እግረ ጽሑፍ
b እዚ ክግለጽ ዝጸንሐ ሓሳብ ኣብቲ ነቲ ኣከራኻሪ ኣርእስቲ ንጹር ንምግባሩ ዓቕሚ ዘለዎ ክነሱ: ተርጐምቲ ግን ከምኡ ምግባር ዝኣበይሉ ቋንቋታት ዘተኰረ ኢዩ። ኣብ ገሊኡ ቋንቋታት እቲ ክርከብ ዝከኣል ማህደረ-ቃላት ንዓቕሚ ተርጐምቲ ኣጸቢቑ ይድርቶ ኢዩ። ሽዑ ቅኑዓት ናይ ሃይማኖት መምህራን: ሽሕ’ኳ እቲ ተርጓሚ እተፈላለየ ስያመታት ወይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መልእኽቲ ዘየመሓላልፍ ስያመታት ከይተረፈ እንተ ተጠቕመ: እቲ ነ ʹፈሽ ዝብል ናይቲ በዅሪ ቋንቋ ስያመ: ንኽልቲኡ ማለት ንሰብን እንስሳን ከምኡውን ንሓደ ዘስተንፍስን ዝበልዕን ክመውት ዝኽእልን ነገር ከም ዘመልክት ይገልጹ።