እግረ ጽሑፍ
b እቲ ዴቦራ ዝዘመረቶ መዝሙር፡ ሲሰራ ኻብ ውግእ ኪምለስ ከሎ ሒዝዎ ዚመጽእ ዝነበረ ምርኮ፡ ኣዋልድ እውን ዜጠቓልል ከም ዝነበረ ዚሕብር እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ነፍሲ ወከፍ ወተሃደር ካብተን ኣዋልድ ካብ ሓንቲ ንላዕሊ ይወስድ ነበረ። (መሳፍንቲ 5:30) እታ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ “ጓል” ተባሂላ እተተርጐመት ቃል፡ ቃል ብቓሉ “ማህጸን” ማለት እያ። ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ፡ ደቂ ኣንስትዮ መርወዪ ጾታዊ ስምዒት ጥራይ ጌርካ ይርኣያ ኸም ዝነበራ ዜርኢ እዩ። ንደቀ ኣንስትዮ ምዕማጽ ድማ ተራ ነገር እዩ ነይሩ።