እግረ ጽሑፍ
a የሆዋ ዜደንቕ ውህበት ሂቡና ኣሎ፣ እዚ ድማ ውህበት ዘረባ እዩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ መብዛሕትኦም ሰባት ነዚ ውህበት እዚ ኸምቲ የሆዋ ዝሓለኖ ገይሮም ኣይጥቀሙሉን እዮም። ኣብዛ መለክዒታታ እናኣንቈልቈለ ዚኸይድ ዘሎ ዓለም፡ ዘረባና ንጹህን ሃናጽን ምእንቲ ኪኸውን እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ኣብ ኣገልግሎት ክንሳተፍ ከለና፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኽንእከብ ከለና፡ ከምኡ እውን ምስ ካልኦት ክንዛራረብ ከለና፡ ዘረባና ንየሆዋ ባህ ዜብል ክንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ፡ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽንርኢ ኢና።