ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 53
  • ምስ ሞትካ እንታይ ኢኻ እትኸውን፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስ ሞትካ እንታይ ኢኻ እትኸውን፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • መናፍስቲ፡ ኣብ ምድሪ ብህይወት ነይሮም ዝሞቱ ሰባት ኣይኰኑን
    መናፍስቲ ምዉታት ኪረድኡኻ ወይ ኪጐድኡኻ ይኽእሉዶ፧ ንምዃኑ ኣለዉዶ፧
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ሕቶ 2፦ ምስ ሞትኩ እንታይ እየ ክኸውን፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ምዉታት ኣበይ እዮም ዘለዉ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 53

ምስ ሞትካ እንታይ ኢኻ እትኸውን፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፣ ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን እዮም” ይብል እዩ። (መክብብ 9:5፣ መዝሙር 146:4) ስለዚ፡ ምስ ሞትና ህልውናና የብቅዕ እዩ። ምዉታት ገለ እኳ ኺሓስቡ ወይ ኪገብሩ ኣይክእሉን እዮም፣ ዋላ ሓንቲ እውን ኣይስምዖምን እዩ።

“ናብ ሓመድ ድማ ክትምለስ ኢኻ”

ኣምላኽ ነቲ ቐዳማይ ሰብ ዝዀነ ኣዳም ኣብ እተዛረበሉ እዋን፡ ምስ ሞትና እንታይ ከም እንኸውን ገሊጹ እዩ። ኣዳም ስለ ዘይተኣዘዘ፡ ኣምላኽ ንዕኡ፡ “ሓመድ ኢኻ እሞ፡ ናብ ሓመድ ድማ ክትምለስ ኢኻ” በሎ። (ዘፍጥረት 3:19) ኣምላኽ ንኣዳም “ካብ ሓመድ ምድሪ” ቕድሚ ምፍጣሩ፡ ኣዳም ህልውና ኣይነበሮን። (ዘፍጥረት 2:7) ብተመሳሳሊ፡ ኣዳም ምስ ሞተ፡ ናብ ሓመድ ተመሊሱን ህልውናኡ ኣብቂዑን እዩ።

ኵነታት እቶም ኣብዚ ግዜና ዚሞቱ እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰባትን እንስሳታትን፡ “ኵላቶም ካብ ሓመድ ይመጹ፡ ኵላቶም ድማ ናብ ሓመድ ይምለሱ” ይብል እዩ።—መክብብ 3:19, 20።

ሞት ንዅሉ ሰብ ኣይኰነን መወዳእታ ዅሉ ነገር ዚኸውን

መጽሓፍ ቅዱስ ንሞት፡ ብዙሕ ሳዕ ምስ ድቃስ የመሳስሎ እዩ። (መዝሙር 13:3፣ ዮሃንስ 11:11-14፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:60) ዓሚቝ ድቃስ ዝደቀሰ ሰብ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዚኸውን ኣይፈልጥን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ምዉታት ዋላ ሓንቲ ኣይፈልጡን እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንምዉታት፡ ከምቲ ካብ ድቃስ ዜበራብሮም ገይሩ ኼተንስኦምን ዳግም ህይወት ኪህቦምን ከም ዚኽእል፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር እዩ። (እዮብ 14:13-15) እምበኣር፡ ነቶም ኣምላኽ ካብ ምዉታት ዜተንስኦም ሰባት፡ ሞት መወዳእታ ዅሉ ነገር ማለት ኣይኰነን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ