-
ዕቤት የሆዋ ዘይተመርማሪ እዩግምቢ ዘብዐኛ—2004 | 15 ጥሪ
-
-
ባህርያት ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኰን ዓብዪ እዩ!
20, 21. (ሀ) መዝሙር 145:7-9 ነየናይ ባህርያት የሆዋ ብምጥቃስ እያ ዕቤት የሆዋ እተጕልሕ፧ (ለ) እቲ ኣብዚ እተጠቕሰ ባህርያት ኣምላኽ ኣብ ኵሎም እቶም ዘፍቅርዎ እንታይ ጽልዋ እዩ ዘለዎ፧
20 እተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ቍጽርታት እታ መበል 145 መዝሙር ምስቲ ዘይተመርማሪ ዕቤት የሆዋ ብምትሕሓዝ ንኽንውድሶ ብቑዕ ምኽንያታት እየን ሂበናና። ቍጽሪ 7 ክሳዕ 9 ከኣ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ብምጥቃስ ንዕቤት የሆዋ የጕልሓ። ኣብዘን ቍጽርታት እዚኣተን ዳዊት “መዘከርታ ዓብዪ ሳህልኻ [“ሰናይካ:” NW] ኼውርዩ: ብጽድቅኻውን እልል ኪብሉ እዮም። እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን እዩ: ዓቃልን ብሳህሊ ዓብይን እዩ። እግዚኣብሄር ንዅሉ ሰናይ እዩ: ርሕራሔኡ ኸኣ ኣብ ኵሉ ግብርታቱ እዩ” ኢሉ ዘመረ።
21 ኣብዚ ዳዊት ፈለማ ነቲ ሰይጣን ድያብሎስ ኣብ ሕቶ ዘእተዎ ሰናይን ጽድቅን የሆዋ ኣጕልሐ። እዚ ባህርያት እዚ ኣብ ኵሎም እቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩን ንስልጣኑ ዝግዝኡን ሰባት እንታይ ጽልዋ እዩ ዘለዎ፧ የሆዋ ዝገበሮ ሰናይ ተግባራትን ክገዝእ ከሎ ዝጥቀመሉ ጽድቃዊ መግድታቱን ንኣምለኽቱ ዓብዪ ሓጐስ ስለ ዘምጽኣሎም: እልል ካብ ምባል ኣየዕርፉን እዮም። ብዘይካዚ: የሆዋ “ንዅሉ” እዩ ሰናይ ዝገብር። ስለዚ: ብዙሓት ሰባት እቲ መገዲ ኸይተዓጽወ ኸሎ ተነሲሖም ኣምለኽቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንክዀኑ ተስፋ ንገብር።—ግብሪ ሃዋርያት 14:15-17
22. የሆዋ ንኣገልገልቱ ብኸመይ እዩ ዝሕዞም፧
22 ዳዊት ነቲ ኣምላኽ ባዕሉ ‘ቀቅድሚ ሙሴ እናሓለፈ’ “እግዚኣብሄር: እግዚኣብሄር መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን” ብምባል ዘጕልሖ ባህርያት እውን የማስወሉ ነበረ። (ዘጸኣት 34:6) ስለዚ: “እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን እዩ: ዓቃልን ብሳህሊ ዓብይን እዩ” በለ። የሆዋ ዕቤቱ ዘይተመርማሪ እኳ እንተዀነ: ንሰብኣውያን ኣገልገልቱ ብጸጋ ኣኽቢሩ እዩ ዝሕዞም። ነቶም ዝንስሑ ሓጢኣተኛታት ብመሰረት በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ይቕረ ንኽብለሎም ድሉው ብምዃኑ ድማ መሓሪ እዩ። ብተወሳኺውን ንኣገልገልቱ ናብታ ጽድቂ ዝነብረላ ሓዳስ ዓለም ንኸይኣትዉ ዕንቅፋት ክዀኖም ዝኽእል ድኽመታት ንኸሰንፉ ኣጋጣሚ ብምሃብ ንዅራ ደንጓዪ ወይ ዓቃል ምዃኑ ኣርኣየ።—2 ጴጥሮስ 3:9, 13, 14
-
-
የሆዋ ብሳህሊ ዓብዪ እዩግምቢ ዘብዐኛ—2004 | 15 ጥሪ
-
-
የሆዋ ብሳህሊ ዓብዪ እዩ
‘እግዚኣብሄር ብሳህሊ ዓብዪ እዩ።’ —መዝሙር 145:8
1. ፍቕሪ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ እያ ሰፋሕ፧
“ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።” (1 ዮሃንስ 4:8) እዛ ልቢ እትትንክፍ ሓረግ እዚኣ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ኸም ዝገዝእ እያ እትሕብር። እቶም ዘይእዘዝዎ ደቅሰብ እኳ: ካብቲ ብፍቕሪ ዘዳለዎ ጸሓይን ዝናምን ይጥቀሙ እዮም! (ማቴዎስ 5:44, 45) ኣምላኽ ንደቅሰብ ስለ ዘፍቅሮም: ጸላእቱ እውን ከይተረፉ ተነሲሖም ናብኡ ኽምለሱን ህይወት ክረኽቡን ይኽእሉ እዮም። (ዮሃንስ 3:16) ድሕሪ ሓጺር እዋን ግን እቶም ዘፍቅርዎ ሰባት ኣብ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ምእንቲ ኽነብሩ: የሆዋ ነቶም መገዶም ዘይቅይሩ እኩያት ከጥፍኦም እዩ።—መዝሙር 37:9-11, 29፣ 2 ጴጥሮስ 3:13
2. የሆዋ ነቶም ህይወቶም ንዕኡ ዝወፈዩ እንታይ ዓይነት ፍሉይ ፍቕሩ እዩ ዘርእዮም፧
2 የሆዋ ንናይ ሓቂ ኣምለኽቱ ብዘደንቕ መገዲ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኣርእይዎም እዩ። ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ በታ “ሳህሊ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል እያ እትግለጽ። ናይ ጥንታዊት እስራኤል ንጉስ ዝነበረ ዳዊት ነቲ ኣምላኽ ዘርኣዮ ሳህሊ ኣጸቢቑ የማስወሉ ነበረ። ካብቲ ባዕሉ ዘሕለፎ ተመክሮን ካብቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ዝገበረሎምን ብምዕዛብ ‘እግዚኣብሄር ብሳህሊ ዓብዪ እዩ’ በለ።—መዝሙር 145:8
-