ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 159
  • እንስሳታት ናብ ሰማይ ይኸዱ ድዮም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እንስሳታት ናብ ሰማይ ይኸዱ ድዮም፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • እንስሳታት ነፍሲ ኣላቶምዶ፧
  • ነፍሲ ኽትመውት ትኽእል ድያ፧
  • እንስሳታት ይሓጥኡ ድዮም፧
  • ንእንስሳታት ብጭካነ ምሓዝ ግቡእ ድዩ፧
  • እንስሳታት
    ንቕሑ!—2015
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ኣትክልቲ ጥራይ ምምጋብ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 159
ከልቢ

እንስሳታት ናብ ሰማይ ይኸዱ ድዮም፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ፍጡራት፡ እተወሰነ ቝጽሪ ዘለዎም ሰባት ጥራይ ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱ ይምህር እዩ። (ራእይ 14:1, 3) ናብኡ ዚኸዱሉ ዕላማ ድማ፡ ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ምስ የሱስ ኪገዝኡ እዩ። (ሉቃስ 22:28-30፣ ራእይ 5:9, 10) መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ ግና ካብ ሞት ተንሲኦም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ኺነብሩ እዮም።—መዝሙር 37:11, 29።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ከልቢ ወይ ናይ እንስሳታት ሰማይ ዚብል ተጠቒሱ ኣይንረክብን ኢና፣ ከምኡ ዝዀነሉ ብቑዕ ምኽንያት ድማ ኣሎ። እንስሳታት ን“ሰማያዊ ጽውዓ” ኺበቕዑ ዜኽእሎም ስጕምትታት ኪወስዱ ኣይክእሉን እዮም። (እብራውያን 3:1) እዚ ስጕምትታት እዚ፡ ፍልጠት ምቕሳምን እምነት ምርኣይን ትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላውን የጠቓልል። (ማቴዎስ 19:17፣ ዮሃንስ 3:16፣ 17:3) ደቂ ሰብ ጥራይ እዮም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ሒዞም ተፈጢሮም።—ዘፍጥረት 2:16, 17፣ 3:22, 23።

ምድራውያን ፍጡራት ናብ ሰማይ ንምኻድ ካብ ሞት ኪትንስኡ የድልዮም እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:42) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ትንሳኤ ተጠቒሱ ንረክብ ኢና። (1 ነገስት 17:17-24፣ 2 ነገስት 4:32-37፣ 13:20, 21፣ ሉቃስ 7:11-15፣ 8:41, 42, 49-56፣ ዮሃንስ 11:38-44፣ ግብሪ ሃዋርያት 9:36-42፣ 20:7-12) ኵሉ እዚ ትንሳኤ ግና ናይ ሰባት እምበር፡ ናይ እንስሳታት ኣይነበረን።

  • እንስሳታት ነፍሲ ኣላቶምዶ፧

  • ነፍሲ ኽትመውት ትኽእል ድያ፧

  • እንስሳታት ይሓጥኡ ድዮም፧

  • ንእንስሳታት ብጭካነ ምሓዝ ግቡእ ድዩ፧

እንስሳታት ነፍሲ ኣላቶምዶ፧

ኣይፋልን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰባት ኰኑ እንስሳታት ኪገልጽ ከሎ፡ ነፍሲ ኸም ዘላቶም ዘይኰነስ፡ ንሳቶም ነፍሲ ኸም ዝዀኑ እዩ ዚምህር። (ዘሁልቍ 31:28) እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ፡ ማለት ኣዳም ምስ ተፈጥረ፡ ነፍሲ ኣይተዋህበቶን፣ የግዳስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ፡ “ህያው ነፍሲ ዀነ” እዩ ዚብል። (ዘፍጥረት 2:7፡ እግረ ጽሑፍ) ነፍሲ ብኽልተ ነገራት ዝቘመት እያ፣ እዚ ኸኣ፡ “ሓመድ ምድር”ን “ትንፋስ ህይወት”ን እዩ።

ነፍሲ ኽትመውት ትኽእል ድያ፧

እወ፣ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነፍሲ ኽትመውት ከም እትኽእል ይምህር እዩ። (ዘሌዋውያን 21:11፡ እግረ ጽሑፍ፣ ህዝቅኤል 18:20) እንስሳታትን ሰባትን ምስ ሞቱ ናብ ሓመድ ምድሪ እዮም ዚምለሱ። (መክብብ 3:19, 20) ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ካብ ህልውና የቋርጹ።

እንስሳታት ይሓጥኡ ድዮም፧

ኣይፋልን። ምሕጣእ ኪብሃል ከሎ፡ ብሓሳብካ፡ ብስምዒትካ፡ ወይ ድማ ብተግባርካ ንመለክዒታት ኣምላኽ ምጥሓስ ማለት እዩ። ሓደ ፍጡር ኪሓጥእ እንተ ዀይኑ፡ ስነ ምግባራዊ ውሳነ ኺገብር ዚኽእል ኪኸውን ኣለዎ፣ እንስሳታት ግና እዚ ኽእለት እዚ የብሎምን። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብተን ሓጸርቲ ዕምሮም ብባህረት እዮም ዚምርሑ። (2 ጴጥሮስ 2:12) ዕምሮም ምስ ኣብቅዐ ድማ ዋላ እውን ኣይሕጥኡ፡ ይሞቱ እዮም።

ንእንስሳታት ብጭካነ ምሓዝ ግቡእ ድዩ፧

ኣይፋልን። ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ስልጣን ሂብዎም እኳ እንተ ዀነ፡ ብሕማቕ ኪሕዝዎም ግና መሰል ኣይሃቦምን። (ዘፍጥረት 1:28፣ መዝሙር 8:6-8) ኣምላኽ ብእንስሳታት፡ ዋላ እውን በተን ንኣሽቱ ጨራሩ ይግደስ እዩ። (ዮናስ 4:11፣ ማቴዎስ 10:29) ንኣምለኽቱ ድማ ንእንስሳታት ብሓልዮት ኪሕዝዎም ኣዚዝዎም እዩ።—ዘጸኣት 23:12፣ ዘዳግም 25:4፣ ምሳሌ 12:10።

ብዛዕባ እንስሳታት ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

ዘፍጥረት 1:28፦ “ኣምላኽ ከኣ [ነቶም ቀዳሞት ሰባት] ባረኾም፣ ኣምላኽ ድማ፡ ‘ፍረዩን ተባዝሑን፡ ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ግዝእዋን፣ ንዓሳ ባሕርን ንበረርቲ ፍጡራት ሰማያትን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ህያው ፍጡርን ከኣ ግዝኡ’ በሎም።”

ትርጉሙ፦ ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ስልጣን ሂብዎም።

ዘሁልቍ 31:28፦ “ካብቶም ናብ ውግእ ከይዶም ዝነበሩ ተዋጋእቲ፡ ካብ ሰብን ካብ ከብትን ካብ ኣእዱግን ካብ ጤለ በጊዕን፡ ከካብ 500 ሓንቲ ነፍሲ . . . ግብሪ ውሰድ።”

ትርጉሙ፦ እንስሳታትን ሰባትን ነፍሲ እዮም።

ምሳሌ 12:10፦ “ጻድቕ ንእንስሳኡ ይከናኸኖ።”

ትርጉሙ፦ ሕያዎት ሰባት ንእንስሳታቶም ብኽንክን ይሕዝዎም እዮም።

ማቴዎስ 10:29፦ “ክልተ ጨራሩ ብዘይትረብሕ ሳንቲም ደይኰናን ዚሽየጣ፧ ሓንቲ ኻባታተን እኳ፡ ኣቦኹም ከይፈለጠ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ።”

ትርጉሙ፦ ኣምላኽ ንእንስሳታት፡ ዋላ እውን ንጨራሩ የስተብህልን ይሓልን እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ