ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwwd ዓንቀጽ 10
  • መዋቕር ኣስናን በጥለኒሞስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መዋቕር ኣስናን በጥለኒሞስ
  • ተነዲፉ ድዩ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንተነቃፊ ኣስናን ምክንኻን
    ንቕሑ!—2001
ተነዲፉ ድዩ፧
ijwwd ዓንቀጽ 10
በጥለኒሞስ።

ተነዲፉ ድዩ፧

መዋቕር ኣስናን በጥለኒሞስ

እቲ ኮናዊ ዝቕርጹ ዛዕጐል ዘለዎ በጥለኒሞስ ዚብሃል ኣረነ፡ ኣዝዩ ሓያል ኣስናን ኣለዎ። እቲ ኣስናኑ ድማ ጎታይት ብዚብሃል ተሪር ማዕድን ዝቘመ ቐጢንን ጽዑቕን ጽሕጎ ዀይኑ፡ ኣብ ልምሉም ፕሮቲን እተተኽለ እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ እቲ ኸም መልሓስ ዝኣመሰለ ኣካል በጥለኒሞስ፡ ብኣስናን እተሸፈነ እዩ። እቲ ኣስናኑ ኸኣ ትሕቲ ሓደ ሚሊ ሜተር ዝንውሓቱ ዀይኑ፡ ከም መብረድ ኰይኑ የገልግል። እቲ ኣረነ ኻብ ኣኻውሕ ሰበባ እናሓግሓገ ምእንቲ ኺምገብ፡ ኣስናኑ ኣዝዩ ተሪር ኪኸውን ኣለዎ።

ተመራመርቲ፡ እቲ ኣስናን ከይተሰብረ ጸቕጢ ኺጻወር ዘለዎ ዓቕሚ ንምልካዕ፡ ሓያል ማይክሮስኮፕ ተጠቒሞም እዮም። ኣስናን በጥለኒሞስ ዘለዎ ውጥረት ናይ ምጽዋር ብርታዐ፡ ካብ ዝዀነ ኽሳዕ ሕጂ ዝመርመርዎ ህይወታዊ ነገር ዝበርትዐ ዀይኑ ረኺቦሞ እዮም፣ ዋላ እውን ካብ ዓለባ ሳሬት ይሕይል። ነቲ ምርምር ዝመርሖ ተመራማሪ ድማ፡ “ሕደ ስርዓተ ንድፊ ብምስዓብ፡ ናትና መዋቕራት ንምስራሕ ክንሓስብ ኣሎና” ኢሉ ኣሎ።

ተመራመርቲ ኻብ ኣስናን በጥለኒሞስ ቀዲሖም ብዝሰርሕዎ ነገር፡ ማካይን፡ ጃለቡ፡ ነፈርቲ ኺሰርሑ፡ ካብኡ ሓሊፎም እውን ሰብ ዝሰርሖ ኣስናን ኪተኽሉ ይሓስቡ እዮም።

እንታይ ይመስለካ፧ እዚ ዜደንቕ መዋቕር ኣስናን በጥለኒሞስ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ