እግረ ጽሑፍ
a የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ ኣብ ህይወት ንዜጋጥም ናይ ሓቂ ልምድታትን ተግባራትን እዩ ዜንጸባርቕ ነይሩ። ኣይሁድ ንጋሻ ምቕባል ከም ኣዝዩ ኣገዳሲ ግዴታ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም። ሓንቲ ስድራ ቤት ነታ መዓልቲ እትኣኽላ እንጌራ ጥራይ እያ እትስንክት ነይራ፣ ስለዚ፡ እቲ እተሰንከተ እንተ ተወዲኡ፡ እንጌራ ምልቃሕ ልሙድ እዩ ነይሩ። ድኻታት እንተ ዀይኖም ከኣ፡ ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤት ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ፡ ኣብ ባይታ እዮም ዚድቅሱ ነይሮም።