ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • “ሓሳባትካ ኪቐውም እዩ”
    ግምቢ ዘብዐኛ—2007 | 15 ግንቦት
    • ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ባዕሉ ኣብ ዘቀናበራ መዝሙር: “ዎ ኣምላኽ: ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ: ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ። ሓጐስ ምድሓንካ ምለሰለይ: ብፍቓደኛ መንፈስውን ደግፈኒ” ኢሉ ጸለየ። (መዝሙር 51:10, 12) ድሕሪ እቲ ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ ሓጢኣት: ካብ ሓጢኣቱ ተነሲሑ: የሆዋ ኣምላኽ ንልቡ ኼጽርየሉ ኸምኡውን ቅኑዕ ዘበለ ንኺገብር መንፈስ ወይ ዝንባለ ኼሕድረሉ ለመነ።

      የሆዋ ኣብ ውሽጥና ጽሩይ ልቢ ይፈጥረልና ድዩ፧ ካብኡ ሓሊፉኸ ሓድሽ ፍቓደኛ መንፈስ ይመልሰልና ድዩ፧ ወይስ ጽሩይ ልቢ ባዕልና ኸነጥርዮን ክንዕቅቦን እንጽዕረሉ ነገር እዩ፧ የሆዋ “ንልቢ ዚፍትኖ” እኳ እንተ ዀነ: ኣብቲ ኣብ ውሽጥና ዚግበር ነገር ግን ክሳዕ ክንደይ እዩ ኢዱ ዜእቱ፧ (ምሳሌ 17:3፣ ኤርምያስ 17:10) ንህይወትናን ድራኼናን ተግባራትናን ክሳዕ ክንደይ እዩ ዚጸልዎ፧

  • “ሓሳባትካ ኪቐውም እዩ”
    ግምቢ ዘብዐኛ—2007 | 15 ግንቦት
    • ‘ብልቢ ሓሳባት ምድላው’—ብመን፧

      ምሳሌ 16:1ሀ “ሰብ ብልቡ ሓሳባት የዳሉ” ትብል። ብንጹር እምበኣር ‘ብልብና ሓሳባት ምድላው’ ናትና ሓላፍነት እዩ። የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ ንልብና ኣየዳልዎን ወይ ፍቓደኛ መንፈስ ኣይህበናን እዩ። ብዛዕባ እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ርጡብ ፍልጠት ንኸነጥሪ: ነቲ እተመሃርናዮ ንኸነስተንትነሉ: ከምኡውን ሓሳባትና ምስ ሓሳባቱ ኸም ዚሰማማዕ ንኽንገብር ክንጽዕር ኣሎና።—ምሳሌ 2:10, 11

      ኰይኑ ግን: ዳዊት ‘ጽሩይ ልብን ሓድሽ መንፈስን’ ኪፍጠረሉ ምልማኑ: ሓጥእ ዝንባለ ኸም ዘለዎን ልቡ ንኼጽሪ ኻብ ኣምላኽ ሓገዝ ከም ዜድልዮን ኣፍልጦ ኸም ዝሃበ እዩ ዚሕብር። ዘይፍጹማት ብምዃንና: “ግብሪ ስጋ” ንኽንፍጽም ንፍተን ኢና። (ገላትያ 5:19-21) “ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፤ ምንዝር: ርኽሰት: ፍትወት ስጋ: ክፉእ ትምኒት: ስስዔ: እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ” ዚብል ምኽሪ ኽንዓየሉ እንተ ዄንና: ሓገዝ የሆዋ የድልየና እዩ። (ቈሎሴ 3:5) ብፈተናታት ንኸይንስነፍን ካብ ልብና ሓጥእ ዝንባለታትና ንኸነወግድን: ሓገዙ ምሕታት ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ