እግረ ጽሑፍ
a እታ ዘ ሆሊ ባይብል ዊዝ ኣን ኤክስፕላናቶሪ ኤንድ ክሪቲካል ኮመንታሪ ዘርእስታ ብኤፍ. ሲ. ኩክ እተዳለወት መጽሓፍ ነቲ ብግዜ ጥንቲ ዚግበር ዝነበረ ጥንቈላ ኽትገልጾ ኸላ: “ወርቂ: ብሩር: ወይ ዕንቊ ናብ ማይ ደርቢኻ ነቲ ኣብኡ ዚፈጥሮ ምስሊ ብምምርማር ይጥንቍሉ ነበሩ፣ ወይ ከኣ ልክዕ ኣብ መስትያት ከም እትርኢ ዄንካ ናብ ማይ ብምርኣይ እውን ይጥንቍሉ ነይሮም” ትብል። ክሪስቶፈር ዎርድስዎርዝ ዚበሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ወሃብ ርእይቶ ድማ ከምዚ በለ:- “ሓድሓደ እዋን ነታ ጽዋእ ብማይ ይመልእዋ እሞ: እቲ ዝደለይዎ መልሲ በቲ ጸሓይ ኣብታ ኣብ ጽዋእ ዘሎ ማይ ዚፈጥሮ ምስሊ ኣቢሉ ይወሃብ ነበረ።”