እግረ ጽሑፍ a ጸሓፍቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ንመበል 91 መዝሙር ብዛዕባ መሲሕ እትዛረብ ትንቢት ገይሮም ኣይኰኑን ዘቕርብዋ። የሆዋ ልክዕ ከምቲ ኣብዚ “ዘመን መወዳእታ” ነቶም ቅቡኣት ሰዓብቲ የሱስን ነቶም ህይወቶም ዝወፈዩ ብጾቶምን ብጕጅለ ደረጃ ዕቝባን ዕርድን ኰይንዎም ዘሎ: ነቲ ሰብ ኰይኑ ዝነበረ የሱስ ክርስቶስ እውን ዕቝባን ዕርድን ኰይንዎ ከም ዝነበረ ፍሉጥ ኢዩ።—ዳንኤል 12:4