እግረ ጽሑፍ a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ክርስትያናዊት ተስፋ እንታይ ከም እተጠቓልል፡ ከም እትፍጸም እውን ስለምንታይ ርግጸኛታት ክንከውን ከም እንኽእል ክንምርምር ኢና። ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 5፡ እታ ሕጂ ዘላትና ተስፋ፡ ካብታ ሓቂ ኣብ ፈለማ ኽንፈልጥ ከለና ዝነበረትና ተስፋ ብኸመይ ከም እትፍለ ኽንርኢ ኢና።