ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 63
  • ምኵሻም ጕድኣት ዘይብሉ ዋዛ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምኵሻም ጕድኣት ዘይብሉ ዋዛ ድዩ፧
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምኵሻም እንታይ እዩ፧
  • ገሊኦም ሰባት ዚኳሸሙ ስለምንታይ እዮም፧
  • እንታይ ሓደጋታት ኣለዎ፧
  • 1 ካብ ጸገማት ክትርሕቕ ይሕግዝ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018
  • ምሕዝነትዶ ፍቕሪ—2ይ ክፋል፦ እንታይ መልእኽቲ እየ ዘመሓላልፍ ዘለኹ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንልብኻ ብምሕላው ንጽህናኻ ዓቅብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ከመይ ገይረ ኢየ ዝያዳ ማራኺ ክኸውን ዝኽእል፧
    ንቕሑ!—2002
ዝያዳ ርአ
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 63
ኣብ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ሓንቲ ጐርዞ ንሓደ መንእሰይ ትኳሸሞ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ምኵሻም ጕድኣት ዘይብሉ ዋዛ ድዩ፧

  • ምኵሻም እንታይ እዩ፧

  • ገሊኦም ሰባት ዚኳሸሙ ስለምንታይ እዮም፧

  • እንታይ ሓደጋታት ኣለዎ፧

  • መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ምኵሻም እንታይ እዩ፧

ገሊኦም ሰባት ንምኵሻም፡ ብቓላትካ ወይ ብተግባራትካ ጌርካ ንኣንጻር ጾታ ዘሎካ ፍቕራዊ ተገዳስነት እትገልጸሉ መገዲ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ንሓደ ሰብ ፍቕራዊ ተገዳስነት ከም ዘሎካ ምግላጽ ጌጋ ድዩ፧ ጌጋ እዩ ማለት ኣይኰነን። ኣን ዝስማ መንእሰይ፡ “ምስ ኣንጻር ጾታ ዕርክነት ክትምስርት ተዳሊኻ እንተ ዄንካን ንሓደ ሰብ ተገዲስካሉ እንተ ኣሊኻን፡ ፍቕራዊ ተገዳስነትካ ኸይገለጽካ ኸመይ ጌርካ ንሱ እውን ብዛዕባኻ ኸምኡ ዚስምዖ እንተ ዀይኑ ኽትፈልጥ ትኽእል፧” በለት።

ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተገሊጹ ዘሎ ምኵሻም፡ ንሓደ ሰብ ብቝም ነገር ዘይደለኻዮ ኽነስኻ፡ ንዕኡ ፍቕራዊ ተገዳስነት ከም ዘሎካ ብዜርኢ መገዲ ምቕራብ እዩ።

“ምስ ሓደ ሰብ ፍቕራዊ ርክብ ክትጅምር ስለ ዝደለኻ፡ ንዕኡ ፍሉይ ቈላሕታ ኽትገብረሉ ትኽእል ኢኻ። ንሓደ ሰብ ንስኻ ኸም እትግደሰሉ ገይሩ ኸም ዚሓስብ ጌርካዮ ኸተብቅዕ፡ ብሃንደበት ብቝም ነገር ደሊኻዮ ኸም ዘይትፈልጥ ብምርኣይ ክትጐድኦ ግና ጌጋ እዩ።”—ዲያና።

ገሊኦም ሰባት ዚኳሸሙ ስለምንታይ እዮም፧

ገሊኦም ሰባት፡ ስለ ንያቶም ኢሎም ጥራይ እዮም ዚኳሸሙ። ሀይሊ ዝስማ መንእሰይ፡ “ካብ ኣንጻር ጾታኣቓልቦ ኽትስሕብ ከም እትኽእል ምስ እትግንዘብ፡ ዝያዳ ኣቓልቦ ንምርካብ ክትጽዕር ትኽእል ኢኻ” ትብል።

ንሓደ ሰብ ፍቕራዊ ተገዳስነት ዘይብልካ ኽነስኻ፡ ኰነ ኢልካ ኸምኡ ኸም ዚስምዖ ትገብር እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ ስምዒት እቲ ሰብ ምንም ሓልዮት ከም ዘይብልካ ኢኻ እተርኢ። ብዘይካዚ፡ ስለ ንያትካ ኢልካ እናፈለጥካ ኸምኡ ትገብር እንተ ዄንካ፡ ንናይ ምምዝዛን ክእለትካ ኣብ ሕቶ ኢኻ እተእትዎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ልቢ ንዘይብሉ፡ ዕሽነት ሓጐስ እዩ” ይብል።—ምሳሌ 15:21።

ሀይሊ፡ “ምኵሻም ኣብ ፈለማ ጕድኣት ዘይብሉ ዋዛ ዚመስል እኳ እንተ ዀነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግና ሓደገኛ መፈጸምታ እዩ ዘለዎ” ኽትብል እምበኣር ሓቃ እያ።

እንታይ ሓደጋታት ኣለዎ፧

  • ምኵሻም ንስምካ የበላሽዎ እዩ።

    “ተዃሻሚት ሰብ፡ ርእሰ ተኣማንነትን ብስለትን ዘይብላ ጌርካ እያ እትርአ። ብቕንዕና ዘይኰነስ፡ ካባኻ ገለ ነገር ደልያ እትቐርበካ ዘላ ዀይኑ እዩ ዚስምዓካ።”—ጀረሚ።

    መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፍቕሪ . . . ጥቕሚ ርእሳ ኣይትደልን” ይብል።—1 ቈረንቶስ 13:4, 5።

    ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ እንታይ ዓይነት ቃላትን ተግባራትን እዩ ኸም ተዃሻሚ ኼፍልጠካ ዚኽእል፧

  • ምኵሻም ነቲ እትኳሸሞ ሰብ ይጐድኦ እዩ።

    “ተዃሻሚ ምስ ዝዀነ ሰብ እንተ ደኣ ተራኺበ፡ ነቲ ሰብ እቲ ክቐርቦ ኣይደልን እየ። ጓል ኣንስተይቲ ስለ ዝዀንኩ ጥራይ እዩ ምሳይ ዚዘራረብ ዘሎ ማለት እዩ። ዚኳሸሙኒ ሰባት ብዛዕባይ ብሓቂ ዚግደሱ ኣይኰኑን፣ ንርእሶም ጽቡቕ ከም ዚስምዖም ምግባር ጥራይ እዩ ዜገድሶም።”—ጃክሊን።

    መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነፍሲ ወከፍ፡ ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ” ይብል።—1 ቈረንቶስ 10:24።

    ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ሓደ ሰብ ኣባኻ ፍቕራዊ ተገዳስነት ከም ዘለዎ ጌርካ ትሓስብ ኔርካስ፡ ጸኒሕካ ግና ኸም እተጋገኻ ተገንዚብካዶ ትፈልጥ፧ ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ድሕሪኡ እንታይ ተሰሚዑካ፧ ንኻልእ ሰብ በዚ መገዲ እዚ ኻብ ምጕዳእ ብኸመይ ክትቍጠብ ትኽእል፧

  • ምኵሻም ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኽትረክብ ንዘሎካ ኣጋጣሚ የጽብቦ እዩ።

    “ተዃሻሚ ንዝዀነ ሰብ ክትምርዓዎ ወይ እውን ምስኡ ዕርክነት ክትምስርት ፈጺምካ ዚብሃግ ኣይኰነን። ንዜምስል ሰብ ከመይ ገይረ እየ ብሓቂ ኽፈልጦን ክኣምኖን ዝኽእል፧”—ኦሊቭያ።

    ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መዝሙር ዝዀነ ዳዊት፡ “ካብ ኣምሰሉታት . . . እርሕቕ እየ” በለ።—መዝሙር 26:4።

    ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ተዃሻሚ ሰብ ንኸመይ ዓይነት ሰብ እዩ ዚማርኽ፧ ንስኻኸ ንኸምኡ ዓይነት ሰብ ዲኻ ኽትማርኽ እትደሊ፧

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ስኮት

“ተዃሻሚ እንተ ዄንካ፡ ሰባት ክትጐድእ ኢኻ፣ እቶም ዝጐዳእካዮም ሰባት ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበርካዮ ነገር ንኻልኦት ኪነግሩ እዮም። ምኵሻም ብዝቐጸልካ መጠን፡ ብዝያዳ ኢኻ ንስምካ እተበላሽዎ፣ ንኸተዕርዮ ድማ ዝያዳ ኣጸጋሚ እዩ ዚኸውን።”—ስኮት።

ጀስሊን

“ምኵሻም ብሓቂ ንስምካ ዜበላሹ እዩ። ከም ሓቂ፡ ተዃሻሚ ሰብ ከም ዘይቅኑዕን ዘይእመንን ሰብ ጌርካ እዩ ዚርአ፣ ከምዚ ዓይነት ሰብ ድማ ናይ ቀረባ ፈታውየይ ክኸውን ዝመርጾ ኣይኰነን።”—ጀስሊን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ