ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
    • ትምህርቲ 25. ካብ ጠፈር እተሳእለ ስእሊ ምድሪ።

      ትምህርቲ 25

      ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

      ህይወት ሰብ ‘ሓጻርን ሽግር ዝመልኣን’ ምዃና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (እዮብ 14:1) እሞ ደኣ ኣምላኽ ከምዚ ዓይነት ህይወት ክንነብር ድዩ ዚደሊ፧ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንዓና ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧ ንምዃኑ እቲ ዕላማ እቲ ኺፍጸም ድዩ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዜጸናንዕ መልሲ ርአ።

      1. የሆዋ እንታይ ዓይነት ህይወት ኪህልወና እዩ ዚደሊ፧

      የሆዋ ብሉጽ ህይወት ኪህልወና እዩ ዚደሊ። ነቶም ቀዳሞት ሰባት ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ምስ ፈጠሮም፡ ገነት ኤደን ኣብ እትብሃል ጽብቕቲ ገነት ኣንበሮም። “ኣምላኽ ከኣ ባረኾም፣ ኣምላኽ ድማ፡ ‘ፍረዩን ተባዝሑን፡ ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ግዝእዋን’ . . . በሎም።” (ዘፍጥረት 1:28) ውሉዳት ኪወልዱን ንብዘላ ምድሪ ገነት ኪገብርዋን ንእንስሳታት ኪከናኸንዎምን እዩ ዚደሊ ነይሩ። ዕላማኡ፡ ኵሎም ሰባት ፍጹም ጥዕና ረኺቦም ንዘለኣለም ኪነብሩ እዩ ነይሩ።

      ክሳዕ ሕጂ ኸም እቲ እተሓስበ እኳ እንተ ዘይኰነ፡a ዕላማ ኣምላኽ ግና ኣይተለወጠን። (ኢሳይያስ 46:10, 11) ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ እዙዛት ደቂ ሰብ ፍጹማት ኰይኖም ንዘለኣለም ኪነብሩ እዩ ዚደሊ።—ራእይ 21:3, 4 ኣንብብ።

      2. ከመይ ጌርና ኢና ሕጂ ትርጉም ዘለዎ ህይወት ከነስተማቕር እንኽእል፧

      የሆዋ ንዓና፡ “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ፡” ማለት ንዕኡ ንምፍላጥን ንምምላኽን ባህጊ ዘሎና ገይሩ እዩ ፈጢሩና። (ማቴዎስ 5:3-6 ኣንብብ።) ምስኡ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኪህልወና ይደሊ እዩ፣ ማለት “ብዅሉ መገድታቱ ኽትመላለስ፡ ከተፍቅሮ፡ ብዅሉ ልብኻ . . . ኸተገልግሎ” ይደልየካ እዩ። (ዘዳግም 10:12፣ መዝሙር 25:14) ከምኡ እንተ ጌርና፡ ጸገማት እናሃለወና ኽነሱ ብሓቂ ሕጉሳት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንየሆዋ እነምልኽ እንተ ዄንና፡ ህይወትና ናይ ሓቂ ትርጉምን ዕላማን ይህልዎ እዩ።

      ኣዕሚቝካ ዅዓት

      የሆዋ ንምድሪ ኼዳልወልና ኸሎ ዓባይ ፍቕሪ ኸም ዘርኣየን ቃሉ ብዛዕባ ዕላማ ህይወት እንታይ ከም ዚምህረናን ፍለጥ።

      ኣዳምን ሄዋንን ነታ ብልሙዕ ኣትክልትን እንስሳታትን ዝመልአት ውቅብቲ ገነት እናጠመትዋ።

      3. የሆዋ ንደቂ ሰብ ዜደንቕ ዕላማ ኣለዎ

      ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

      ቪድዮ፦ ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠራ ስለምንታይ እዩ፧—ቍንጽል (1:41)

      • የሆዋ ነዛ ጽብቕቲ ምድርና ዝፈጠራ ስለምንታይ እዩ፧

      መክብብ 3:11 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

      • እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረካ፧

      4. ዕላማ የሆዋ ኣይተለወጠን

      መዝሙር 37:11, 29ን ኢሳይያስ 55:11ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

      • የሆዋ ንዓና ዘለዎ ዕላማ ኸም ዘይተለወጠ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

      ሀ. ዝዓነወት ቤት። ናሕሳ ፈሪሱ፡ መሳዅታ ተሰባቢሩ፡ ኣብቲ ቐጽራ ድማ ጐሓፍ መሊኡ ኣሎ። ለ. እታ ቤት እቲኣ ምስ ተሓደሰት ውቅብትን ጽፍፍትን ትኸውን።

      ዝዓነወት ቤት ክትጽገን ትከኣል እያ። ብተመሳሳሊ፡ ኣምላኽ ነታ ደቂ ሰብ ብሓፈሻ ዕሽሽ ዝበልዋ ምድርና ኣሐዲሱ ነቶም ዜፍቅርዎ ኼውርሶም እዩ

      5. ንየሆዋ ነምልኽ እንተ ዄንና፡ ህይወትና ናይ ሓቂ ትርጉም ይህልዋ

      ትርጉም ህይወት ምፍላጥ፡ ሓጐስ ኬምጽኣልና ይኽእል እዩ። ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

      ቪድዮ፦ ዕላማ ህይወት ተማሂረ (5:03)

      • ተሩሚ ዕላማ ህይወት ብምፍላጣ፡ ብኸመይ ተጠቒማ፧

      መክብብ 12:13 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

      • የሆዋ ብዙሕ ስለ ዝገበረልና፡ እንታይ ክንገብረሉ እዩ ግዴታ ዘሎና፧

      ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ዕላማ ህይወት እንታይ እዩ፧”

      • እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

      ጽማቝ

      የሆዋ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ኵነታት ንዘለኣለም ክንነብር ይደልየና እዩ። ብዅሉ ልብና እነምልኾ እንተ ዄንና፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ህይወትና ናይ ሓቂ ትርጉም ይህልዋ እዩ።

      ክለሳ

      • የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ እንታይ እዩ፧

      • ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ኸም ዘይተለወጠ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

      • ናይ ሓቂ ትርጉም ህይወት ከመይ ጌርካ ትፈልጥ፧

      ሸቶ

      ዳህስስ

      ገነት ኤደን ብሓቂ ኸም ዝነበረት ዜርኢ መርትዖ መርምር።

      “ገነት ኤድን—ጽውጽዋይ ወይስ ሓቂ፧” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ጥሪ 2011)

      ምድሪ ንዘለኣለም ከም እትነብር ርግጸኛታት እንዀነሉ ምኽንያት ፍለጥ።

      “ምድሪ ኽትጠፍእ ድያ፧” (ዓንቀጽ ወብ)

      መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ትርጉም ህይወት እንታይ ከም ዚብል መርምር።

      “ትርጉም ህይወት እንታይ እዩ፧” (ዓንቀጽ ወብ)

      ሓደ ሰብኣይ ኵሉ ዘለዎ ይመስሎ እኳ እንተ ነበረ፡ ደሓር ግና ኣብ ህይወቱ ዝጐደሎ ነገር ከም ዘሎ ብኸመይ ከም ዝፈለጠ ርአ።

      ሕጂ ዕላማ ዘለዎ ህይወት ኣሎኒ (3:55)

      a ኣብ እትቕጽል ትምህርቲ፡ ነዚ እንታይ ከም ዘበላሸዎ ኽትምሃር ኢኻ።

  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
    • 2. ምስ የሱስ ኰይኖም ዚገዝኡ መን እዮም፧

      የሱስ በይኑ ኣይኰነን ዚገዝእ። “ካብ ብዘሎ ነገዳትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኣህዛብን . . . ኣብ ልዕሊ ምድሪ . . . ኺነግሱ እዮም።” (ራእይ 5:9, 10) እሞ ደኣ ምስ ክርስቶስ ኰይኖም ዚገዝኡ ሰባት ክንደይ እዮም፧ የሱስ ናብ ምድሪ ኻብ ዚመጽእ ኣትሒዙ፡ ሚልዮናት ክርስትያናት ሰዓብቱ ዀይኖም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ካባታቶም 144,000 ጥራይ እዮም ምስ የሱስ ኰይኖም ንምግዛእ ናብ ሰማይ ዚኸዱ። (ራእይ 14:1-4 ኣንብብ።) ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዚተርፉ ክርስትያናት ተገዛእቲ እታ መንግስቲ እዮም ዚዀኑ።—መዝሙር 37:29።

  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
    • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧

      መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኣብ ምድሪ ዓብዪ ለውጥታት ክትገብር እያ። ገለ ኻብቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ብሃንቀውታ እንጽበዮ ጽቡቕ ነገራት እስከ ንርአ።

      1. መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ሰላምን ፍትሕን እተስፍን ብኸመይ እያ፧

      እቲ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ፡ ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን ንእኩያት ሰባትን መንግስትታትን ኬጥፍኦም እዩ። (ራእይ 16:14, 16) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ “ድሕሪ ቝሩብ፡ እኩያት ኣይኪህልዉን እዮም” ዚብል ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጸም እዩ። (መዝሙር 37:10) የሱስ ብመንግስቱ ኣቢሉ ኣብ ምድሪ ሰላምን ፍትሕን ኬስፍን እዩ።—ኢሳይያስ 11:4 ኣንብብ።

      2. ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ምስ ኰነ፡ ህይወት ከመይ ክትመስል እያ፧

      ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ፡ “ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።” (መዝሙር 37:29) ንየሆዋ ዜፍቅሩን ንሓድሕዶም ዚፋቐሩን ጻድቃን ጥራይ ኣብ ዚነብርዋ ዓለም ምንባር እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ! ሓደ እኳ ኣይኪሓምምን እዩ፣ ኵሉ እውን ንዘለኣለም ኪነብር እዩ።

      3. መንግስቲ ኣምላኽ ንእኩያት ምስ ኣጥፍአት፡ እንታይ ክትገብር እያ፧

      እኩያት ምስ ጠፍኡ፡ የሱስ ን1,000 ዓመት ኪነግስ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንሱን እቶም 144,000 መጋዝእቱን ንደቂ ሰብ ፍጹማትን ብዘይ ሓጢኣትን ኪዀኑ ኺሕግዝዎም እዮም። ኣብ መወዳእታ እቲ እዋን ከኣ፡ ብዘላ ምድሪ ጽብቕቲ ገነት ክትከውን፡ ሕግታት የሆዋ ብዚሕልዉ ሕጉሳት ሰባት እውን ክትመልእ እያ። ሽዑ፡ የሱስ ግዝኣቱ ንኣቦኡ የሆዋ መሊሱ ኼረክቦ እዩ። ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ፡ ‘ስም የሆዋ ኪቕደስ እዩ።’ (ማቴዎስ 6:9, 10) የሆዋ ንተገዛእቱ ዚሓልየሎም ሕያዋይ ገዛኢ ምዃኑ ኺረጋገጽ እዩ። ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ነቶም ካብ ግዝኣቱ ዚዓልዉ ኻልኦትን ኬጥፍኦም እዩ። (ራእይ 20:7-10) እቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ ፍጹም ኵነታት ከኣ ንዘለኣለም ኪቕጽል እዩ።

      ኣዕሚቝካ ዅዓት

      ኣምላኽ ብመንግስቱ ገይሩ ንዅሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘተስፈዎ ተስፋታት ኪፍጽሞ ምዃኑ ስለምንታይ ከም እንኣምን ርአ።

      4. መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኣውያን መንግስትታት ከተጥፍአን እያ

      ‘ሰብ ንሰብ ንጕድኣቱ ይገዝኦ ኣሎ።’ (መክብብ 8:9) የሆዋ ብመንግስቱ ኣቢሉ ነዚ ዘይፍትሓውነት ኬዐርዮ እዩ።

      ዳንኤል 2:44ን 2 ተሰሎንቄ 1:6-8ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

      • የሆዋን ወዱ የሱስን ንሰብኣውያን መንግስትታትን ንደገፍቶምን እንታይ ኪገብርዎም እዮም፧

      • እቲ ብዛዕባ የሆዋን የሱስን እተምሃርካዮ ነገራት፡ ተግባራቶም ፍትሓውን ቅኑዕን ከም ዚኸውን ብኸመይ የረጋግጸልካ፧

      ሰማያዊ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ኣብ ልዕሊ ገነታዊት ምድሪ ይገዝእ።

      5. የሱስ ብሉጽ ንጉስ እዩ

      የሱስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ብምዃኑ፡ ንጥቕሚ ምድራውያን ተገዛእቱ ብዙሕ ነገራት ኪገብር እዩ። የሱስ ንሰባት ንምሕጋዝ ድሌትን ካብ ኣምላኽ እተዋህቦ ሓይልን ከም ዘለዎ ንምርኣይ ቪድዮ ኣጻውት።

      ቪድዮ፦ የሱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ከም እትገብር ኣርእዩ (1:13)

      የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ከም እትገብር መርኣያ ሂቡ ነይሩ እዩ። ካብዚ ኣብዚ ተዘርዚሩ ዘሎ በረኸት ብሕልፊ ነየናይ ኢኻ ተሃንጢኻ እትጽበዮ፧ ምስቲ በረኸት ዚዛመድ ጥቕስታት ኣንብብ።

      የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ . . .

      የሱስ ኣብ ሰማይ ኰይኑ፡ . . .

      • ባህርያዊ ሓይልታት ምድሪ ተቘጻጺሩ።—ማርቆስ 4:36-41።

      • ኣከባብያዊ ጸገማት ኪፈትሕ እዩ።—ኢሳይያስ 35:1, 2።

      • ብተኣምር ኣሽሓት መጊቡ።—ማቴዎስ 14:17-21።

      • ጥሜት ካብ ዓለም ኬወግድ እዩ።—መዝሙር 72:16።

      • ብዙሓት ሕሙማት ኣሕውዩ።—ሉቃስ 18:35-43።

      • ኵሉ ሰብ ፍጹም ጥዕና ኸም ዚህልዎ ኺገብር እዩ።—ኢሳይያስ 33:24።

      • ምዉታት ኣተንሲኡ።—ሉቃስ 8:49-55።

      • ሞት ኬወግድ እዩ።—ራእይ 21:3, 4።

      6. መንግስቲ ኣምላኽ ዜደንቕ ነገራት ከተምጽእ እያ

      መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ የሆዋ ንደቂ ሰብ ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ ምሉእ ብምሉእ ክትፍጽሞ እያ። ደቂ ሰብ ከኣ ንዘለኣለም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ኺነብሩ እዮም። የሆዋ ብወዱ የሱስ ኣቢሉ ዕላማኡ ንምፍጻም እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ንምርኣይ፡ ቪድዮ ኣጻውት።

      ቪድዮ፦ እቲ ዜደንቕ መጻኢ ኸመይ ይመስል፧ (4:38)

      መዝሙር 145:16 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

      • የሆዋ ‘ትምኒት ህያው ዘበለ ዅሉ ኸም ዜዕግብ’ ምፍላጥካ እንታይ ስምዒት ይፈጥረልካ፧

      ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ኵላትና እንተ ንሓብር፡ ጸገማት ዓለም ምፈታሕናዮ።”

      • መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሰብኣውያን መንግስትታት ኪፈትሕዎ ዘይክእሉ እንታይ ጸገማት እያ ኽትፈትሕ፧

      ጽማቝ

      መንግስቲ ኣምላኽ ሸቶኣ ኽትፍጽም እያ። ንምድሪ ናብ ገነት ክትቅይራ እያ፣ ምድሪ ድማ ንዘለኣለም ንየሆዋ ብዜምልኹ ሕያዎት ሰባት ክትመልእ እያ።

      ክለሳ

      • መንግስቲ ኣምላኽ ንስም የሆዋ እትቕድሶ ብኸመይ እያ፧

      • መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተተስፈወ ተስፋታት ከም እትፍጽሞ ኽንኣምን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

      • ካብቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትገብሮ ነገራት ምናዳ ነየናይ ኢኻ ብሃንቀውታ እትጽበዮ ዘለኻ፧

      ሸቶ

      ዳህስስ

      ኣርማጌዶን እንታይ ምዃኑ ፍለጥ።

      “ውግእ ኣርማጌዶን እንታይ እዩ፧” (ዓንቀጽ ወብ)

      ኣብቲ የሱስ “ብርቱዕ ጸበባ” ዝበሎ እዋን እንታይ ከም ዚኸውን መርምር።—ማቴዎስ 24:21።

      “ብርቱዕ ጸበባ እንታይ እዩ፧” (ዓንቀጽ ወብ)

      ኣባላት ስድራ ቤት ከመይ ገይሮም ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዚህሉ በረኸት ኬስተንትኑ ኸም ዚኽእሉ ርአ።

      ንገነት ብኣእምሮኻ ስኣላ (1:50)

      “ብዙሕ ሕቶታት የጨንቐኒ ነበረ” ኣብ ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ዓመጽ ዚካፈል ዝነበረ ሰብ ከመይ ገይሩ ነቲ ዚደልዮ ዝነበረ ፍታሕ ከም ዝረኸበ ኣንብብ።

      “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ጥሪ 2012)

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ