዩ ነይሩ። ንዋላ ሓደ ኣየታለለን፣ ዜጋጊ ዘረባ እውን ካብ ኣፉ ኣይወጸን። ተቓውሞ ኣብ ዜምጽኣሉ እዋን እኳ፡ ብቕንዕና ብምምላስ እዩ ዚፍለጥ ዝነበረ።—ማቴዎስ 22:16፣ 26:63-67።
ክርስትያናት ብኸመይ ይመላለሱ፧ ክርስትያናት ኣይሕስዉን እዮም፣ ግብሪ ይኸፍሉ እዮም፣ ኣይሰርቁን እዮም፣ ንኣስራሕቶም ከኣ ብቕንዕና የገልግልዎም እዮም። (ሮሜ 13:5-7፣ ኤፌሶን 4:28) ንዋላ ሓደ ኣይዕምጹን እዮም፣ ኣብ ናይ ትምህርቲ ፈተና ኣይቀድሑን እዮም፣ ኣብ ወረቐት መድለዪ ስራሕ ወይ ኣብ ካልእ ሰነዳት ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣየስፍሩን እዮም።—እብራውያን 13:18።
ክርስትያናት ብለውሃት ይመላለሱ
የሱስ እንታይ ኢሉ፧ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ናባይ ንዑ፡ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እየ። ኣነ ልኡምን ትሑት ዝልቡን እየ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ፡ ካባይ እውን ተምሃሩ፣ ንርእስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ከመይሲ፡ ኣርዑተይ ምሹእ፡ ጾረይ እውን ፈኲስ እዩ።”—ማቴዎስ 11:28-30።
የሱስ እንታይ ገይሩ፧ የሱስ ተቐራብን ልኡምን እዩ ነይሩ። ንቘልዑ ጽቡቕ ገይሩ ተቐቢሉ፡ ንእተጨነቑ ኣጸናኒዑ፡ ንሰባት እውን ብኣኽብሮት ሒዙ እዩ።—ማርቆስ 10:13-15፣ ሉቃስ 9:11።
ክርስትያናት ብኸመይ ይመላለሱ፧ ክርስትያናት ንሰባት ብለውሃት እዮም ዚዛረብዎም። ስለዚ፡ ናይ ስድነት ወይ ሃሳዪ ነገር ኣይገብሩን እዮም። (ኤፌሶን 4:29, 31, 32) ብዛዕባ ሰባት ይግደሱ፡ ንምሕጋዞም እውን ዚከኣሎም ይገብሩ እዮም።—ገላትያ 6:10።
ክርስትያናት ኣብ ሓዳሮም እሙናት እዮም
የሱስ እንታይ ኢሉ፧ “ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍለዮ።”—ማርቆስ 10:9።
የሱስ እንታይ ገይሩ፧ የሱስ ጠሪሱ ሓዳር እኳ እንተ ዘይገበረ፡ ንሰብ ሓዳር ግና ንሓድሕዶም እሙናት ኪዀኑ ኣተባቢዑ እዩ። (ማቴዎስ 19:9) ንመውስቦ ኼፍርስ ብዛዕባ ዚኽእል ተግባራት እውን ኣጠንቂቑ እዩ።—ማቴዎስ 5:28።
ክርስትያናት ብኸመይ ይመላለሱ፧ ክርስትያናት ንመውስቦ ኻብ ዜሕስር ተግባር ይርሕቁ እዮም። (እብራውያን 13:4) ሰብ ሓዳር ከኣ ይፋቐሩን ይከባበሩን እዮም።—ኤፌሶን 5:28, 33።