ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 155
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምሃብ እንታይ ይብል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምሃብ እንታይ ይብል፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ምሃብ ጠቓሚ ዚኸውን መዓስ እዩ፧
  • ምሃብ ዘይግቡእ ዚኸውን መዓስ እዩ፧
  • “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ናይ ምሃብ መንፈስ ኣሎካዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ካብ ምሃብ ዚርከብ ጥቕሚ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ለጋሳት ሕጉሳት እዮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 155
ሓደ ሰብኣይ እተጠቕለለት ህያብ ሒዙ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምሃብ እንታይ ይብል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብፍታውን ብቕኑዕ ድራኸን ምሃብ የተባብዕ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምሃብ፡ ነቲ ተቐባሊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ወሃቢ እውን ከም ዚጠቅም ይገልጽ እዩ። (ምሳሌ 11:25፣ ሉቃስ 6:38) የሱስ፡ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ” ኢሉ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35።

  • ምሃብ ጠቓሚ ዚኸውን መዓስ እዩ፧

  • ምሃብ ዘይግቡእ ዚኸውን መዓስ እዩ፧

  • ብዛዕባ ምሃብ ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

ምሃብ ጠቓሚ ዚኸውን መዓስ እዩ፧

ምሃብ ጠቓሚ ዚኸውን ብፍታው ምስ ዚግበር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ከይፈተወ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሓለኖ ይሃብ” ይብል።—2 ቈረንቶስ 9:7፣ እግረ ጽሑፍ።

ካብ ልቢ ዚግበር ምሃብ፡ ክፍሊ እቲ ኣምላኽ ዚቕበሎ “ኣምልኾ” እዩ። (ያእቆብ 1:27) ንእተሸገሩ ብልግሲ ዚሕግዝ ሰብ፡ ምስቲ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ልግሲ ንዕኡ ኸም እተዋህበ ልቓሕ ገይሩ ዚርኢ ኣምላኽ ሓቢሩ እዩ ዚዓዪ። (ምሳሌ 19:17) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ነቲ ወሃቢ ኸም ዚፈድዮ ይምህር እዩ።—ሉቃስ 14:12-14።

ምሃብ ዘይግቡእ ዚኸውን መዓስ እዩ፧

ብእተሓብአ ኽፉእ ድራኸ ምስ ዚግበር። ንኣብነት፦

  • ንሰባት ንምምሳጥ።—ማቴዎስ 6:2።

  • ንስኻ እውን ካብቲ ሰብ ገለ ነገር ንምርካብ።—ሉቃስ 14:12-14።

  • ድሕነት ንምዕዳግ።—መዝሙር 49:6, 7።

ኣምላኽ ንዚዅንኖ ንጥፈታት ወይ ኣረኣእያ ዚድግፍ ምስ ዚኸውን። ንኣብነት፡ ንሓደ ሰብ ኪጣላዕ ኢልካ፡ ወይ ድማ ሓሽሽ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ኺወስድ ኢልካ ገንዘብ ምሃብ ጌጋ እዩ። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ 2 ቈረንቶስ 7:1) ብተመሳሳሊ፡ ንሓደ ንርእሱ ብቝጠባዊ መገዲ ኺድግፍ እናኸኣለ ኽነሱ፡ ከምኡ ኺገብር ዘይደሊ ሰብ ምሃብ ግቡእ ኣይኰነን።—2 ተሰሎንቄ 3:10።

ኣምላኽ ንዝሃበካ ሓላፍነት ከም ዘይትፍጽም ዚገብረካ ምስ ዚኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ርእስታት ስድራ ቤት ንኣባላት ስድራ ቤቶም ዜድሊ ዘበለ ኼማልኡ ኸም ዘለዎም ይምህር እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት፡ ኣባላት ስድራ ቤቱ እናተሸገሩ ኸለዉ ንኻልኦት ብዙሕ ኪህብ ግቡእ ኣይኰነን። ብተመሳሳሊ፡ የሱስ ነቶም ንዅሉ ጥሪቶም “መባእ ገይረዮ እየ” ኢሎም ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለዶም ምእላይ ዝኣበዩ ሰባት ኰኒንዎም እዩ።—ማርቆስ 7:9-13።

ብዛዕባ ምሃብ ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

ምሳሌ 11:25፦ “ለጋስ ሰብ ጽቡቕ ይረክብ፣ እቲ ዜርዊ ኸኣ ንርእሱ ይረዊ።”

ትርጉሙ፦ ምሃብ ነቲ ተቐባሊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ወሃቢ እውን ይጠቅም።

ምሳሌ 19:17፦ “ንትሑት ሞገስ ዜርእዮ፡ ንየሆዋ የለቅሖ፣ ንሱ ኸኣ ከም ግብሩ ይፈድዮ።”

ትርጉሙ፦ ኣምላኽ ነቶም ንእተሸገሩ ዚሕግዙ ሰባት ንዕኡ ኸም ዘለቀሕዎ ገይሩ እዩ ዚርእዮም፣ ስለቲ ዜርእይዎ ልግሲ ኸም ዚፈድዮም ድማ ቃል ኣትዩ እዩ።

ማቴዎስ 6:2፦ “ክትምጽውት ከለኻ፡ ከምቲ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺምጎሱ ኢሎም . . . ዚገብርዎ፡ ኣቐዲምካ መለኸት ኣይትንፋሕ።”

ትርጉሙ፦ ክንህብ ከለና፡ ናብ ርእስና ኣቓልቦ ኽንስሕብ ኢልና ኪኸውን የብልናን።

ግብሪ ሃዋርያት 20:35፦ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ።”

ትርጉሙ፦ ካብ ልቢ ዚግበር ልግሲ ሓጐስ የምጽእ።

2 ቈረንቶስ 9:7፦ “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሓለኖ ይሃብ።”

ትርጉሙ፦ ብፍታው ዚግበር ልግሲ ንኣምላኽ የሐጕስ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ