እግረ ጽሑፍ
b መግለጺ ስእሊ1፦ ሓንቲ ሓብቲ ኻብ ቍልዕነት ኣትሒዛ ኣዘውቲራ ናብ የሆዋ ትጽሊ። ንእሽቶ ኸላ፡ ወለዳ ብኸመይ ከም እትጽሊ ምሂሮምዋ እዮም። መንእሰይ ምስ ኰነት፡ ፈላሚት ኰይና ተገልግል፡ የሆዋ ንኣገልግሎታ ኺባርኸላ ድማ ብዙሕ ሳዕ ትጽሊ። ድሕሪ ዓመታት፡ ሰብኣያ ብርቱዕ ሕማም ምስ ሓመመ፡ ነቲ ፈተና ኽትጻወር ዜድልያ ብርታዐ ንምርካብ ምህለላ ተቕርብ። ሎሚ መበለት ኰይና ኣብ እትነብሮ ህይወት ከኣ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦኣ ኸምቲ ኣብ ምሉእ ህይወታ ዚገብሮ ዝነበረ ንጸሎታ ኸም ዚምልሰላ ተኣማሚና፡ ብጸሎት ትጸንዕ።