ሰንበት 26 ጥቅምቲ
ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም።—ያእ. 4:6።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ዘፍቀራኦን ዘገልገላኦን ብዙሓት ዜደንቓ ኣንስቲ ተጠቒሰን ይርከባ። እዚኣተን “ወራዙት፡ ብዅሉ እውን እሙናት” እየን ነይረን። (1 ጢሞ. 3:11) ብተወሳኺ፡ ኣሓት ኣብ ገጉባኤአን፡ ኣርኣያ ኪዀናአን ዚኽእላ ብሱላት ክርስትያን ኣንስቲ ኺረኽባ ይኽእላ እየን። ኣትን መንእሰያት ኣሓት፡ ኣርኣያ ኪዀናኽን ዚኽእላ ብሱላት ክርስትያን ኣንስቲ ትፈልጣዶ፧ ነቲ ጽቡቕ ባህርያተን ኣስተብህላሉ። ትሕትና ኣገዳሲት መዳይ ክርስትያናዊ ብስለት እያ። ሓንቲ ሰበይቲ ትሕትቲ እንተ ዀይና፡ ምስ የሆዋን ምስ ሰባትን ጽቡቕ ርክብ እዩ ዚህልዋ። ንኣብነት፡ ንየሆዋ እተፍቅሮ ሰበይቲ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኣ ዝሰርዖ ስርዓት ርእስነት ብትሕትና ትድግፎ እያ። (1 ቈረ. 11:3) እቲ ስርዓት እቲ ኣብ ጉባኤ ዀነ ኣብ ስድራ ቤት ብንጹር ይዕየየሉ እዩ። w23.12 18-19 ¶3-5
ሰኑይ 27 ጥቅምቲ
ሰብኡት . . . ንኣንስቶም ከም ሰብነቶም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ።—ኤፌ. 5:28።
የሆዋ ንሰብኣይ፡ ንሰበይቱ ኼፍቅር፡ ብኣካላውን ብስምዒታውን ብመንፈሳውን መዳይ ድማ ዜድሊ ዘበለ ኼማልኣላ ይጽበዮ እዩ። ናይ ምምዝዛን ክእለት ምምዕባል፡ ንደቂ ኣንስትዮ ምኽባር፡ ርጡብ ምዃን ኣብ ሓዳርኩም ኪጠቕመኩም እዩ። ምስ ተመርዓኹም፡ ኣቦታት እውን ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም። ንፉዕ ኣቦ ብዛዕባ ምዃን ካብ የሆዋ እንታይ ክትምሃሩ ትኽእሉ፧ (ኤፌ. 6:4) የሆዋ ንወዱ የሱስ ከም ዜፍቅሮን ከም ዚሰምሮን ብግህዶ እዩ ገሊጹሉ። (ማቴ. 3:17) ኣቦታት እንተ ዄንኩም፡ ንደቅኹም ከም እተፍቅርዎም ኣዘውቲርኩም ኣረጋግጹሎም። ስለቲ ዚገብርዎ ጽቡቕ ነገራት ብተደጋጋሚ ንኣድዎም። ኣብነት የሆዋ ዚስዕቡ ኣቦታት ንደቆም ናብ ብስለት ኪዓብዩ ይሕግዝዎም እዮም። ስለዚ፡ ንስኻትኩም ኣብ ስድራ ቤትኩምን ኣብ ጉባኤኹምን ንዚርከቡ ኻልኦት ብፍቕሪ ብምክንኻን፡ ፍቕርኹምን ሞሳኹምን እውን ብምግላጽ፡ ነቲ ደሓር ዚመጽእ ሓላፍነት ካብ ሕጂ ኽትዳለዉ ትኽእሉ ኢኹም።—ዮሃ. 15:9። w23.12 28-29 ¶17-18
ሰሉስ 28 ጥቅምቲ
[የሆዋ] ርግኣት ግዜያትካ እዩ።—ኢሳ. 33:6።
እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እኳ እንተ ዀንና፡ ከም ሰብና ጸገማትን ሕማምን የጋጥመና እዩ። ካብቶም ንህዝቢ ኣምላኽ ዚጸልኡ ሰባት እውን ተቓውሞ ወይ መስጐጕቲ የጋጥመና እዩ። የሆዋ ኻብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ዘይጋርደና እኳ እንተ ዀነ፡ ከም ዚሕግዘና ግና ቃል ኣትዩልና ኣሎ። (ኢሳ. 41:10) ብሓገዙ ድማ ሓጐስና ኽንዕቅብ፡ ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ንዕኡ እሙናት ኴንና ኽንመላለስ ንኽእል ኢና። የሆዋ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ሰላም ኣምላኽ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ ነገር ከም ዚህበና ቓል ኣትዩ ኣሎ። (ፊል. 4:6, 7) እዚ ሰላም እዚ ነቲ ምስኡ ኻብ ዘሎና ርክብ ዚምንጭው ህድኣትን ቅሳነትን እዩ ዜመልክት። ብዘይካዚ ድማ፡ “ካብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ፣ እዚ ማለት ከኣ ካብቲ ኽንሓስቦ እንኽእል ንላዕሊ ዜደንቕ እዩ ማለት እዩ። ናብ የሆዋ ልባዊ ጸሎት ድሕሪ ምቕራብካ፡ ዜደንቕ ህድኣት ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ እቲ ስምዒት እቲ፡ “ሰላም ኣምላኽ” እዩ። w24.01 20 ¶2፣ 21 ¶4