እግረ ጽሑፍ
a ብመሰረት እታ ታሪኽ ህዝቢ ኣይሁድ ኣብ ግዜ የሱስ ክርስቶስ (175 ቅ.ል.ክ.–135 ዓ.ም.) እትበሃል ብኤሚል ሹረር እተዳለወት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ሚሽናህ ብዛዕባ እቲ ላዕለዋይ ወይ ሰብዓን ሓደን ዝኣባላቱ ሳንሄድሪን ወይ ከኣ ብዛዕባ እተን ታሕተዎት ወይ 23 ኣባላት ዝነበርወን ሳንሄድሪናት ዝኽተሎ መስርሕ ዝገልጽ ጸብጻብ ዘይብሉ እኳ እንተዀነ: ኣዝዩ ዝርዝር ብዝበዝሖ መገዲ ተገሊጹ ኢዩ። ናይ ሕጊ ተማሃሮ ኣብቲ ብታሕተዎት ሳንሄድሪናት ዝርአ ብሞት ዘቕጽዕ ናይ ፍርዲ ጕዳይ ክካፈሉ ይኽእሉ ነበሩ: ግናኸ ነቲ ኽሱስ ዝድግፍ ድኣ እምበር ኣንጻሩ ክዛረቡ ኣይፍቀደሎምን ኢዩ ነይሩ። ብሞት ዘየቕጽዕ ናይ ፍርዲ ጕዳይ ክርእዩ ኸለዉ: ነቲ ኽሱስ ዝድግፍ ወይ ኣንጻሩ ክዛረቡ ይኽእሉ ነበሩ።