ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwfq ዓንቀጽ 10
  • መስራቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መን እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መስራቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መን እዩ፧
  • ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ንህዝቡ ይእክቦም ንዕዮ ኸኣ የዕጥቖም
    ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ኣብ ብዘላ ዓለም ሓቢሮም ፍቓድ ኣምላኽ ይፍጽሙ
  • መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ተወሊዳ
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር—እምነት ብግብሪ፡ 1ይ ክፋል፦ ካብ ጸልማት ምውጻእ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ራስል ንዘዳለዎ ጽሑፋት ዘማሰዉሉ ኽልተ ኣቕሽሽቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
ijwfq ዓንቀጽ 10
የሱስን ደቀ መዛሙርቱን

መስራቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መን እዩ፧

ኣብዚ ግዜ እዚ ዘሎ ውድብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መወዳእታ መበል 19 ዘመን እዩ ጀሚሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ጥቓ ፒትስበርግ፡ ፐንሲልቨንያ፡ ሕ.መ.ኣ ዚነብሩ ዝነበሩ ሒደት ጕጅለ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብሜላ ኼጽንዕዎ ጀመሩ። ነቲ ኣብያተ ክርስትያን ዚምህራኦ ሰረተ እምነት ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ኣነጻጸርዎ። ነቲ ዝፈለጥዎ ድማ፡ ኣብ መጻሕፍትን ኣብ ጋዜጣታትን ኣብታ ሕጂ መንግስቲ ኣምላኽ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ እትብሃል መጽሔትን ኬሕትምዎ ጀመሩ።

ሓደ ኻብቶም ጕጅለ ቕኑዓት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቻርለስ ቴዝ ራስል እዩ ነይሩ። ራስል ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ዚግበር ዝነበረ ዕዮ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ መሪሕ ግደ ነይርዎ እዩ፡ ኣሰናዳዊ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ እውን እዩ ነይሩ፣ መስራቲ ሓድሽ ሃይማኖት ግና ኣይነበረን። ዕላማ ራስልን እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዚጽውዑ ዝነበሩ ጕጅለን፡ ትምህርትታት የሱስ ክርስቶስ ምስፍሕፋሕን ንልምድታት እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስዓብን እዩ ነይሩ። የሱስ መስራቲ ክርስትና ስለ ዝዀነ፡ ከም መስራቲ ውድብና ጌርና ኢና እንርእዮ።—ቈሎሴ 1:18-20።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ