ሰሉስ 9 መስከረም
ዓሻ ሰበይቲ ዋዕዋዕተኛን ደንቈሮን . . . እያ።—ምሳ. 9:13።
እቶም ንጻውዒት እታ “ዓሻ ሰበይቲ” ዚሰምዑ፡ እዚ ዚስዕብ ምርጫ እዩ ዚቐርበሎም ዘሎ፦ ንዕድመኣ ኪቕበልዎ ድዮም፡ ወይስ ኪነጽግዎ፧ ካብ ምንዝርና እንርሕቐሉ ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎና። እታ “ዓሻ ሰበይቲ፡” “ናይ ስርቂ ማይ ጥዑም እዩ” ኸም እትብል ጌርካ ተገሊጻ ኣላ። (ምሳ. 9:17) “ናይ ስርቂ ማይ” እንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ መንጎ ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ዚግበር ጾታዊ ርክብ ንጽምኢ ኸም ዜርዊ ማይ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። (ምሳ. 5:15-18) ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ውሽጢ ሓዳሮም ብግቡእ ጾታዊ ተግባራት ባህ ኪብሎም ይኽእል እዩ። ናይ ስርቂ ማይ ግና ካብዚ ኣመና እተፈልየ እዩ። ነቲ ኻብ ሕጊ ወጻኢ ዝዀነ ጾታዊ ርክብ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምቲ ሰራቒ ብሕቡእ ዚሰርቕ፡ እዚ ተግባር እዚ እውን መብዛሕትኡ ግዜ ብሕቡእ እዩ ዚግበር። እቶም ዚምንዝሩ ሰባት ካብ ሳዕቤናቱ ዜምልጡ ዘለዉ እንተ መሲልዎም፡ “ናይ ስርቂ ማይ” ጥዑም ኪመስል ይኽእል እዩ። እዚ ግና መታለሊ እዩ! የሆዋ ንዅሉ ይርእዮ እዩ። ሞገሱ ኻብ ምስኣን ዚመርር ነገር የሎን፣ ስለዚ፡ ብሓቂ “ጥዑም” ኣይኰነን።—1 ቈረ. 6:9, 10። w23.06 22 ¶7-9
ረቡዕ 10 መስከረም
ዋላ እኳ ኸይፈቶኹ እንተ ገይረዮ፡ እዚ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት እዚ ብሕድሪ ተዋሂቡኒ እዩ።—1 ቈረ. 9:17።
ንእተወሰነ እዋን ጸሎትካ ኻብ ክሳድ ንላዕሊ፡ ወይ ኣገልግሎትካ ዕንክሊል እንተ ዀይኑካኸ፧ መንፈስ የሆዋ ኸም ዝሰኣንካ ጌርካ ኣይትደምድም። ቅድም ቀዳድም፡ ዘይፍጹም ሰብ ኢኻ፣ ስምዒታትካ እውን ኪቀያየር ይኽእል እዩ። ቅንኣትካ ኺንኪ እንተ ጀሚሩ፡ ብዛዕባ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣስተንትን። ንሱ ንየሱስ ኪመስሎ ይጽዕር እኳ እንተ ነበረ፡ ሓድሓደ ግዜ ግና ተበግሶኡ ዚንክየሉ እዋን ነይሩ እዩ። ጳውሎስ ስምዒቱ እዚ ይኹን እቲ ብዘየገድስ፡ ኣገልግሎቱ ንምፍጻም ቈሪጹ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ እቲ ዘይፍጹም ስምዒታትካ፡ ውሳነ ኺገብረልካ ኣይተፍቅድ። ስምዒታትካ እዚ ይኹን እቲ ብዘየገድስ፡ ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ቈራጽነት ግበር። እናሓደረ ተግባራትካ ንስምዒታትካ ኼመሓይሾ እዩ።—1 ቈረ. 9:16። w24.03 11-12 ¶12-13
ሓሙስ 11 መስከረም
መርትዖ እታ ንዓታቶም ዘላትኩም ፍቕሪ ኣርእዩ።—2 ቈረ. 8:24።
ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ከም ፈተውትና ጌርና ብምቕባል ፍቕሪ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። (2 ቈረ. 6:11-13) መብዛሕትና ኣብ ጉባኤታትና ኻብ እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝመጹን እተፈላለየ ስብእና ዘለዎምን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉና። ኣብ ጽቡቕ ባህርያቶም እንተ ኣተኵርና፡ ንዅላቶም ዘሎና ፍቕሪ ኸነሐይል ንኽእል ኢና። ንሰባት ከምቲ የሆዋ ዚርእዮም ጌርና እንተ ርኢናዮም ከም እነፍቅሮም ነመስክር ኢና። ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ፍቕሪ ወሳኒ ግደ ኺህልዋ እዩ። እቲ ጸበባ እቲ ምስ ጀመረ፡ ኣበይ ኢና ዕቝባ እንረክብ፧ ኣብ ልዕሊ ጥንታዊት ባቢሎን መጥቃዕቲ ምስ ተፈነወ፡ የሆዋ ንህዝቡ ኸምዚ ዚስዕብ ኪገብሩ እዩ ትእዛዝ ሂብዎም፦ “ኣቱም ህዝበይ፡ ኪዱ፡ ናብ ውሽጣዊ ኽፍልታትኩም እተዉ፡ ማዕጾኹም እውን ብድሕሬኹም ዕጸዉ። ቍጥዓ ኽሳዕ ዚሓልፍ፡ ንሓጺር ህሞት ተሓብኡ።” (ኢሳ. 26:20) እቲ ብርቱዕ ጸበባ ምስ ጀመረ፡ ንሕና እውን ነዚ መምርሒ እዚ ኽንትግብር የድልየና ይኸውን። w23.07 6-7 ¶14-16