እግረ ጽሑፍ
a መጽሓፍ ኣዋልድ ወይ ኣቡኸሪፋ (ቃል ብቓሉ “ስዉር”) ከምኡውን እቲ ሱዲፒግራፋ (ቃል ብቓሉ “ናይ ሓሶት ጽሑፋት”) ተባሂሉ ዘሎ ስንክሳር ካብ ሳልሳይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ክሳዕ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. እተዳለወ ናይ ኣይሁድ ጽሑፋት ኢዩ። ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ንመጽሓፍ ኣዋልድ ከም ክፍሊ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መጽሓፍ ቅዱስ ገይራ ኽትወስዶ ኸላ: ኣይሁዳውያንን ፕሮተስታንትን ግን ይነጽግዎ ኢዮም። ሱዲፒግራፋ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምስፋሕ ተባሂሉ ብኣስማት ናይ ገለ ውሩያት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሰባት እተጻሕፈ ኢዩ።