ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 48
  • ኣምላኽ ንድያብሎስ ፈጢርዎ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ንድያብሎስ ፈጢርዎ ድዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣምላኽ ንድያብሎስ ፈጢርዎ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ጸላኢ ናይ ዘለኣለም ህይወት
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • ድያብሎስ ማሪታዊ እምነት ጥራይ ኣይኰነን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 48
እቲ ዓለወኛ መልኣኽ፡ ድያብሎስ ኰይኑ

ኣምላኽ ንድያብሎስ ፈጢርዎ ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንድያብሎስ ከም ዘይፈጠሮ እዩ ዚገልጽ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣምላኽ ነቲ ጸኒሑ ድያብሎስ ዝዀነ መልኣኽ እዩ ፈጢሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪገልጽ ከሎ፡ “ኵሉ መገድታቱ ፍትሒ እዩ እሞ፡ . . . ተግባሩ ፍጹም እዩ። ከቶ ዘይዕምጽ ኣምላኽ ተኣማንነት፡ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ ንሱ” ይብል። (ዘዳግም 32:3-5) ካብዚ ሓሳብ እዚ ኸም እንርድኦ፡ ሰይጣን ድያብሎስ፡ ኣብ ፈለማ ኸም ሓደ ኻብቶም ኣምላኽ ዝፈጠሮም መላእኽቲ መጠን፡ ፍጹምን ጻድቕን እዩ ነይሩ።

የሱስ ኣብ ዮሃንስ 8:44 ብዛዕባ ድያብሎስ ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣብ ሓቂ ኣይጸንዐን” ኢሉ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ፡ ሰይጣን ኣብ ሓደ እዋን ሓቀኛን ንጹህን ከም ዝነበረ ዚሕብር እዩ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ደሓር ሰይጣን ዝዀነ መልኣኽ፡ ልክዕ ከምቶም ካልኦት የሆዋ ዝፈጠሮም መስተውዓልቲ ፍጡራት፡ ቅኑዕን ጌጋን ናይ ምምራጽ ናጽነት ነይርዎ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንኣምላኽ ኪጻረሮ ስለ ዝመረጸን ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ኪሓብርዎ ስለ ዘለዓዓሎምን ሰይጣን ማለት “ተጻራሪ” ዀይኑ።—ዘፍጥረት 3:1-5፣ ራእይ 12:9።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ