እግረ ጽሑፍ
e ሕጡብ ጽሑፍ 14፦ እዚ ብዛዕባ ማቴዎስ 13:42 ንዝነበረና ምርዳእ ዜተዓራሪ እዩ። ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ጽሑፋትና፡ ናይ ሓሶት ክርስትያናት ‘ኪበኽዩን ኣስናኖም ኪሕርቅሙን’ ካብ ዚጅምሩ ዓሰርተታት ዓመታት ከም ዘሕለፉ፡ ከምኡ ዚገብሩሉ ምኽንያት ድማ፡ “ደቂ መንግስቲ” ንዓታቶም “ደቂ እቲ እኩይ” ምዃኖም ስለ ዜቃልዕዎም ብምዃኑ ዚገልጽ ሓበሬታ ወጺኡ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 13:38) ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ምሕርቃም ኣስናን፡ ምስ ጥፍኣት እተተሓሓዘ ምዃኑ ኽንግንዘብ ኣሎና።—መዝ. 112:10።