መንፈስ ልግሲ ክዓስል ከሎ
ንሓደ ንጉስ ህያብ ናይ ምሃብ ኣጋጣሚ እንተ ትረክብ: እንታይ ዓይነት ህያብ ምሃብካዮ፧ እቲ ንጉስ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ እቲ ዝለዓለ ሃብትን ጥበብን ዘለዎ መራሒ እንተ ዝኸውንከ፧ ንዕኡ የሐጕሶ ኢዩ እትብሎ ዓይነት ህያብ ኣብ ሓሳብካ ኣሎዶ፧ ገለ ሰለስተ ሽሕ ዓመታት ይገብር ንግስቲ ሳባ ነቲ ኸምዚ ዝበለ መራሒ ዝነበረ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ንምብጻሕ ምድላዋት ክትገብር ከላ: ነዚ ሕቶታት እዚ ኣጸቢቓ ክትሓስበሉ ኣድልይዋ ነበረ።
እቲ ንሳ ዝሃበቶ ህያብ 120 ታለንት ወርቅን “ኣዝዩ ብዙሕ ቀመማትን ክቡራት እእማንን” ዘጠቓለለ ምንባሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና። በዚ ሎሚ ዘሎ ዋጋ ክረአ ኸሎ እቲ ወርቂ ጥራይ ዳርጋ 40,000,000 ዶላር ኣመሪካ ዘውጽእ ኢዩ። እቲ ቕዱይን ንሕክምና ዘገልግልን ዘይቲ መሰል ቀመማት ምስ ወርቂ ዝስራዕ ክብሪ ኢዩ ነይርዎ። እታ ንግስቲ ንሰሎሞን ዝሃበቶ ቀመም ክንደይ ምንባሩ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሕብር እኳ እንተዀነ: እቲ ዝሃበቶ ህያብ መዳርግቲ ኸም ዘይነበሮ ግን ይነግረና ኢዩ።—1 ነገስት 10:10
ንግስቲ ሳባ ሃብታምን ለጋስን ሰበይቲ ምንባራ ካብቲ ዅነታት ክትርድኦ ዝከኣል ኢዩ። ከምቲ ዘርኣየቶ ልግሲ ድማ ተፈድያ ኢያ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ብዘይ እቲ ንሳ ናብ ንጉስ ኣምጺኣቶ ዝነበረት: ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ንንግስቲ ሳባ ዝለመነቶ ዘበለ ዅሉ ድላያ ሀባ።” (2 ዜና መዋእል 9:12 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ሓቂ ኢዩ ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ንግስነታት ህያብ ናይ ምልውዋጥ ልምዲ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ግን ‘ንልግሲ’ ሰሎሞን ፍልይ ኣቢሉ ኢዩ ዝጠቕሶ። (1 ነገስት 10:13) ሰሎሞን ባዕሉ ኸምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ለጋስ ነፍሲ ኣዝያ ትጸግብ: እቲ ዜርዊ ኸኣ ንርእሱ ይረዊ።”—ምሳሌ 11:25
ርግጽ ኢዩ: ንግስቲ ሳባ ንሰሎሞን ክትበጽሕ ዝኸፈለቶ ግዜን ሃልክን ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ ነይሩ። ሳባ ኣብዚ ዘመናዊት ሪፓብሊክ የመን እትርከበሉ ከባቢ ዝነበረት ኢዩ ዝመስል፣ ስለዚ እታ ንግስትን እቲ ምስኣ ዝነበረ ናይ ኣግማል ቃፍላይን የሩሳሌም ንምብጻሕ ልዕሊ 1,600 ኪሎ ሜተር ተጓዒዙ ኢዩ። ከምቲ የሱስ ዝበሎ እታ ንግስቲ ‘ካብ ወሰን ምድሪ ኢያ መጺኣ።’ ንግስቲ ሳባ ክንድዚ ዝኣክል ሃልኪ ክትገብር ግን ስለምንታይ ኣድለያ፧ እቲ ቐንዲ መኽየዲኣ “ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ” ኢዩ ነይሩ።—ሉቃስ 11:31
ቀዳማይ ነገስት 10:1, 2 ንግስቲ ሳባ ንሰሎሞን “ብሕንቅሕንቅሊቶይ ክትፍትኖ መጸት። . . . ኣብ ልባ ዝነበረ ዅሉ ኣዛረበቶ” ብምባል ትገልጽ። ሰሎሞን እንታይ ምላሽ ሃበ፧ “ሰሎሞን ከኣ ኵሉ ዘረባኣ ገለጸላ: ዘይገለጸላ ኻብ ንጉስ እተሰወረ ነገር ኣይነበረን።”—1 ነገስት 10:3
እታ ንግስቲ በቲ ዝሰምዓቶን ዝረኣየቶን ብምምሳጥ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ስምዒታ ገለጸት:- “እዞም ወርትግ ኣብ ቅድሜኻ ደው ኢሎም ጥበብካ ዚሰምዑ ገላዉኻ ብጹኣን እዮም።” (1 ነገስት 10:4-8) ገላዉ ሰሎሞን ብልጹግ ናብራ እኳ እንተ ነበሮም: እታ ንግስቲ ግን በዚ ምኽንያት እዚ ኣይኰነትን ብጹኣን ከም ዝዀኑ እተዛረበትሎም። ኣብ ክንድኡስ: ወርትግ ነቲ ኣምላኽ ንሰሎሞን ዝሃቦ ጥበብ ክሰምዑ ይኽእሉ ብምንባሮም ኢያ ከምኡ ዝበለት። ንግስቲ ሳባ ነቶም ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ በቲ ኻብ ፈጣርን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ዝርከብ ጥበብ ዝረውዩ ህዝቢ የሆዋ: ኣየ ኸመይ ዝበለት ሰናይ ኣብነት ኰን ኢያ!
እታ ንግስቲ ቐጺላ ንሰሎሞን “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብሩኽ ይኹን” ብምባል እተዛረበቶ ቃላት እውን ከነቕልበሉ ዝግባእ ሓሳብ ኢዩ። (1 ነገስት 10:9) ኣብቲ ናይ ሰሎሞን ጥበብን ብልጽግናን ኢድ የሆዋ ምንባራ ከም ዘስተውዓለት መርትዖታት ይሕብር። እዚ ድማ ምስቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣቐዲሙ ኣረጋጊጽሎም ዝነበረ ዝሰማማዕ ኢዩ። ብዛዕባ ‘ንሕጋጋቱ ምሕላው’ ከምዚ ዝስዕብ ኢልዎም ነበረ:- “እዚኣተን ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ጥበብኩምን ምስትውዓልኩምን እየን . . . ንዅሉ እዚ ሕጋጋት እዚ ሰሚዖም፤ እዚ ዓብዪ ህዝቢ እዚ ብሓቂ ፈላጥን ኣስተውዓልን ህዝቢ እዩ: ኪብሉ እዮም።”—ዘዳግም 4:5-7
ናብቲ ወሃብ ጥበብ ምምጻእ
ሎሚ እውን እንተዀነ እቲ ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል:’ “ፈላጥን ኣስተውዓልን ህዝቢ” ከም ዝዀነ እተገንዘቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ናብ ማሕበር የሆዋ ይመጹ ኣለዉ: እቲ ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ ኣስተውዓሊ ዝዀነ ግን ብባህሪኡ ዘይኰነስ እቲ ቕኑዕ ሕጋጋትን ስርዓታትን ኣምላኽ ስለ ዝመርሖ ኢዩ። (ገላትያ 6:16) ቍጽሪ ተጠመቕቲ ከም ዝሕብሮ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ብሓቂ ነቶም መንፈሳውያን እስራኤል “እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ: ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና” ኢሎምዎም ኢዮም። (ዘካርያስ 8:23) እዞም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ እዚኣቶም ነቲ የሆዋ ንኣገልገልቱ ቐሪብሎም ዘሎ ድግስ ርእይ ምስ ኣበልዎ ክንደይ ኰን ኢዮም እተገረሙ! ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ምድላው ኣብተን ዝነበሩለን ሃይማኖታት ርእዮም ኣይፈልጡን ኢዮም።—ኢሳይያስ 25:6
ነቲ ዝዓበየ ወሃቢ ምሃብ
ናይ ሞሳ መንፈስ ዘለዎም ሰባት ካብቲ ዝዓበየ ንጉስን ወሃብን ዝዀነ የሆዋ ማእለያ ዘይብሉ ነገራት ብምቕባሎም ብግዲኦም ነዚ ኣምላኽ እዚ እንታይ ከም ዝህብዎ ጭንቕ ኢዩ ዝብሎም። መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ንየሆዋ ክንህቦ እንኽእል ዝበለጸ ህያብ “መስዋእቲ ምስጋና” ምዃኑ ይሕብር። (እብራውያን 13:15) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እዚ መስዋእቲ እዚ ምስቲ ኣብዚ እዋን መወዳእታ ንየሆዋ ኣዝዩ ዘገድሶ ዘሎ ህይወት ወድሰብ ናይ ምድሓን ድሌቱ ብቕጥታ ዝተሓሓዝ ብምዃኑ ኢዩ። (ህዝቅኤል 18:23) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ንሕሙማትን ሕልንኦም ንዝዓረቦምን ንኻልኦትን ዝኸውን ሓገዝ ንምሃብ ጉልበትካን ግዜኻን ምውፋይ ስምረት ዘለዎ መስዋእቲ ኢዩ።—1 ተሰሎንቄ 5:14፣ እብራውያን 13:16፣ ያእቆብ 1:27
ውጽኢት ገንዘብ ምግባር ብሻላ ዘይርአ ኣበርክቶ ኣለዎ። እዚ ውጽኢት እዚ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረቱ ጽሑፋትን ክርስትያናት ዝእከብሉ ቦታታትን ንምድላው የኽእል። (እብራውያን 10:24, 25) ብተወሳኺ ከምዚ ዝበለ ውጽኢት ነቶም ግዳያት ኲናትን ባህርያዊ ዕንወትን ዝዀኑ ሰባት ንምሕጋዞም ማዕከን ረድኤት የደንፍዕ።
ቃል ኣምላኽ: ንምሃብ ዝምልከት መምርሒ ዝዀነና ገለ ሰናይ መሰረታዊ ስርዓታት ይህብ ኢዩ። ንኣብነት: ክርስትያናት ተሰሊዕሎም ዘይኰነስ ሚዛናውያን ብምዃን በታ ኽእለቶም ብፍታው ካብ ሕጉስ ልቢ ክህቡ ኸም ዘለዎም ኢዩ ዝምህር። (2 ቈረንቶስ 9:7) ገሊኦም ብዙሕ ክህቡ ይኽእሉ ይዀኑ: ካልኦት ከኣ ልክዕ ከምታ ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበረት ድኻ መበለት ሒደት ጥራይ ይህቡ ይዀኑ። (ሉቃስ 21:2-4) እዚ ወናኒ መላእ ኣድማስ ዝዀነ የሆዋ ነቲ ምእንቲ ስሙ ብሰናይ ድርኺት ዝወሃብ ህያብን ዝግበር መስዋእትን ኣዕዚዙ ዝርኢ ምዃኑ ቀልቢ ዝስሕብዶ ኣይኰነን፧—እብራውያን 6:10
ህዝቢ የሆዋ ብሓጐስ ምእንቲ ኽህቡ እንታይ ይድለ ኸም ዘሎን ብኸመይ ዝበለ ስሉጥነት ዘለዎ መገዲ ኸም ዝማላእን ወትሩ ሓበሬታ ይወሃቦም ኢዩ። መንፈስ ቅዱስ የሆዋ እውን ብግዲኡ ፍቓደኛ ልቢ ንዘለዎም ሰባት ምላሽ ክህቡ ይድርኾም ኢዩ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ነቲ ማሕደር ድሕሪ ገለ እዋን ድማ ነታ ቤት መቕደስ ንምህናጽ ከምዚ ዝበለ ኣሰራርሓ ኢዩ ተራእዩ። (ዘጸኣት 25:2፣ 35:5, 21, 29፣ 36:5-7፣ 39:32፣ 1 ዜና መዋእል 29:1-19) እዚ ኸምዚ ዝበለ ኣሰራርሓ ኣብቲ ቐዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ክርስትያናት ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናብ እተፈላለዩ ህዝብታት ንኸብጽሕዎን ነቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ኣሕዋት ኣብ እዋን ጥሜት ንኽሕግዝዎምን ዘኽእሎም ንዋታዊ ዓቕሚ ከም ዝህልዎም ገይሩ ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 16:2-4፣ 2 ቈረንቶስ 8:4, 15፣ ቈሎሴ 1:23
ብተመሳሳሊ ሎሚ እውን የሆዋ ህዝቡ ነቲ ኣብ ዓለም ካብ እተገብሩ እቲ ዝዓበየ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ወፈራ ንኽፍጽሙ ዘድልዮም ዘበለ ዅሉ ብምሃብ ክባርኾም ጸኒሑ ኢዩ ገና ንብድሕሪ ሕጂውን ክባርኾም ኢዩ።—ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20
እቲ ሕጂ ዝድለ ዘሎ ነገራት እንታይ ኢዩ፧
ኣብዘን ዝሓለፋ ቐረባ ዓመታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብተን ቅድሚ ሕጂ ዕዮኦም ተኣጊዱለን ዝነበራ ሃገራት ብወግዒ ተፈላጥነት ረኺቦም ኣለዉ። ከም ውጽኢት እዚ ድማ ኣብ ዝበዝሓ ካብዘን ሃገራት እዚኣተን ዘደንቕ ዕቤት ቍጽሪ ኣስፋሕቲ ተራእዩ ኣሎ። ብዙሕ ጠለብ መጽሓፍ ቅዱሳትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረቱ ጽሑፋትን ከም ዘሎ እምበኣር ካብዚ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና።
ብዙሕ ኣደራሻት መንግስቲ እውን ይድለ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ብዘላ ዓለም 9,000 ዝኸውን ሓደስቲ ኣደራሻት መንግስቲ ይድለ ኣሎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ሓንቲ ኣደራሽ መንግስቲ ክትህነጽ እንተድኣ ዀይና: ነዚ ሕጂ ዘሎ ጠለብ ጥራይ ንምምላእ ልዕሊ 24 ዓመታት ክወስድ ኢዩ! እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ዳርጋ ሸውዓተ ዝዀና ሓደስቲ ጉባኤታት ይቘማ ኣለዋ: ዝበዝሓ ኻብዚኣተን ኣብቲ ሕጽረት ገንዘብ ዘለዎ ከባቢታት ዓለም ኢየን ዝርከባ። ይኹን እምበር: እቲ ዝበዝሕ ከባቢታት ኣዝዩ ክቡር ህንጻ ዝሓትት ኣይኰነን። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ሓንቲ እኽልትን ኣብቲ ማሕበረሰብ ጽቡቕ ምስክርነት እትህብን ኣደራሽ መንግስቲ ንምህናጽ 6,000 ዶላር ኣመሪካ ጥራይ ኢዩ ዘድሊ።
ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ገለ ክርስትያናት ብገንዘብ ዝመጸ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ርኹባት ኢዮም ነይሮም: ስለዚ ኸኣ ኢዩ ሃዋርያ ጳውሎስ “ሕጂ እቲ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ኪምልእ: እቲ ተረፎም ከኣ ነቲ ጐደሎኹም ኪምልእ እሞ: ማዕረ ማዕረ ምእንቲ ኪኸውን” ብምባል ዝጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 8:14) ሎሚውን ብተመሳሳሊ እዚ ‘ማዕረ ማዕረ ናይ ምዃን’ መሰረታዊ ስርዓት ነቲ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓለም ዘሎ ጠለብ መጽሓፍ ቅዱሳትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረቱ ጽሑፋትን ኣደራሻት መንግስትን ከምኡውን ብባህርያዊ ሓደጋ ንእተጠቕዑ ዝኸውን ረድኤትን ካልእ ነገራትን ዘማልእ ማዕከን ዘደንፍዕ ኢዩ። እዚ ኸምዚ ዝበለ ህያብሲ ነቲ ወሃብን ተቐባልን ኣየ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ!—ግብሪ ሃዋርያት 20:35
እቲ ማሕበር ካብ ለጋስ ልቢ ዘለዎም ሰባት ዝለኣኸላ ደብዳበታት ከም ዝሕብሮ ብዙሓት ኣንበብቲ እዚ መጽሔት እዚ ንምሕጋዝ ኣእዳዎም ክዝርግሑ ከም ዝደልዩ ግን እቲ ውጽኢት ክግበረሉ ዝከኣል እተፈላለየ መገድታት ከም ዘይፈልጥዎ ተራእዩ ኢዩ። እዛ ኣብዚ ዓንቀጽ ዘላ ሳጹን ንሕቶታቶም ከም እትምልሶ ፍሉጥ ኢዩ።
ሰሎሞን ክገዝእ ኸሎ ብዛዕብኡ ዝሰምዑ “ኵሎም ነገስታት ምድሪ” ክበጽሕዎ መጺኦም ኢዮም። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓንቲ ገዛኢት ንሳ ኸኣ ንግስቲ ሳባ ጥራይ ኢዩ ዝዛረብ። (2 ዜና መዋእል 9:23) ኣየ ኸመይ ዝበለ መስዋእቲ ኰን ኢያ ዝኸፈለት! ብዙሕ ዓስቢ ካብ ምርካባ እተላዕለ ግን ኣብ እዋን ምዝዛም ናይቲ ዝገበረቶ ምብጻሕ “ውኖኣ ተመስጠ።”—2 ዜና መዋእል 9:4
ኣብ መጻኢ ግዜ የሆዋ እቲ ዝዓበየ ንጉስን ወሃብን ነቶም መስዋእቲ ዝስውእሉ ሰባት ካብቲ ሰሎሞን ክገብሮ ዝኽእል ዝነበረ ንላዕሊ ክገብረሎም ኢዩ። ከም ምላሽ ናይዚ ድማ ‘ውኖኦም ክምሰጥ’ ኢዩ: ከመይሲ የሆዋ ካብታ እተፍርህ መዓልቲ ፍርዲ ክባልሆም ጥራይ ዘይኰነስ ‘ኢዱ ብምኽፋት ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ከጽግቦ’ ኢዩ።—መዝሙር 145:16
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ሳጹን]
ነቲ ዓምለለኻዊ ዕዮ ዝኸውን ውጽኢታት
ንምሃብ ገሊኦም ዝመርጽሉ መገድታት
ብዙሓት ኣብቲ “ነቲ ናይ ማሕበር ዓለምለኻዊ ዕዮ ዝኸውን ውጽኢት—ማቴዎስ 24:14” ዝብል እተጻሕፎ ናይ ውጽኢት ሳጹናት ዘቐምጥዎ እተወሰነ ገንዘብ ይፈልዩ ወይ ይምድቡ። ጉባኤታት ነዚ ገንዘብ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ናብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ዝርከብ ዓለምለኻዊ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ወይ ናብቲ ናይቲ ኸባቢ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ይልእካኦ።
ብወለንታ ዝግበር ናይ ገንዘብ ወፈያታት: ብቐጥታ ናብ Treasurer’s Office, Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania, 25 Columbia Heights, Brooklyn, New York 11201-2483 ኢልካ ክልኣኽ ወይ ከኣ በቲ ንሃገርካ ዘገልግል ቤት ጽሕፈት ማሕበር ኣቢሉ ክስደድ ይከኣል ኢዩ። ስልማት ወይ ካልእ ክቡር ነገራት እውን ምውፋይ ይከኣል ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ህያብ ብዘይ ገለ ገደብ እተዋህበ ምዃኑ ዝነግር ሓጺር ደብዳበ ምስቲ ውጽኢት ክለኣኽ ኣለዎ።
ክምለስ ዝኽእል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብ
ፍሉይ ስምምዕ ብምግባር ገንዘብ ንማሕበር ክዋሃብ ይከኣል ኢዩ። እቲ ዝሃበ ሰብ ንብሕቲ ጕዳይ ክጥቀመሉ እቲ ገንዘብ ምስ ዘድልዮ ይምለሰሉ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ በቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣድራሻ ተጠቒምካ በጃኻ ምስቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ተራኸብ።
ብመደብ ዝግበር ምሃብ
ብጀካ እቲ ብዘይገለ ገደብ ዝዋሃብ ናይ ገንዘብ ህያብን ክምለስ ዝኽእል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብን: ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝካየድ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣገልግሎት ንምሕጋዝ ካልእ ናይ ምሃብ ኣገባባት እውን ኣሎ። ነዚ ዝስዕብ ድማ ዘጠቓልል ኢዩ:-
መድሕን:- ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ህይወት መድሕን ፖሊሲ ወይ ናይ ጡረታ/እስትሕጋግ ክፍሊት ተጠቃሚት ከም ዝዀነት ገይርካ ስም ክመሓላለፈላ ይከኣል ኢዩ።
ናይ ባንክ ሕሳብ:- ናይ ባንክ ሕሳብ: ናይ ቅሙጥ ሕሳብ ምስክር ወረቐት: ወይ ናይ ውልቀ-ሰብ ናይ ጡረታ ሕሳብ: ብመሰረት እቲ ናይ ከባቢ ባንክ ዝፈቕዶ ብሓደራ ክቕመጥ ወይ ኣብ ግዜ ሞት ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝኽፈል ምዃኑ ብምግላጽ ክዋሃባ ይከኣል ኢዩ።
ኣክሲዮንን ቦንድን:- ኣክሲዮንን ቦንድን ብዘይ ገለ ገደብ እተዋህበ ህያብ ተባሂሉ ወይ ድማ እቲ ኣታዊ ነቲ ለጋሲ ምኽፋል ዝቕጽለሉ መደብ ብምግባር ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ክውፈ ይከኣል ኢዩ።
ዘይንቀሳቐስ ንብረት:- ክሽየጥ ዝኽእል ዘይንቀሳቐስ ንብረት: ብዘይ ገለ ገደብ እተዋህበ ህያብ ወይ እቲ ለጋሲ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ በቲ ንብረት ተጠቃሚ ክዀነሉ ዝኽእል መደብ ብምግባር ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ክውፈ ይከኣል ኢዩ። ሓደ ሰብ ዝዀነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ንማሕበር ክህብ ናይ ስምምዕ ሰነድ ቅድሚ ምግባሩ ምስ ማሕበር ክራኸብ ኣለዎ።
ለበዋን ሕድርን:- ጥሪት ወይ ገንዘብ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተቐባልነት ብዘለዎ ለበዋ ገይርካ ከተውርሳ ይከኣል ኢዩ: ወይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ንብረት ሕድሪ ውዕል ተጠቃሚት ክትከውን ስም ክመሓላለፈላ ይከኣል ኢዩ። ንሃይማኖታዊ ማሕበር ዘገልግል ሕድሪ: ገለ ናይ ቀረጽ ምጕዳላት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ።
እቲ “ብመደብ ዝግበር ምሃብ” ዝብል ስያመ ከም ዝገልጾ: እዚ ዓይነት ወፈያታት እዚ ብወገን እቲ ዝውፊ ሰብ ገለ መደብ ምግባር ዝሓትት ኢዩ። ነቶም ብገለ መልክዕ በቲ ብመደብ ዝግበር ምሃብ ገይሮም ንማሕበር ክጠቕሙ ዝደልዩ ውልቀ-ሰባት ንምሕጋዝ: ማሕበር ፕላንድ ጊቪን ቱ በነፊት ኪንግደም ሰርቪስ ወርልድዋይድ እትበሃል ብሮሹር ብእንግሊዝኛ ኣዳልያ ኢያ። እታ ብሮሹር ነቲ ንህያባትን ለበዋን ሕድርን ዝምልከት ማሕበር እተቐበለቶ ብዙሕ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ ኢያ ተጻሒፋ። ብዘይዚውን እታ ብሮሹር ንንብረትን ገንዘብን ንናይ ቀረጽ መደብ ምግባርን ዝምልከት ተወሳኺ ጠቓሚ ሓበሬታ ሒዛ ኣላ። ነቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘለዉ ሕጂ ንማሕበር ፍሉይ ህያብ ክህቡ ወይ ኣብ ግዜ ሞት ከውርሱ ዝብህጉ ውልቀ-ሰባት ንስድራቤቶምን ንብሕታዊ ኵነታቶምን ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ኣዝዩ ጠቓምን ኣስላጥን ኣገባብ ምእንቲ ኽመርጹ ንምሕጋዝ ተባሂላ እውን ኢያ ተዳልያ። ቅዳሕ ናይዛ ብሮሹር እዚኣ ብቐጥታ ካብ ክፍሊ ብመደብ ዝግበር ምሃብ ብምሕታት ክርከብ ይከኣል ኢዩ።
ብዙሓት ነዛ ብሮሹር እዚኣ ብምንባብን ምስቶም ኣብ ክፍሊ ብመደብ ዝግበር ምሃብ ዝሰርሑ ብምምይያጥን ንማሕበር ክሕግዙ: ነቲ ኸምኡ ብምግባሮም ዝርከብ ናይ ምጕዳል ቀረጽ ረብሓታት ከኣ ከስፍሕዎ ክኢሎም ኢዮም። እቲ ኽፍሊ ብመደብ ዝግበር ምሃብ ንዝዀነ ካብዚ ምድላዋት እዚ ብዝምልከት ክሕበርን ነቲ ጕዳይ ዝገልጽ ቅዳሕ ናይቲ ሰነድ ክዋሃቦን ኣለዎ። በቲ ብመደብ ዝግበር ናይ ምሃብ ምድላዋት ኣቢልካ ክትውፊ ትደሊ እንተድኣ ዄንካ በዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ኣድራሻ ገይርካ ወይ ድማ ናብቲ ንሃገርካ ዘገልግል ቤት ጽሕፈት ማሕበር ብምጽሓፍ ወይ ብምድዋል ምስቶም ኣብ ክፍሊ ብመደብ ዝግበር ምሃብ ዝሰርሑ ኣሕዋት ክትራኸብ ኣሎካ።
CHARITABLE PLANNING OFFICE
Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
100 Watchtower Drive, Patterson, New York 12563-9204
Telephone: (914) 306-1000
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእልታት]
ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብፍታው ብዝግበር ወፈያ ኢዩ ዝካየድ