ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 23
  • ሰባት ይሓምዩኒ እንተ ኣልዮምከ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሰባት ይሓምዩኒ እንተ ኣልዮምከ፧
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጐዳኢ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • እቲ ዜሕዝን፡ ክትዓግቶ ኣይትኽእልን ኢኻ
  • እቲ ዜሐጕስ፡ ከም ዘይቈጻጻርካ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ
  • ሕሜት እንታይ ጕድኣት ኣለዎ፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ሕሜት እንታይ ጕድኣት ኣለዎ፧
    ንቕሑ!—1999
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 23

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ሰባት ይሓምዩኒ እንተ ኣልዮምከ፧

  • ሕቶታት ብዛዕባ ሕሜት

  • ጐዳኢ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • እቲ ዜሕዝን፡ ክትዓግቶ ኣይትኽእልን ኢኻ

  • እቲ ዜሐጕስ፡ ከም ዘይቈጻጻርካ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ

ሕቶታት ብዛዕባ ሕሜት

  1. ሓደ ዓርክኻ ኸም ዝሓመየካ ትፈልጥ። ነቲ ነገር ሸለል ኢልካ ምሕላፍ ይኸብደካ ድዩ፧

    • ኣይከብደንን

    • ይኸብደኒ

    • ፈጺመ ኣይክእሎን

  2. ሓደ ዓርክኻ ኸም ዝሓመየካ ትፈልጥ። ብዛዕባኡ ብህድኣት ክትዛረቦ ይኸብደካ ድዩ፧

    • ኣይከብደንን

    • ይኸብደኒ

    • ፈጺመ ኣይክእሎን

  3. ሓደ ዓርክኻ ኸም ዝሓመየካ ትፈልጥ። ንስኻ ድማ ብዛዕባ እቲ ሰብ ዜስደምም ወረ ትፈልጥ ትኸውን፡ ሕነ ኻብ ምፍዳይ ክትቝጠብ ይኸብደካ ድዩ፧

    • ኣይከብደንን

    • ይኸብደኒ

    • ፈጺመ ኣይክእሎን

ንሓደ ኻብዚ ሕቶታት፡ “ይኸብደኒ፡” ወይ “ፈጺመ ኣይክእሎን” ኢልካ እንተ መሊስካ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንሕሜት ብዝሓሸ መገዲ ንኽትዋጽኣሉ ኽትሕግዘካ እያ።

ጐዳኢ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ገሊኡ ወረ ኣዝዩ ሃሳዪ እዩ። ንኣብነት፡ ስምካ ንምብልሻው ተባሂሉ ዀነ ኢልካ ዚውረ ሓሶት ኪጥቀስ ይከኣል። እቲ ወረ ኸቢድ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ፈታውየይ ኢልካ እትሓስቦ ሰብ ኣውርይዎ እንተ ዀይኑ ግና ይጐድኣካ እዩ።—መዝሙር 55:12-14።

“ሓንቲ መሓዛይ፡ ብዛዕባ ኻልኦት ግዲ ኸም ዘይብለይ ንሰባት ኣውርያ። እዚ ኣመና እዩ ጐዲኡኒ። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝበለት ክርድኣኒ ኣይከኣለን።”​—ኣሽሊ።

ሓቂ፦ እቲ ዚሓምየካ ሰብ ናይ ቀረባ ዓርክኻ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ካልኦት ሰባት ብዛዕባኻ ሕማቕ ኪዛረቡ ኸለዉ ይጐድኣካ እዩ።

እቲ ዜሕዝን፡ ክትዓግቶ ኣይትኽእልን ኢኻ

ሰባት ብእተፈላለየ ምኽንያት ብዛዕባ ኻልኦት የውርዩ እዮም። እዚ ዚስዕብ ኪጥቀስ ይከኣል።

ናይ ሓቂ ተገዳስነት። ሰባት ብተፈጥሮ ሕዉሳት እዮም። ስለዚ፡ ምስ ካልኦት ሰባት ምዝራብና ዀነ ብዛዕባ ኻልኦት ምዝራብና ባህርያዊ እዩ። ከም ሓቂ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብኻልኦት ሰባት ክንግደስ የተባብዓና እዩ።—ፊልጲ 2:4።

“ብዛዕባ ኻልኦት ሰባት ምዕላል ሰሓቢ እዩ።”​—ቢያንካ።

“ብዛዕባ ሰባት ምፍላጥን ብዛዕባኡ ምስ ካልኦት ምዕላልን እፈቱ እየ። ስለምንታይ ከም ዝዀነ ኣይፈልጥን ከምኡ ምግባር ግና ደስ ይብለኒ እዩ።”​—ካቲ።

ምስልካይ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገሊኦም ሰባት፡ “ግዜ ዕረፍቶም ሓድሽ ነገር ኣብ ምዝራብ ወይ ኣብ ምስማዕ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ካልእ ኣየሕልፍዎን ነበሩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:21) ኣብ ግዜና እውን ተመሳሳሊ እዩ።

“ሓድሓደ ግዜ ሓድሽ ወረ እንተ ዘየልዩ፡ ሰባት ባዕሎም ወረ ይፈጥሩ እዮም።”​—ጆኣና።

ጕድለት ርእሰ ምትእምማን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንርእስና ምስ ካልኦት ከይነነጻጽር የጠንቅቐና እዩ። (ገላትያ 6:4) እቲ ዜሕዝን ግና፡ ገሊኦም ሰባት ጕድለት ርእሰ ምትእምማኖም ንምሽፋን፡ ሕሜት ይነዝሑ እዮም።

“ሕሜት ብዛዕባ እቶም ሓመይቲ ገለ ነገር ይሕብረካ እዩ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ነቲ ሰብ ስለ ዚቐንኡሉ እዮም ዚሓምይዎ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ጽቡቕ ምእንቲ ኺስምዖምን ካብቲ ሰብ ከም ዚበልጹ ንርእሶም ኬእምንዋን እዮም ከምኡ ዚገብሩ።”​—ፊል።

ሓቂ፦ ፈቲኻ ጸሊእካ፡ ሰባት ብዛዕባኻ ይኹን ብዛዕባ ኻልኦት ምዝራቦም ዘይተርፍ እዩ።

እቲ ዜሐጕስ፡ ከም ዘይቈጻጻርካ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ

ንዅሉ እቲ ብዛዕባኻ ዚውረ ወረ ደው ከተብሎ ኣይትኽእልን ትኸውን፣ ነቲ ጕዳይ እትህቦ ምላሽ ግና ኣባኻ እዩ ዚምርኰስ። ሰባት ይሓምዩኻ ኸም ዘለዉ እንተ ፈሊጥካ፡ እንተ ወሓደ ኽልተ ኣማራጺ ኣሎካ።

ኣማራጺ 1፦ ሸለል በሎ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ዝበለጸ ፍታሕ፡ ሸለል ምባል እዩ​—ብፍላይ ድማ እቲ ወረ ጭቡጥ ሓቂ ዘይብሉ እንተ ዀይኑ ኸምኡ ምግባር ዝሓሸ እዩ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ “ንዅራ ኣይትተሃወኽ” ዚብል ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ።—መክብብ 7:9።

“ምስ ሓደ ረኺበዮ እኳ ዘይፈልጥ ወዲ፡ ወረዘ ኸም ዝጀመርኩ ተወርዩ። ስቕ ኢልካ ሃተውተው ስለ ዝነበረ፡ ስሒቐ ሓሊፈዮ።”​—⁠ኤልሲ።

“ንሕሜት እትከላኸለሉ እቲ ዝበለጸ መገዲ፡ ጽቡቕ ስም ምጥራይ እዩ። ብዛዕባኻ ሕማቕ ወረ እኳ እንተ ተወርዩ፡ ጽቡቕ ስም እንተ ኣልዩካ ብዙሓት ሰባት ኣይኣምንዎን እዮም፣ እቲ ጽቡቕ ስምካ እዩ ወትሩ ዚዕወት።”​—⁠አሊሰን።

ምኽሪ፦ (1) ነቲ ወረን (2)  ኣባኻ እንታይ ስምዒት ከም ዝፈጠረልካን ጽሓፎ። ‘ብልብኻ ምስ ተዛረብካ’ ድሕሪኡ ነቲ ጕዳይ ምርሳዕ ኪቐልለካ እዩ።—መዝሙር 4:4።

ኣማራጺ 2፦ ነቲ ሕሜት ዝጀመሮ ሰብ ኣዛርቦ። ኣብ ገሊኡ ዅነታት፡ እቲ ወረ ኣዝዩ ጐዳኢ ስለ ዝዀነ ነቲ ዝጀመሮ ሰብ ከተዛርቦ ትደሊ ትኸውን።

“ነቶም ዝሓመዩኻ ሰባት እንተ ኣዛሪብካዮም፡ ወረ ውዒሉ ሓዲሩ ናብቲ ሰብ ከም ዚበጽሕ ንኺግንዘቡ ይሕግዞም እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ጕዳይ ፍታሕ ክትረኽበሉን ከተደቅሶን ትኽእል ትኸውን።”​—⁠ኤልሲ።

ነቲ ዝሓመየካ ሰብ ቅድሚ ምዝራብካ፡ ነዚ ዚስዕብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ሕሰበሉ፣ ነቲ ቐጺሉ ዘሎ ሕቶታት ድማ ንርእስኻ ሕተት።

  • “ከይሰምዐ ዚምልስ፡ ዕሽነትን ውርደትን ይዀኖ።” (ምሳሌ 18:13) ‘ንዅሉ እቲ ሓቅታት እፈልጦ ድየ፧ ብዛዕባ እቲ ሕሜት ዝነገረኒ ሰብ፡ ነቲ ዝሰምዖ ብጌጋ ተረዲእዎዶ ይኸውን፧’

  • ‘ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ ኹን።’ (ያእቆብ 1:19) ‘ነቲ ዝሓመየኒ ሰብ ከዛርቦ ሕጂ ጽቡቕ ግዜ ድዩ፧ ነቲ ጕዳይ ብሚዛናዊ መገዲ ድየ ዝሕዞ ዘለኹ፧ ወይስ ግዜ ሂበ ስምዒተይ ክሳዕ ዝሃድእ እንተ ተጸበኹ ይሓይሽ፧’

  • “ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩሎም።” (ማቴዎስ 7:12) ‘ኣብ ቦታ እቲ ሰብ እንተ ዝኸውን ነይረ፡ ብኸመይ ኪዛረበኒ ምደለኹ፧ ብዛዕባ እቲ ጸገም ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዅነታት እንተ ዝዛረበኒ ምመረጽኩ፧ እንታይ ዓይነት ቃላትን ኣቀራርባን ዝያዳ ውጽኢታዊ ምዀነ፧’

ምኽሪ፦ ነቲ ዝሓመየካ ቕድሚ ምዝራብካ፡ እንታይ ከም እትብሎ ጽሓፍ። ሰሙን ወይ ክልተ ሰሙን ጸኒሕካ መሊስካ ኣንብቦ፣ ለውጥታት ክትገብር እንተ ደሊኻ ድማ ግበር። ብተወሳኺ፡ ነቲ ዝሓሰብካዮ ንወላዲኻ ወይ ንሓደ ብሱል ዓርክኻ ንገሮ፡ ምኽሪ ኸኣ ሕተት።

ሓቂ፦ ኣብ ህይወትና ንዜጋጥመና ብዙሕ ነገራት ክንቈጻጸሮ ኣይንኽእልን ኢና፣ ንሕሜት እውን ከምኡ። እዚ ማለት ግና ብዛዕባኻ ዚውረ ወረ ኺቈጻጸረካ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን።

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

“ገሊኡ ወረ ስቕ ኢልካ ሃተውተው እዩ፡ ገሊኡ ግና ጐዳኢ እዩ። ስለዚ፡ ሃተውተው እንተ ዀይኑ ሸለል በሎ፣ ንስምካ ዜካፍእ እንተ ዀይኑ ግና፡ ነቲ ዘውረየ ኸተዛርቦ የድልየካ ይኸውን።”​—ብርያና።

“ሰባት እንተ ሓምዮምኻ፡ ብዛዕባኦም ሕሜት ወይ ሕማቕ ወረ ብምንዛሕ ሕነ ኣይትፍደ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ነቲ እትጸልኦ ባህርይ ኢኻ እተንጸባርቕ ዘለኻ።”​—⁠ኦሊቭያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ