እግረ ጽሑፍ
a ፕሮፌሰር ማርቪን ፔት፡ “ብልምዲ እታ ‘ሎሚ’ እትብል ቃል፡ ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓት ንዝንውሓቱ እዋን ከም እተመልክት ናይ ግዜ መመልከቲ ጌርካ እያ እትውሰድ ነይራ። ነዚ ኣረኣእያ እዚ ኣጸጋሚ ዚገብሮ ግና፡ ምስቲ የሱስ ድሕሪ ሞቱ ፈለማ ናብ ሃደስ ከም ‘ዝወረደ’ (ማቴ. 12:40፣ ግብ. 2:31፣ ሮሜ 10:7) እሞ ድሕሪኡ ናብ ሰማይ ከም ዝዓረገ ዚገልጽ ኣብ ካልእ ቦታታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትምህርቲ ብርኡይ ስለ ዚጋጮ እዩ።”