እግረ ጽሑፍ
a ሰባት ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪቕበሉ ኸለዉ ንሕጐስ ኢና፣ ምቕባል ኪኣብዩ ኸለዉ ድማ ንጕሂ ኢና። እሞ ደኣ ሓደ እትሕግዞ ዘለኻ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዕቤት እንተ ዘይገይሩኸ፧ ወይ ድማ ንሓደ ሰብ ናብ ጥምቀት ኪበጽሕ ብቐጥታ ሓጊዝካ ዘይትፈልጥ እንተ ዄንካኸ፧ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ከም ዘይተዓወትካ ድዩ ኺስምዓካ ዘለዎ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሰባት ንጻዕርታትና ዚህብዎ ምላሽ ብዘየገድስ፡ ኣብ ኣገልግሎትና ብኸመይ ክንዕወትን ሓጐስ ክንረክብን ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና።