እግረ ጽሑፍ
b እቲ ናዚ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝገበሮ ጃምላዊ ቕትለት፡ ሓደ ኻብቲ መንግስቲ ንሃይማኖታትን ቀቢላውያን ጕጅለታትን ንምጥፋእ ዚገብሮ ፈተነታት እዩ። ኣብ እዋን ሶቭየት፡ ኵለን እተን ኣብ ውሽጢ ዴሳዊ ሪፓብሊካት ሕብረት ሶቭየት ዝነበራ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ከቢድ ጸቕጢ ተገይሩለን ነይሩ እዩ። ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኣብ 1 ግንቦት 2011 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ንጽቡቕ ስሙ እተጣበቐሉ ሰላማዊ ህዝቢ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።