እግረ ጽሑፍ
b መግለጺ ስእሊ፦ ጽሬት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እናተኻየደ ኸሎ፡ ጆ ዝስሙ ሓው ጽሬት ኣቋሪጹ ምስ ካልእ ሓውን ምስ ወዱን የዕልል። እቲ ብቫክዩም ዜጽሪ ዘሎ ማይክ ከኣ በዚ ይሓርቕ። ‘ጆ ስራሑ ኺሰርሕ እምበር፡ ኬዕልል ኣይነበሮን’ ኢሉ ይሓስብ። ደሓር ግና፡ ጆ ንሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ኺሕግዛ ኸሎ፡ ማይክ ይርኢ። ማይክ ነዚ ልቢ ዚትንኪ ተግባር እዚ ምስ ረኣየ፡ ብዛዕባ ጽቡቕ ባህርያት ሓዉ ብዝያዳ ኺሓስብ ከም ዘለዎ ይዝክር።