እግረ ጽሑፍ
b ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ፡ ፒራሚድ ዝቕርጹ ደረጃ ዘለዎ ግምብታት ቤተ መቕደስ ኣብ ማእከል ሲንኣር ረኺቦም እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቶም ኣብ ባቤል ዝነበሩ ሃነጽቲ እቲ ግምቢ፡ ጡብ ኣብ ክንዲ እምኒ፡ ጸብሪ ድማ ኣብ ክንዲ ኖራ ኸም እተጠቕሙ ይገልጽ። (ዘፍጥረት 11:3, 4) ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ፡ ‘ኣብ መሰጶታምያ፡ እምኒ፡ ብርቂ ኸም ዝነበረ ወይ እውን ፈጺሙ ኸም ዘይነበረ፡ ጸብሪ ግና ብብዝሒ ይርከብ ከም ዝነበረ’ ይገልጽ።