እግረ ጽሑፍ
c ካልኦት ኣባላት ስድራ ቤት የሱስ፡ ማለት ኣዲኡን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ተጠቒሶም ስለ ዘለዉ፡ ዮሴፍ ኣብ ኣገልግሎት የሱስ ከይተጠቕሰ ምሕላፉ ኣቓልቦ ዚስሕብ ነገር እዩ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ኣብ ቃና እተገብረ መርዓ፡ ማርያም ብንጥፈት ክትሳተፍን ባዕላ ተበግሶ ኽትወስድን ከላ እኳ እንተ ተጠቕሰ፡ ዮሴፍ ግን ፈጺሙ ኣይተጠቕሰን። (ዮሃንስ 2:1-11) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ እቶም ኣብታ የሱስ ዝዓበየላ ዓዲ ዝነብሩ ሰባት ንየሱስ፡ ወዲ ዮሴፍ ኢሎም ዘይኰነስ፡ “ወዲ ማርያም” ኢሎም ከም ዝጸውዕዎ ተጠቒሱ ኣሎ።—ማርቆስ 6:3።