ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 109
  • መወዳእታ ዓለም መዓስ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መወዳእታ ዓለም መዓስ እዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • መወዳእታ ዓለም ኬፍርሃካ ይግባእዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ብዛዕባ መወዳእታ ንዚለዓል ኣርባዕተ ሕቶታት ዚኸውን መልሲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • “መወዳእታ” እንታይ ማለት እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • እዛ ዓለም እዚኣስ ክትቅጽል ድያ?
    እዛ ዓለም እዚኣስ ክትቅጽል ድያ?
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 109
ኣብ መንደቕ ዘላ ሰዓት፡ ሰዓት ዓሰርተው ክልተ ኸም ዝቐረበ ትሕብር

መወዳእታ ዓለም መዓስ እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

መወዳእታ ዓለም መዓስ ምዃኑ ንምፍላጥ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ዓለም” እትብል ቃል ብኸመይ ከም ዚጥቀመላ ኽንርዳእ ኣሎና። እታ “ዓለም” ተባሂላ እትትርጐም ኮስሞስ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንደቂ ሰብ፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ምስ ኣምላኽን ምስ ፍቓዱን ዘይሳነዩ ደቂ ሰብ እያ እተመልክት። (ዮሃንስ 15:18, 19፣ 2 ጴጥሮስ 2:5) ሓድሓደ ግዜ፡ እታ ኮስሞስ እትብል ቃል ነቲ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ እተመስረተሉ ስርዓት ተመልክት እያ፣ እዚ ኸኣ ንንግዳውን ንፖለቲካውን ንሃይማኖታውን ስርዓት የጠቓልል።—1 ቈረንቶስ 7:31፣ 1 ዮሃንስ 2:15, 16።a

“መወዳእታ ዓለም” እንታይ እዩ፧

እታ ኣብ ብዙሕ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ “መወዳእታ ዓለም” እትብል ሓረግ፡ “መደምደምታ እቲ ስርዓት” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። (ማቴዎስ 24:3) ንጥፍኣት ምድሪ ወይ ንጥፍኣት ኵሎም ደቂ ሰብ ዘይኰነስ፡ ንጥፍኣት እቲ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ እተመስረተሉ ስርዓት እያ እተመልክት።—1 ዮሃንስ 2:17።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕያዎት ሰባት ኣብ ምድሪ ተሓጒሶም ምእንቲ ኺነብሩ፡ ‘እኩያት ኪጠፍኡ’ ኸም ዚዀኑ ይምህር እዩ። (መዝሙር 37:9-11) እዚ ጥፍኣት እዚ ኣብቲ ብውግእ ኣርማጌዶን ዚዛዘም “ብርቱዕ ጸበባ” ኺፍጸም እዩ።—ማቴዎስ 24:21, 22፣ ራእይ 16:14, 16።

“መወዳእታ ዓለም” መዓስ እዩ፧

የሱስ፡ “ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን፡ ኣቦ ጥራይ እምበር፡ መላእኽቲ ሰማያት ኰኑ ወይስ ወዲ ዀነ፡ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን” ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 24:36, 42) ቀጺሉ ድማ እቲ መወዳእታ ዚዀነሉ ግዜ፡ ትጽቢት ኣብ ዘይተገብረሉ እዋን ከም ዚመጽእ ንምሕባር፡ “ብዘይሓሰብኩምዋ ሰዓት ኪመጽእ እዩ” ኢሉ እዩ።—ማቴዎስ 24:44።

እዚ ዚፍጸመሉ ልክዕ መዓልትን ሰዓትን ክንፈልጥ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ የሱስ ናብ መወዳእታ ዓለም ከም ዝቐረብና ኸነለሊ ዚሕግዘና “ምልክት፡” ወይ ፍጻመታት ገሊጹ እዩ። (ማቴዎስ 24:3, 7-14) መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ እዋን እዚ፡ “ግዜ መወዳእታ፡” ወይ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ ይጽውዖ እዩ።—ዳንኤል 12:4፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5።

ድሕሪ መወዳእታ ዓለም ዚተርፍ ነገር ኪህሉ ድዩ፧

እወ። ምድርና ኽትህሉ እያ፣ ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዘለኣለመ ኣለም ካብ ቦታኣ ኣይትነቓነቕን እያ” ይብል እዩ። (መዝሙር 104:5) ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ብምባል ዘተስፈዎ ድማ፡ ምድሪ ብሰባት ክትመልእ እያ። (መዝሙር 37:29) ኣምላኽ ነዚ ዚስዕብ ኣብ መጀመርታ ዓሊምዎ ዝነበረ ዅነታት ከም ዚፍጸም ኪገብር እዩ፦

  • ገነት።—ኢሳይያስ 35:1፣ ሉቃስ 23:43።

  • ድሕንነትን ብልጽግናን።—ሚክያስ 4:4።

  • ንዅሉ ሰብ ዚኸውን ትርጉም ዘለዎን ዜዕግብን ዕዮ።—ኢሳይያስ 65:21-23።

  • ሕማምን እርጋንን ዘይብሉ ህይወት።—እዮብ 33:25፣ ኢሳይያስ 33:24።

ኣብ ገነት ዚነብሩ ሰባት ኣብ ገምገም ባሕሪ ይዘናግዑ

a እታ ኤዮን እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ኣብ ገሊኡ መጽሓፍ ቅዱሳት “ዓለም” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። ኤዮን በዚ መገዲ እዚ ኽትትርጐም ከላ ምስ ኮስሞስ ዚመሳሰል ትርጉም ኣለዋ፣ ነቲ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ እተመስረተሉ ስርዓት ድማ ተመልክት።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ