ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 62
  • ካልእ ቋንቋ እትምሃር ስለምንታይ ኢኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካልእ ቋንቋ እትምሃር ስለምንታይ ኢኻ፧
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካልእ ቋንቋ እትምሃር ስለምንታይ ኢኻ፧
  • እንታይ ብድሆታት ኣለዎ፧
  • እንታይ ዓስቢ ኣለዎ፧
  • ሓድሽ ቋንቋ ክትምሃር ትደሊዶ፧
    ንቕሑ!—2000
  • ናይ ወጻኢ ቛንቋ ምስ እትጥቀም ጉባኤ ምግልጋል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ነቲ “ጽሩይ ቋንቋ” ብምልከት ትዛረበሉ ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ነቲ ንተዛረብቲ ቛንቋ ወጻኢ ዚቐርብ ኣገልግሎት ምምዕባል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
ዝያዳ ርአ
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 62
ሓደ ሰብ ሓድሽ ቃላት ይምሃር

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ካልእ ቋንቋ እትምሃር ስለምንታይ ኢኻ፧

ካልእ ቋንቋ ምምሃር፡ ትሑትን ርእሱ ዚቐጽዕን ሰብ ምዃንካን ዘይምዃንካን ዚፍትነካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ እትገብሮ ጻዕሪ ግና ዓስቢ ዘለዎ ድዩ፧ ብዙሓት መንእሰያት፡ ‘እወ’ ኢሎም እዮም ዚምልሱ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መንእሰያት ካልእ ቋንቋ ዚምሃሩሉ ምኽንያት ክትገልጽ እያ።

  • ካልእ ቋንቋ እትምሃር ስለምንታይ ኢኻ፧

  • እንታይ ብድሆታት ኣለዎ፧

  • እንታይ ዓስቢ ኣለዎ፧

  • መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ካልእ ቋንቋ እትምሃር ስለምንታይ ኢኻ፧

ብዙሓት ካልእ ቋንቋ ዚምሃሩሉ ምኽንያት፡ ግድን ኪምሃርዎ ዘለዎም ክፍሊ ትምህርቶም ስለ ዝዀነ እዩ። ገሊኦም ግና ካልእ ዚድርኾም ምኽንያት ኣለዎም። ንኣብነት፦

  • ኣና ዝስማ ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር መንእሰይ፡ ነቲ ኣዲኣ ዝዓበየትሉ ቛንቋ ዝዀነ ላቲቭያኛ ኽትምሃሮ ወሰነት። “ስድራ ቤትና ናብ ላቲቭያ ኺገሹ ይሓስቡ ኣለዉ፣ ናብኡ ምስ ከድና፡ ምስቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣዝማደይ ክረዳዳእ እደሊ እየ” በለት።

  • ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝዀነት ጂና ዝስማ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ኣገልግሎታ ምእንቲ ኸተስፍሕ፡ ቋንቋ ምልክት ኣመሪካ ተማሂራ ናብ በሊዝ ገዓዘት። ከምዚ ኸኣ ትብል፦ “ጽሙማን፡ ኪረዳድእዎም ዚኽእሉ ሒደት ሰባት ጥራይ ዚፈልጡ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ሰባት ብቛንቋኦም መጽሓፍ ቅዱስ ክምህር ኢለ ቛንቋ ምልክት ኣመሪካ ኸም እተመሃርኩ ምስ ፈለጡ፡ ኣዝዮም እዮም ዜማስዉሉ።”

ትፈልጥዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ “ንዅሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን” ከም ዚእወጅ ተነብዩ እዩ። (ራእይ 14:6) ከም ፍጻመ እዚ ትንቢት እዚ ድማ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ሃገሮም ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ኣገልግሎቶም ኬስፍሑ ኢሎም ካልእ ቋንቋ ተማሂሮም እዮም።

እንታይ ብድሆታት ኣለዎ፧

ሓድሽ ቋንቋ ምምሃር ቀሊል ኣይኰነን። ኮሪና ዝስማ ጐርዞ፡ “ሓድሽ ቋንቋ ምምሃር ማለት ሓድሽ ቃላት ምምሃር ጥራይ መሲሉኒ ነይሩ፣ ይኹን እምበር፡ ሓድሽ ባህልን ሓድሽ ኣተሓሳስባን ምምሃር እውን ዜጠቓልል እዩ። ብሓቂ ግዜ ዚወስድ እዩ” በለት።

ሓድሽ ቋንቋ ምምሃር፡ ትሕትና እውን ይሓትት እዩ። ጄምስ ዚብሃል ስጳንኛ እተማህረ መንእሰይ፡ “ብዙሕ ጌጋታት ስለ እትፍጽም፡ ከመይ ጌርካ ንጌጋታትካ ስሒቕካ ኸም እትሓልፎ ኽትምሃር ኣሎካ። ምኽንያቱ ምግጋይ፡ ክፍሊ እቲ ትምህርቲ እዩ” ይብል።

ቀንዲ ነጥቢ፦ ንዕንቅፋታትን ነቲ ሓሓሊፍካ እትፍጽሞ ዜሕፍር ጌጋታትን ክትዋጽኣሉ እንተ ኽኢልካ፡ ካልእ ቋንቋ ኣብ ምምሃር ክትዕወት ትኽእል ኢኻ።

ምኽሪ፦ ካልኦት ቀዲሞምኻ ቕልጡፍ ዕቤት እንተ ገይሮም፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነፍሲ ወከፍ ገግብሩ ይመርምር እሞ፡ ምስ ካልእ ከይተነጻጸረ፡ ብርእሱ ዜሐጕሶ ነገር ኪህልዎ እዩ” ይብል።—ገላትያ 6:4።

እንታይ ዓስቢ ኣለዎ፧

ሓድሽ ቋንቋ ምምሃር ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ። ንኣብነት፡ ኦሊቭያ ዝስማ ጐርዞ፡ “ሓድሽ ቋንቋ ምስ እትምሃር፡ ፍቕርኻ ተግፍሕን ሓደስቲ ኣዕሩኽ ተጥርን ኢኻ” ትብል።

ሜሪ እትብሃል መንእሰይ ከኣ፡ ሓድሽ ቋንቋ ምምሃር ንርእሰ ተኣማንነታ ዜዕብየላ ዀይኑ ረኺባቶ እያ። ከምዚ ድማ በለት፦ “ዜዅርዓኒ ነገር ዳርጋ ገይረ ኣይፈልጥን እየ፣ ሕጂ ግና ቋንቋ እምሃር ስለ ዘለኹ፡ ሓዳስ ቃል ብዝፈለጥኩ መጠን ኣዝየ እየ ዝሕጐስ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ጽቡቕ ከም ዚስምዓኒ ኸኣ እዩ ዚገብር።”

እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ጂና፡ ንሰባት ብቛንቋ ምልክት ገይራ መጽሓፍ ቅዱስ ምምሃራ፡ ኣብ ኣገልግሎታ ዝያዳ ሓጐስ ከም እትረክብ ገይርዋ እዩ። “ንሰባት ብቛንቋኦም ከዘራርቦም ምስ ጀመርኩ ኣብ ገጾም ዚንበብ ሓጐስ፡ እቲ ዝበለጸ ዓስቢ እዩ” በለት።

ቀንዲ ነጥቢ፦ ካልእ ቋንቋ ምምሃር፡ ሓደስቲ ኣዕሩኽ ከተጥርን ርእሰ ተኣማንነትካ ኸተዕብን ኪሕግዘካ፡ ንኣገልግሎትካ ድማ ትርጉም ኪውስኸሉ ይኽእል እዩ። “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን ቋንቋታትን” ንዝመጹ ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከተካፍሎም እትኽእለሉ ቐንዲ መገዲ እውን እዩ።—ራእይ 7:9።

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ሞኒካ

“ሓድሽ ቋንቋ ኽትምሃር ከለኻ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ምሓዝ፡ ልክዕ ከም ዝነፈሰ ጎማ ማኪና እዩ። እንተ ዘይቀይርካዮ፡ ናብ እትበጽሖ የብልካን። ብድሆታት ኬጋጥመካ ኸሎ እውን ከይተረፈ ኣወንታዊ ምዃን ኣገዳሲ እዩ።”—ሞኒካ።

ኤታን

“ቋንቋ ምምሃር፡ ሕቡእ መዛግብቲ ንምርካብ ኢልካ ኸም ምዅዓት እዩ። ንሰዓታት ዓዪኻ ኽነስኻ፡ ዝዀነ ውጽኢት ኣይትርእን ትኸውን፣ ዝያዳ ብዝዀዓትካ ግና ብዝያዳ ኢኻ ናብ ሸቶኻ እትቐርብ። ነቲ ሓድሽ ቋንቋ ኽትምሃር እትገብሮ ጻዕሪ እንተ ዘየቋሪጽካዮ፡ ነቲ መዝገብ ክትረኽቦ ኢኻ።”—ኤታን።

ጀሲካ

“እቲ ዝዓበየ ዓስቢ፡ ምስቶም ነቲ ኽትምሃሮ ብዙሕ ዝጸዓርካሉ ቛንቋ ዚዛረቡ ሰባት ክትረዳዳእ ምኽኣል እዩ። ሽዑ ኢኻ ዅሉ እቲ ነቲ ቛንቋ ኽትለማመድ ዘሕለፍካዮ ግዜን ዝገበርካዮ ጻዕርን ጻማ ኸም ዘለዎ እትግንዘብ።”—ጀሲካ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ