እግረ ጽሑፍ
a ሚልዮናት ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ብቕንኣት ብስራት ይሰብኩ ኣለዉ። ንስኻኸ ሓደ ኻባታቶም ዲኻ፧ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ሓላዊና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኢኻ እትዓዪ ዘለኻ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሱስ ነቲ ሎሚ ዚዕየ ዘሎ ዕዮ ስብከት ይመርሖ ኸም ዘሎ ዜርኢ መርትዖ ኽንምርምር ኢና። ብዛዕባ እዚ ሓበሬታ እዚ ምስትንታንና፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሱስ ክርስቶስ ብቐጻሊ ንየሆዋ ንምግልጋል ክንቈርጽ ይሕግዘና እዩ።