ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • hdu ዓንቀጽ 9
  • ንግዳያት ሓደጋታት እተዋህበ ረድኤት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንግዳያት ሓደጋታት እተዋህበ ረድኤት
  • ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዕዮ ረድኤት ኣብ 2021—ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣይተሓድጉን
    ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
  • ኣብ እዋን ዓለምለኻዊ ለበዳ እተገብረ ረድኤት
    ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
  • ኣገልግሎት ረድኤት
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ብኸመይ ክትሕግዝ ትኽእል፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
ዝያዳ ርአ
ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
hdu ዓንቀጽ 9
ኣሕዋትን ኣሓትን ረድኤት ምግቢ ይቕበሉ።

ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧

ንግዳያት ሓደጋታት እተዋህበ ረድኤት

1 ለካቲት 2021

ዓመተ 2020 ዓለምለኻዊ ለበዳ ኮቪድ 19 ዝጀመረላን እተፈላለየ ባህርያዊ ሓደጋታት እተራእየላን ዓመት እያ ነይራ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም እተጠቕዑ ብኸመይ ሓጊዞምዎም፧

ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2020፡a ኮሚተ ኣተሓባበርቲ ኣማሓዳሪ ኣካል ንዕዮ ረድኤት ዚኸውን 28 ሚልዮን ዶላርb ኣጽዲቑ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ብልዕሊ 200 ባህርያዊ ሓደጋታት እተጐድኡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኪሕገዙ ኽኢሎም እዮም። እዚ ኸኣ፡ ለበዳ ኮቪድ 19፡ እተፈላለየ ዓይነት ህቦብላ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ፡ ኣብ ቨነዝወላ እተራእየ ሕጽረት ምግቢ፡ ከምኡ እውን ኣብ ዚምባብወ ዘጋጠመ ደርቂ የጠቓልል። እቲ እተወፈየ ገንዘብ ኣብ ምግብን ማይን መዕቘብን ክዳውንትን ክንክን ጥዕናን ውዒሉ። ብዘይካዚ ንጽሬትን ንጽገናን ንዳግመ ህንጸትን ኣብ ዜድሊ ነገራት ተጠቒምናሉ ኢና። ገለ ኣብነታት እዚ ዕዮ ረድኤት እስከ ንርአ።

ኮቪድ 19። እዚ ለበዳ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ብኣካላውን ብስምዒታውን ብቝጠባውን መዳይ ጸልይዎም እዩ። ንምሕጋዞም ከኣ፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 800 ኮሚተታት ረድኤት ተቛቚመን። እዘን ኮሚተታት እዚአን ንኣሕዋት ዜድልዮም ነገራት ይከታተላ፡ እቶም ኮሚተ ኣተሓባበርቲ ነቲ ረድኤት ብግቡእ ምእንቲ ኺውድቡ ድማ ቅልጡፍ ጸብጻብ የቕርባሎም።

ኣብ ብምልእታ እታ ዓመት፡ እተን ኮሚተታት ረድኤት፡ ብዙሓት ኣሕዋት ምግብን ማይን ንንጽህና ዜድሊ ነገራትን መድሃኒትን ኪረኽቡ ሓጊዘን እየን። ኣብ ገሊኡ ቦታታት እተን ኮሚተታት ረድኤት ምስቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚርከቡ ሽማግለታት ኰይነን ብምዕያይ፡ ኣሕዋት ካብ መንግስቲ ረድኤት ምእንቲ ኺረኽቡ ሓጊዘን እየን።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት እውን ከይተረፉ፡ ንዕዮ ረድኤትና ኣስተብሂሎምሉ እዮም። ንኣብነት፡ ፊልድ ሲምዊንጋ እተባህለ ኮሚሽነር ኣውራጃ ናኮንደ፡ ዛምብያ፡ ንኣሕዋትና፡ “ነቶም እተጠቕዑ ስድራ ቤታት ዜድልዮም ረድኤት ኣብ እዋኑ ስለ ዘቕረብኩምሎም፡ ኣዚና ኢና ነመስግነኩም” በሎም።

ሕጽረት ምግቢ ኣብ ኣንጎላ። ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ 19፡ ኣብ ኣንጎላ ሕጽረት ምግብን ናህሪ ዋጋን ኣጋጢሙ። ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምግቢ ንምዕዳግ ብዙሕ እዮም ተጸጊሞም።

ጥማር ረድኤት ኣብ ኮንተይነር ይጽዓን

ምግቢ ዝሓዘ ኸረጺት ካብ ብራዚል ናብ ኣንጎላ ተላእከ

ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብራዚል ነቶም ኣብ ኣንጎላ ዚርከቡ ኣሕዋት ሓገዝ ምግቢ ኺልእኽ ተሓቲቱ። እቲ እተዋጽአ ገንዘብ ኣብ ግቡእ መዓላ ምእንቲ ኼውዕልዎ፡ ብዛዕባ ዋጋ ምግብን ኣማራጺታት መጓዓዝያን ግቡእ መጸናዕቲ ይገብሩ፣ ነቲ ምግቢ ኸኣ ብጅምላ እዮም ዚዕድግዎ ነይሮም። ስለዚ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ከረጺት ንምዕዳግን ንምጕዕዓዝን 22 ዶላር ጥራይ እዩ ዜውጽእ ነይሩ። ሓንቲ ኸረጺት ከኣ፡ ዳርጋ 20 ኪሎ ግራም ዚምዘን ሩዝን ባልደንጓን ዘይቲ ብልዕን ዝሓዘት እያ ነይራ። ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ 654 ቶን ዚምዘን 33,544 ከረጺት ተላኢኹ ኣሎ። እዚ መሰናድዎ እዚ፡ ምስቲ ናይቲ ዓዲ ምግቢ ሓዊስካ፡ ንልዕሊ 50,000 ሰባት መጊቡ እዩ።

ኣሕዋትና ብዛዕባ እዚ ረድኤት እዚ እንታይ ተሰሚዕዎም፧ ኣብ ሓንቲ ገጠር ናይ ኣንጎላ ዚነብር ኣለክሳንድረ፡ “እዚ፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅረንን በይነይ ከም ዘይኰንኩን ዜረጋገጸለይ እዩ። ውድብ የሆዋ ኣኽቢራ እያ እትርእየኒ” በለ። ሓንቲ ንውሉዳ በይና እተዕቢ ማሪሳ ዝስማ ኣደ ድማ፡ “የሆዋ ንኣውያተይ ሰሚዕዎ። ንዕኡን ንውድቡን አመስግኖም እየ” በለት።

ስእልታት፦ 1. ሓደ ሓው ባኮ ረድኤት ኣብ ርእሱ ተሰኪሙ። 2. ሓንቲ ሓብቲ ቘልዓ ሓዚላ፡ ኣብ ርእሳ ኸኣ ዓብዪ ኸረጺት ረድኤት ተሰኪማ። 3. ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ዓረብያ ስንኩላን ኮፍ ኢላ፡ ኣብ ጥቓኣ ኸኣ ከረጺት ረድኤት ተጸጊዑ።

ኣብ ኣንጎላ ዚነብሩ ኣሕዋት ብእተገብረሎም ረድኤት የመስግኑ

ረድኤት ደርቂ ኣብ ዚምባብወ። ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2020፡ ብሚልዮናት ዚቝጽሩ ተቐማጦ ዚምባብወ ብርቱዕ ጥሜት ኣጋጢምዎም። እቲ ዅነታት ብኣሽሓት ንዚቚጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ጸልይዎም እዩ።

ንኣሕዋትና ምግቢ ኣብ ምዕዳል ዚሕግዛ ሓሙሽተ ኮሚተታት ረድኤት ተቛቚመን። ብኣማኢት ዚቝጸሩ ኣስፋሕቲ ምግቢ ብምዕሻግ፡ ቀረባት ብምጽዕዓን ወይ ድማ ተሽከርከርቶም ብምልቃሕ ሓጊዞም እዮም።c ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2020 ንልዕሊ 22,700 ሰባት ንምምጋብ 691,561 ዶላር ወጻኢ ተገይሩ።

ስእልታት፦ 1. ኣሕዋትን ኣሓትን ረድኤት ምግቢ ሒዞም ፍሽኽ ይብሉ። 2. ኣሕዋትን ኣሓትን ምስቲ እተዋህቦም ረድኤት ምግቢ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ደው ኢሎም።

ኣብ ዚምባብወ ዚነብሩ ኣሕዋትና ረድኤት ምግቢ ይቕበሉ (ቅድሚ ለበዳ)

ኣብ ገሊኡ ዅነታት፡ እቶም ኣሕዋት ዝነበሮም ምግቢ ኣብ ምውዳኡ እቲ ረድኤት በጺሕዎም። እቲ ምግቢ ምስ በጽሐ ኣሕዋትና ንየሆዋ ወዲሶምዎ። አረ ገሊኦምሲ መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ዘሚሮም እዮም።

ኣብ ሓደ ኸባቢ፡ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መበለታት፡ ብሓደ ዘይመንግስታዊ ትካል ብዛዕባ ዚዕደል ረድኤት ኣብ ዚምልከት ኣኼባ ተኻፊለን ነይረን። ኰይኑ ግና፡ እቲ ኣኼባ ናብ ፖለቲካ ስለ ዝዛዘወ፡ እተን ኣሓት ነቲ ረድኤት ኪወስዳ ዝቐረበለን ቅድመ ዅነት ኺነጽጋኦ ወሲነን። ካብቲ ኣኼባ ኺወጻ ኸለዋ ምግቢ ደሊኽን ናብዚ ገጽክን ቅልቅል ከይትብላ ኢሎም ኣሽካዕለሉለን። ኰይኑ ግና፡ ክልተ ሰሙን ጥራይ ጸኒሑ፡ ናይቲ ዘይመንግስታዊ ትካል ረድኤት ቅድሚ ምምጻኡ፡ ኣሕዋትና ኣብቲ ቦታ በጺሖም ነተን ኣሓትና ረድኤት ምግቢ ዓዲሎመን።

ፕሪስካ ኣብ ቅድሚ ቤታ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ኸረጺት ምግቢ ኾፍ ኢላ ፍሽኽ ትብል።

ፕሪስካ፡ “የሆዋ ንኣገልገልቱ ኣሕፊርዎም ኣይፈልጥን እዩ” በለት።

ኣብ ዚምባብወ ንባህርያዊ ሓደጋ እተገብረ ረድኤት ጽቡቕ ምስክርነት ረኺቡ እዩ። ንኣብነት፡ ተመክሮ ሓንቲ ኣብ ንእሽቶ ዓዲ እትነብር ፕሪስካ እስከ ንርአ። ደርቂ ዘስዓቦ ጸገማት እናሃለወ ኽነሱ፡ ፕሪስካ ኣብ ግዜ ማሕረስ እውን ከይተረፈ፡ ረቡዕን ዓርብን ንኣገልግሎት ወፈየቶ። እቶም ደቂ ዓዳ፡ “ብሰንኪ ስብከትኪ ስድራ ቤትኪ ብጥሜት ክትቀትልዮም ኢኺ” እናበሉ የባጭዉላ ነበሩ። ፕሪስካ ድማ፡ “የሆዋ ንኣገልገልቱ ኣሕፊርዎም ኣይፈልጥን እዩ” ኢላ መለሰትሎም። ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ፡ ካብ ውድብና ረድኤት ተቐበለት። እዚ ንገለ ኻብ ጐረባብታ መሲጥዎም እዩ። “ኣምላኽኪ ብሓቂ ኣየሕፈረክን፣ ስለዚ ብዛዕባኡ ብዝያዳ ኽንፈልጥ ንደሊ ኢና” ድማ በልዋ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ሸውዓተ ኻብ ጐረባብታ ነቲ ብረድዮ ዚፍኖ ኣኼባታት ጉባኤ ይሰምዑ ኣለዉ።

ናብ መወዳእታ እናቐረብና ብዝኸድና መጠን፡ ባህርያዊ ሓደጋታት ብቐጻሊ ኼጋጥመና እዩ። (ማቴዎስ 24:3, 7) በቲ ኣብ donate.jw.org ዘሎ መገድታት ተጠቒምኩም ወፈያታት ብምግባርኩም ነመስግነኩም። እዚ ወፈያ እዚ፡ ነቶም እተጸገሙ ኣብቲ ዜድልዮም ግዜ ዜድልዮም ዘበለ ኸነማልኣሎም የኽእለና እዩ።

a ዓመት ኣገልግሎት 2020 ካብ መስከረም 2019 ክሳዕ ነሓሰ 2020 ንዘሎ 12 ኣዋርሕ የመልክት።

b ኵሉ እቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተጠቒሱ ዘሎ ዶላር ናይ ሕ.መ.ኣ. ዶላር የመልክት።

c ብምኽንያት እቲ ምስ ለበዳ ኮቪድ 19 ብዚተሓሓዝ እተገብረ ቐይድታት፡ ኣሕዋትና ምግቢ ንምብጽጻሕ ፍቓድ ኪረኽቡ የድልዮም ነበረ። ንገዛእ ርእሶም እውን በቲ ቫይረስ ከይልከፉ ኣዝዮም ይጥንቀቑ ነይሮም እዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ