እግረ ጽሑፍ b ገሊኦም ንኣርማጌዶን ዚሰግሩ ሰባት፡ ስንኩላን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ‘ኵሉ ድናሰ’ ኣሕውዩ እዩ፣ እቲ ሽዑ ዝገበሮ ኸኣ፡ ነቶም ካብ ኣርማጌዶን ዚድሕኑ እንታይ ከም ዚገብረሎም ዜርኢ እዩ ነይሩ። (ማቴ. 9:35) እቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ፡ ምሉእ ጥዕናን ሰብነትን ሒዞም እዮም ኪትንስኡ።