እግረ ጽሑፍ
a ደም ናይ ሓደ ንመስዋእቲ ዚቐርብ እንስሳ እዩ ኼተዓርቕ ዚኽእል ነይሩ፣ እዚ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ቅዱስ ገይርካ ይርአ ነበረ። (ዘሌዋውያን 17:11) ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ እቲ ድኻታት ዜቕርብዎ ሓርጭ ዋጋ ኣይነበሮን ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። የሆዋ ኣብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታት ዚርአ መንፈስ ትሕትናን ፍቓደኛነትን ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ብተወሳኺ፡ ሓጢኣት ናይቲ ህዝቢ፡ እንተላይ ናይቶም ድኻታት፡ በቲ ኣብ ዓዓመት ኣብ መዓልቲ ምትዕራቕ ናብ ኣምላኽ ዚቐርብ ዝነበረ ደም ናይ እንስሳታት ይሽፈን ነበረ።—ዘሌዋውያን 16:29, 30።